ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ወርሒ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 መራሕቲ መካይን ናብ ኬንያ ተመሊሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ ኣብ ዶብ ሞያለ ዝተፈጥረ ግጭት ንሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓጺዮም ዝጸንሑ ልዕሊ 300 ኬንያውያን መራሕቲ መካይን፡ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ማዕከናት ዜና ኬንያ ገሊጸን።
መንግስቲ ኬንያን ማሕበር መራሕቲ መካይን ጽዕነትን ድሕሪ ዘካየዱዎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት፡ እቶም መራሕቲ መካይን ሓሙስ 26 ሕዳር 2026 ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ናብ ኬንያ ክኣትዉ ጀሚሮም።
እዞም ኣብቲ ምስ ኬንያ ዝዳወብ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኦሮሞን ሶማልን፡ ብጉዳያ ዋንነት መሬትን ናብ ኬንያን ሶማልያን ዘእቱ መንገድታትን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ን34 መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ስዒቡ ብሓሙስ ኣብ መንጎ ክልተኦም ማሕበረሰባት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝተበጽሐ ኣፍሊጡ። እዚ ስጕምቲ፡ ፈደራላዊ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ብምእታው ህዝባዊ ስርዓት ክመልስን ጸጥታ ከውሕስን ዘኽእል እዩ።
እታ ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ ሞያለ፡ ልዑል ቍጠባዊ ዓቕሚ ስለ ዘለዋ፡ ማእከል እቲ ኣብ መንጎ ክልተኡ ማሕበረሰባት ዝካየድ ዘሎ ብርቱዕ ውድድር ኰይና ኣላ።
እቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ናይ መሬት ምስሕሓብ፡ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ብሰንኪ ምምሕዳር ናይቲ ኣካራኻሪ ቦታታትን ባንዴራ ክልል ሶማሌ ምስቃልን ብዝተፈጥረ ወጥሪ ናብ ውግእ ዓሪጉ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልተኦም ዕጡቓት ጕጅለታትን ሓይልታት ክልልን ዝተላዕለ ግጭት ኣብ ክልተኡ ወገን ዶብ ናብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ብምልባዑ፡ ስድራቤታት ናብ ኬንያ ክሃድሙ ተገዲዶም።
ከተማ ሞያለ ኣብቲ ንናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ ቀንዲ መስመር መጓዓዝያ ስለ እትርከብ፡ እቲ ግጭት ኣብ ቍጠባ እቲ ዞባ ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ ኣሎ።
ጸጥታ ብምዝንባሉ ምንቅስቓስ ተገዲቡ፡ መራሕቲ መካይን ኣብኡ ክተርፉን ሓያሎ ትካላት ንግዲ ክዕጸዋን ተቐሲበን እየን። በዚ ምኽንያት ነጋዶን መራሕቲ መካይንን ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኦም ስለ ዝሰኣኑ፡ ኣብ ክልተኡ ወገን ዶብ ከቢድ ቍጠባዊ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።
ሳዕቤን ናይቲ ኣብ መንጎ ክልተኦም ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ኬንያ’ውን ተሳጊሩ እዩ።ኣብ ዶብ እቲ ከባቢ ዝርከባ ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣቐዲመን ክዕጸዋ ክግደዳ ከለዋ፡ ከቢድ ብረትን ጠያይትን ኣብ ኣባይትን ህንጻታትን ብምዕላቡ፡ ነበርቲ ካብ መረበቶም ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ።
ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ግጭት ናብ ኬንያ ሓሊፉ ብውሕዱ 6 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ካልኦት ሓያሎ ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ።
እዚ ኵነታት ኣብቶም ብሰላም ክነብሩን ኣብ ሞያለ ንግዲ ከካይዱን ዝጸንሑ ማሕበረሰባት ራዕዲ ከም ዝፈጠረ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለዉ።
ቀይሕ መስቀል ኬንያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ኣብቲ ከባቢ ረድኤት ንምቕራብ ዝተዋፈሩ ትካላት ግብረ-ሰናይ ከም ዝገለጽዎ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ልዕሊ 50,000 ሰባት ተመዛቢሎም ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ብተወሳኺ፤
