እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ , ተዓጊቶም ዝጸንሑ 300 መራሕቲ መካይን ብወተሃደራት እናተሓለዉ ኬንያ ኣትዮም

ብሰንኪ ኣብ ዶብ ሞያለ ዝተፈጥረ ግጭት ንሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓጺዮም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 ኬንያውያን መራሕቲ መካይን፡ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ብሰንኪ ኣብ ዶብ ሞያለ ዝተፈጥረ ግጭት ንሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓጺዮም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 ኬንያውያን መራሕቲ መካይን፡ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን።
  • ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል "ብመንጽር ዋዛ" ብዝብል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ሕሱር ሓሶታትን ኣታላሊ ሽጣራን" ክብል ንመደረ ኣቢይ ኣሕመድ ነቒፉ።
  • 'ባባ ፈሪሐ ኣለኹ' - ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ድሮናት ሑቲ እትርከብ ሪያድ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፓኪስታንን ቱርክን፡ ንስዑዲ ዓረብ ካብ መጥቃዕቲ ሑቲ ክከላኸላላ ቃል ኣትየን

    ብመሰረት እቲ ውዕል ሓባራዊ ምክልኻል መካ ዝፍለጥ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ዝኽፈት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኵለን ከም ዝተፈነወ ኰይኑ ዝቝጸረሉ ስሉሳዊ ስምምዕ ምክልኻል ኣብ ነሓሰ ዝተፈራረማ ፓኪስታንን ቱርክን፡ ነታ ኣባል እቲ ስምምዕ ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ ካብ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ሑቲ ነብሳ ንምክልኻል እትገብሮ ጻዕሪ ክድግፋ ቃል ኣትየን።

    ናይ ምክልኻልን ወተሃደራውን ሰበ-ስልጣን እተን ሰለስተ ሃገራት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኵነታት ንምዝታይ ኣብ ኢስላማባድ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝጸንሐ ዘተ ኣካይዶም።

    ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ዞባዊ ወጥርታት ንምህዳእ ዝግበሩ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምድጋፍ ቃል ከም ዝኣተዉ ሰበ-ስልጣን ፓኪስታን ገሊጾም።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኢሻቕ ዳር ብተሌቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መግለጺኡ፡ እቲ ኣኼባ ዞባዊ ወጥርታት ንምህዳእ ዝግበሩ ጻዕርታት ምድጋፉ ንምቕጻልን፡ ዘይምስምማዓት ብዘተን ብዲፕሎማስያዊ መንገድን ብሰላም ክፍትሑ ንምትብባዕን ከም ዝተሰማምዐ ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

    እተን ሰለስተ ሃገራት፡ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ውሽጢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባትን ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽታትን ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነና እቲ ምኒስተር ኣፍሊጡ።

    ብመሰረት እቲ ኣብ ነሓሰ ዝተፈረመ ስምምዕ ምክልኻል እውን፡ “ድሕንነት፡ ሉዓላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን” ስዑዲ ንክኽበር ደገፍ ከም ዝገብራ ደጊመን ከም ዘረጋገጻ ዳር ተዛሪቡ።

    ገለ ተንተንቲ “ስምምዕ ሱኒ” ወይ “ኔቶ ሙስሊም” ብምባል ዝጸውዕዎ እዚ ስምምዕ ምክልኻል፡ ኣብ ነሓሰ 2026 ኣብታ ቅድስቲ ከተማ ዝዀነት መካ እዩ ተፈጺሙ።

    ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ቱርክ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን ኣብ መካ ተረኺቦም ተፈራሪሞም እዮም።

    ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ዝጀመሩ ድሕሪ ምፍራም እቲ ስምምዕ እዩ።

    ጸብጻብ ኤፒ ከም ዘመልክቶ፡ ቱርክ ናብ ስዑዲ ዓረብ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምልኣኽ ትሓስብ ምህላዋ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም። ይዅን እምበር፡ ስምምዕ መካ ናይ ምክልኻል ዕላማ ጥራይ ስለ ዘለዎ፡ ወተሃደራት ቱርክ ኣብ የመን ከም ዘይዋግኡ ወይ ንሑቲ ከም ዘየጥቅዑ ብንጹር ተዛሪቦም።

    ፓኪስታን እውን እቲ ስምምዕ ንምክልኻል ጥራይ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጻ ኣላ። ንኢራን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር ዘነጸረ ከም ዘይኰነን፡ ስትራተጅያዊ ጸጥታዊ ምትሕብባር ንምሕያል ዘሎ ሓባራዊ ድሌት ዘንጸባርቕ ምዃኑን ኣፍሊጣ ኣላ።

    ተዛመድቲ ዛዕባታት፤

  2. ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ወርሒ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 መራሕቲ መካይን ናብ ኬንያ ተመሊሶም

    ብሰንኪ ኣብ ዶብ ሞያለ ዝተፈጥረ ግጭት ንሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓጺዮም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 ኬንያውያን መራሕቲ መካይን፡ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን።

    መንግስቲ ኬንያን ማሕበር መራሕቲ መካይን ጽዕነትን ድሕሪ ዘካየዱዎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት፡ እቶም መራሕቲ መካይን ሓሙስ 26 ሕዳር 2026 ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ናብ ኬንያ ክኣትዉ ጀሚሮም።

    እዞም ኣብቲ ምስ ኬንያ ዝዳወብ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኦሮሞን ሶማልን፡ ብጉዳያ ዋንነት መሬትን ናብ ኬንያን ሶማልያን ዘእቱ መንገድታትን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ን34 መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ስዒቡ ብሓሙስ ኣብ መንጎ ክልተኦም ማሕበረሰባት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝተበጽሐ ኣፍሊጡ። እዚ ስጕምቲ፡ ፈደራላዊ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ብምእታው ህዝባዊ ስርዓት ክመልስን ጸጥታ ከውሕስን ዘኽእል እዩ።

    እታ ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ ሞያለ፡ ልዑል ቍጠባዊ ዓቕሚ ስለ ዘለዋ፡ ማእከል እቲ ኣብ መንጎ ክልተኡ ማሕበረሰባት ዝካየድ ዘሎ ብርቱዕ ውድድር ኰይና ኣላ።

    እቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ናይ መሬት ምስሕሓብ፡ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ብሰንኪ ምምሕዳር ናይቲ ኣካራኻሪ ቦታታትን ባንዴራ ክልል ሶማሌ ምስቃልን ብዝተፈጥረ ወጥሪ ናብ ውግእ ዓሪጉ።

    እቲ ኣብ መንጎ ክልተኦም ዕጡቓት ጕጅለታትን ሓይልታት ክልልን ዝተላዕለ ግጭት ኣብ ክልተኡ ወገን ዶብ ናብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ብምልባዑ፡ ስድራቤታት ናብ ኬንያ ክሃድሙ ተገዲዶም።

    ከተማ ሞያለ ኣብቲ ንናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ ቀንዲ መስመር መጓዓዝያ ስለ እትርከብ፡ እቲ ግጭት ኣብ ቍጠባ እቲ ዞባ ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ ኣሎ።

    ጸጥታ ብምዝንባሉ ምንቅስቓስ ተገዲቡ፡ መራሕቲ መካይን ኣብኡ ክተርፉን ሓያሎ ትካላት ንግዲ ክዕጸዋን ተቐሲበን እየን። በዚ ምኽንያት ነጋዶን መራሕቲ መካይንን ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኦም ስለ ዝሰኣኑ፡ ኣብ ክልተኡ ወገን ዶብ ከቢድ ቍጠባዊ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

    ሳዕቤን ናይቲ ኣብ መንጎ ክልተኦም ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ኬንያ’ውን ተሳጊሩ እዩ።ኣብ ዶብ እቲ ከባቢ ዝርከባ ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣቐዲመን ክዕጸዋ ክግደዳ ከለዋ፡ ከቢድ ብረትን ጠያይትን ኣብ ኣባይትን ህንጻታትን ብምዕላቡ፡ ነበርቲ ካብ መረበቶም ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ።

    ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ግጭት ናብ ኬንያ ሓሊፉ ብውሕዱ 6 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ካልኦት ሓያሎ ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ።

    እዚ ኵነታት ኣብቶም ብሰላም ክነብሩን ኣብ ሞያለ ንግዲ ከካይዱን ዝጸንሑ ማሕበረሰባት ራዕዲ ከም ዝፈጠረ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለዉ።

    ቀይሕ መስቀል ኬንያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ኣብቲ ከባቢ ረድኤት ንምቕራብ ዝተዋፈሩ ትካላት ግብረ-ሰናይ ከም ዝገለጽዎ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ልዕሊ 50,000 ሰባት ተመዛቢሎም ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ተዓቚቦም ይርከቡ።

    ብተወሳኺ፤

  3. መርሓባ ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ቀዳመ-ሰንበት ክዀነልኩም እናተመነና ቀጥታዊ ፈነወና ንጅምር ኣለና፤ እዋናዊ ዜናን ሓበሬታ ንምርካብ ክትከታተሉና ንዕድመኩም።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ዋትስኣፕ፡ ቲክቶክ፡ ዩቱብ፡ ኢንስታግራምን ፈይስቡክን እነቕርቦም ዝተፈላለየ መደባት'ውን ጆባእ ንብለኩም - ብጽሑና ብዙሕ ሓበሬታት ክትቋደሱ ኢኹም።