ምላሽ ኤርትራ ንመግለጺታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኤርትራ ነቲ ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባኣ ዝሃቦ መግለጺታት ዝነቅፍ ምላሽ ሂባ።

ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል "ብመንጽር ዋዛ" ብዝብል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ሕሱር ሓሶታትን ኣታላሊ ሽጣራን" ክብል ንመደረ ኣቢይ ኣሕመድ ነቒፉ።

"እቲ ንመላእ መደርኡ ዘነጽር ዘዋርድ ሰሓሶታትን ኣታላሊ ሽጣራታትን ኣዝዩ ዘፈንፍን ብምዃኑ ዕቱብ መልሲ ክወሃቦ ዘድልዮ ኣይኮነን።

"እዚ ንልቦና ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘሕዝን ጸርፊ እዩ" ብምባል ድማ "'ሓሳውን ቆርበትን እናሓደረ ይፈኮስ'" ዝብል ምስላ ብምጥቃም ወቒሱ።

እቲ ኣቢይ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ ኤርትራ "ንጸላእቲ ኢትዮጵያ ምዕጣቕ፡ ናይ ምዕጣቕ መስመር ምዃን፡ ንጸላእቲ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ደው" ከብል ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

"ሻዕቢያ ኣብ ዘይእረም ስሕታን ዘዳኽር ሓይሊ እንተዀይኑ፡ ሳዕቤኑ ንኤርትራ እዩ ክኸውን" ብምባል'ውን ኣፈራሪሑ።

ሚኒስተር የማነ ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በቲ "ፖተምኪን" ክብል ዝጽውዖ ሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ'ሎ።

"ስርዓት ብልጽግና ተቓወምቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኤርትራውያን ምንቅስቓሳት (ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (RSADO) እስላማዊ ምንቅስቓስ፡ ሰማያዊ ሰውራን ካልኦት ኣሸበርቲ ጉጅለታትን) ይሓቊፍን የዕጥቕን ከምዘሎ'ውን ክበርህ ኣለዎ" ኢሉ።

ሰበስልጣን ኤርትራ ሳሕቲ'ዮም ንህላወ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣፍልጦ ክህቡ ዝስምዑ።

ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናይ ሓድሕድን ተቓወምቲ ክድግፋን ባይታ ክህባን ምጽንሐን ይፍለጥ።

እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን ከምዝብሎ፡ ሕመረት መደረ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ብምስምስ "ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ" ከምኡ'ውን "ርእሰ-ምክልኻል" ከቕርቦ ዝጸንሐ "ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ንኤርትራ ዒላማ ዝበረ ዘይምኽኑይ እዉጅ ናይ ወራር ኲናት" እዩ።

ኣቢይ፡ ኣብቲ ንፓርላማ ዝሃቦ መብርሂ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ኲናት ከምዘይጥቀም'ኳ እንተገለጸ፡ ድሌቱ ውዒሉ ሓዲሩ ዝረጋገጽ ምዃኑ'ዩ ኣሚቱ።

"'ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ክትብል ወራር ክትፍጽም እያ' ይበሃል- ወራር ግን ኣይነበግስን ኢና። ወራር ኣድላዪ ኣይኮነን፤ ብሰላምን ዘተን ኢና ክነውሕሶ ንደሊ።

"መንግስቲ ኤርትራ ግን ክፈልጥ ኣለዎ። ኣባይ [ናይል) ካብ ጣና'ኳ እንተ ተበገሰ፡ በቲ ትፈልጥዎ ባህርያዊ መስመሩ ተኸቲሉ መገዱ ሒዙ ናብ ሱዳን'ዩ ዝኣቱ። ናብ ሱዳን ኣይትኣቱን ኢኻ ኢልና እንተ ንዓግቶ፡ ንዓና ሒዙና'ዩ ዝኸይድ እምበር ንኣባይ ደው ከነብሎ ኣይንኽእልን ኢና።

"ናይ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ'ውን ልክዕ ከምዚ'ዩ" ብምባል ካብ ኣባላት ባይቶ ድሙቕ ጣቕዒት ዝረኸበሉ ምጉት ኣቕሪቡ።

ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ርድኢት፡ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ኢትዮጵያ ልሂቃን ፖለቲካ ተጋግዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ኣብ ስትራተጂክ ኣዌከኒን (ስትራተጂካዊ ምንቕቓሕ) ኢና ዘለና። ቅኑዕ ከምዘይኮነ ተበራቢርና ኢና" ክብል ኣዊጁ።

"ሰላም እንተድኣ ተደልዩ፡ ሕጂ ምትሕብባር'ዩ። እኹል ጸጋ'ዩ፡ ዋሕዲ ዘለዎ ጸጋ ኣይኮነን፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ክንሰርሖ ንኽእል ኢና።

"ኣይፋል፡ ኢትዮጵያ ኣየድልያን'ዩ፡ ክስታይ'ዩ፡ ከምዚ'ዩ ዝብሃል ነገር ግን፡ ብምድርን ሰማይን ተዓጺና ካብ እንሃልቕ. . .ስለዚ ምሕሳብ ጸቡቕ'ዩ" ምስ በለ ኣብቲ ባይቶ ዓቢ ጣቒዒት ተሰሚዑ።

ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ እቲ እናኣንቆልቆል ዝኸይድ ዘሎ ማሕበረ-ቊጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ዝሃቦ ርእይቶታት'ውን ንኣስመራ ኣቖጢዑዋ ኣሎ።

ሚኒስተር የማነ፡ ስርዓት ብልጽግና በቲ ካብ ለገስቲ ሃገራት ዝረኽቦ ብብልዮናት ዶላራት ዝግመት ደገፍ ክወራዘ ኣይክልን'ዩ ክብል'ውን ገሊጹ።

"እቲ ስርዓት ካብ ሓባራዊን ክልተኣዊን ለገስቲ ዝረኽቦ ዓለምለኻዊ ትኳቦ (30 ቢልዮን ዶላር)፡ ኣብ ርእሲኡ'ውን ዋላ'ኳ እዉጅ እንተዘይኮነ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝረኸቦ ካልእ ኣስታት 30 ቢልዮን ዶላር እዩ ዝናበር።"

እቲ ኣሃዛት ካበይ ከምዘምጽኦ'ኳ ብንጹር እንተዘይገለጸ፡ ኢትዮጵያ ብቢልዮናት ዝግመት ዓለምለኻዊ ደገፍን ለቓሕን ከምእትረክብ ይፍለጥ።

"ምስ ኩሉ'ዚ ግን፡ 70 ሚእታዊን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብደቛሲ ድኽነት እሳቐ ኣሎ" ኢሉ።

እታ ልዕሊ 120 ሚልዮን ህዝቢ ከምዘለዋ ዝንገረላ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጣ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፡ ዝቕባበ ዘስዓቦ ናህሪ ዋጋታት፡ ከምኡ'ውን ክሊማዊ ለውጢ ዝበሉ ብድሆታት ኣጋጢሞማ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዛዕባ ልምዓት ከምዘይግደስ'ዩ ኣቢይ ገሊጹ ነይሩ።

"ሓቢርና ንኽንለምዕ ልዑል ጻዕሪ ኢና ገይርና። ንኣብነት ኣብኡ [ኤርትራ] ናይ ኤለክትሪክ ጸገም ኣሎ፡ ጀነሬተር'ዮም ዝጥቀሙ። መስመር ብናትና ወጻኢ ክንዝርግሓልኩም እሞ፡ ልክዕ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዋጋ ኤለክትሪክ ከነእትወልኩም ኢልናዮም። መንግስቲ ኤርትራ ኣብዩና። ከም ናይ ኬንያ ኣይኮነን፡ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዋጋ ኢና ኢልናዮም. . . ።

"መንገዲ ንስራሕ፡ ወደብ ብሓባር ንስራሕ ኢልና ሓቲትና፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዩና፡ ስለምንታይ? መንግስቲ ኤርትራ ንጊዚኡ መንግስቲ'ዩ። እንተኾነ፡ ናይ ልምዓት፡ ናይ ዕብየት ዝብሃል ዲክሺነሪ ኣብ ቋንቋኡ የለን" ይብል እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ።

ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እናኣንቆልቆል ክመጽእ ዝጸንሐ ቊጠባ ኤርትራ፡ ኣብ ገለ ዓመታት ካብ ዕደና ብዝተረኽበ ኣታዊታት'ኳ ዕብየት እንተኣርኣየ፡ ብሰንኪ ቀያዲ ፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ፍሕት ክብል ኣይክኣለን።

"ናይ ዕንጋሎ" ክብል'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ክገልጾ ጸኒሑ'ዩ። ኣብታ ግዳይ ክሊማዊ ለውጢ ዝኾነት ሃገር፡ ክቱር ድኽነትን ጥምየትን ክርአ ምጽንሑ'ውን ይፍለጥ።

ብሰንኪ ኣብ ከባቢ 2004 መንግስቲ ዝወሰዶ ውሳነ ምስጓግ ዓለምለኻዊ ትካላት ረዲኤት፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቐጥታ ከይኣቱ ተኸልኪሉ'ዩ።

ዕንወት ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ጽርግያታት፡ ርእሰከተማ ኣስመራ፡ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ርኡይ ምዃኑ'ውን እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክእመነሉ ዝጸንሐ ርኡይ ክውንነት'ዩ።