ዩኒቨርሲቲታት ትግራይ 'ዕጡቓት' ካብ ቀጽሪታተን ከውጽኣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣጠንቂቑ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ቀፅሪታተን "ካብ ዝኾነ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነፃ" ክገብራ ኣለውን ክብል ኣጠንቂቑ።

"ጕድኣት ኵናትን ዕጡቓትን" ክሳብ ዘይወፅኡ፡ ኣብተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተምሃሮ ከም ዘይምድብ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።

ሎሚ ሰኑይ ጳጉሜን 02/2018 ዓ.ም ናብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ኣኽሱምን ራያን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ እዩ ነቲ ወግዓዊ መጠንቀቕታ ሂቡ ዘሎ።

ሽሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ሓደ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣመራርሓ ዝኾነ ምንጪ፡ በቲ ሚኒስትሪ ዝተፅሓፈ ደብዳበ ሎሚ መዓልቲ ከም ዝበፅሖም ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ከቢድ ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ፡ መንግስቲ ፌደራል ነዚ መግለጺ ኣውጺኡ ዘሎ።

"ቀፅርታት እተን ዩኒቨርሲታት ካብ ዝኾነ ወተሃደራዊ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ነፃ ምግባር" ብዝብል ዝተፅሓፈ እዚ ደብዳበ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኵሓ ካምፓስ ከምኡ'ውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ምውፃእ ወርቂ ካምፓስ "ጕድኣት ኵናት ከም ዝተቐመጡ" ይጠቅስ።

"ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዓዲግራት ዋና ቀፅሪ፡ ጕድኣት ኵናት ክቕመጡ (ተረጋጊፁ)" ብምባል ይኸስስ።

እዚ ኩነታት እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ "ካብ ሲቪላዊን ትምህርታዊን ልኡኸን ወፃኢ ንወተሃደራዊ ዕላማ ይውዕላ" ብምባል ዝወቐሰ እቲ ሚኒስትሪ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር "ህይወትን ድሕነትን ተምሃሮ ንሓደጋ ዘቃልዕ" ክብል ይነቅፍ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ብፅሑፍ ሕቶ ኣቕሪቡ'ሎ።

ካብ ኣርባዕቲአን ዩኒቨርሲቲታት ብስልክን ብፅሑፍን ርኢቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ንግዚኡ ኣይሰመረን።

ሓደ ኣመራርሓ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲ ደብዳበ ከም ዝበፅሖም'ኳ እንተገለፀ፡ እዚ ጉዳይ "ተዃሳሒ" ብምዃኑ፡ ርኢቶ ካብ ምሃብ ከም ዝዕቀብ ተዛሪቡ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣካዳሚክ ጉዳያት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ዓብዱልቃድር ከድር ግን፡ እዚ ደብዳበ ከም ዘይበፅሖም ሓቢሩ።

ዩኒቨርሲቲታት "መዕረፊ ወተሃደራዊ ሓይልታት፣ መጠራቐሚ፣ መወደቢ ወይ ዝኾነ ተዛማዲ ወተሃደራዊ ተግባር መካየዲ" ክኾና ከም ዘይብለን ዝጠቐሰ ሚኒስትር ትምህርቲ፡ ኣብተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክውሰዱ ዝግበኦም ዝበሎም ሰለስተ ስጉምቲታት ዘርዚሩ'ሎ።

እቲ ቀዳማይ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ቀፅሪ"ዝርከቡ ጕድኣት ኵናት ብህፁፅ ክተውፅኣ" ብምባል፡ "ኩለን ቀፅሪታት ካብ ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ፍፁም ነፃ ምዃነን ክተረጋግፃ" ክብል ይእዝዝ።

ካብዚ ብተወሳኺ ከም ካምፓሳት፣ መንበሪ ተምሃሮ፣ ማእኸል ሕክምና፣ ህንፃ፣ መኻዚኖን ተሽከርከርትን ዝኣመሰሉ ሃፍቲታት ዩኒቨርሲቲ" ንዝኾነ ዓይነት ወተሃደራውን ተዛማዲ ተግባራትን ከይውዕሉ ፅኑዕ ቁፅፅር ንክግበር" ኣፍሊጡ።

ኣመራርሓን ቦርድን እተን ዩኒቨርሲቲታት ነዞም ትእዛዛት "ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ኣፈፃፅምኦም ብቅርበት ክከታተሉ" እውን ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ፡ ኣብ እዋን ምደባ ዩኒቨርሲቲ "ንህይወት ተምሃሮ፣ ደሕንነት፣ ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን ቀፃልነት ትምህርትን ቀዳምነት" ከም ዝህብ ይገልጽ።

እቲ ሚኒስትር ወሲኹ፡ "ቀፅሪ እተን ዩኒቨርሲቲታት ካብ ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነፃ ከም ዝኾነ ብግቡእ እንተዘይ ተረጋጊፁ፡ ናብተን ዩኒቨርሲታት ተምሃሮ ከም ዘይንምድብ ክነፍልጥ ንደሊ" ብምባል፡ ብዛዕባ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣሚቱ።

ኣብ ቀፅሪ እተን ዩኒቨርሲቲታት ይርከቡ ዝበሎም "ጕድኣት ኵናትን ዕጡቓትን" ክለዓሉ (ክወፅኡ) ከም ዘለዎም ብምጥላብ፡ "እዚ ውሳነ፡ "ደሕንነት ተምሃሮን ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከም ዝተማልአ ክሳብ ዝረጋገፅ ተፈፃሚ ይኸውን" ዝበለ እቲ ሚኒስትር ትምህርቲ፡ "ካብ ልኡኽ እቲ ዩኒቨርሲቲ ወፃኢ" ዝግበሩ ምንቅስቓሳት "ሪፖርት ዘይምግባር ልዑል ተሓታትነት" ከም ዘስዕብ ኣጠንቒቑ።

ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን'ዩ፡ ሚኒስትር ትምህርቲ ነዚ መጠንቀቕታ ሂቡ ዘሎ።

መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ዝምልከት ኣብ ምስሕሓብ ኣትዮም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ቤት-ፅሕፈት ፌደራል ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ፈተና ዝምልከት "ነኒ ባዕሎም ዝፃብኡ፣ ግልፅነት ዝጐደሎም፣ ብግዘ ዝቀያየሩ" ውሳነታት ከም ዘሕለፈ ብምግላፅ ከሲሱ ነይሩ።

ናይ ባዕሉ ፈተና ብምድላው ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ከም ዝፍትን ብምግላፁ'ውን ተምሃሮ ኣብ ሻቕሎት ኣትዮም ነይሮም።

ይኹን'ምበር ድሒሩ እቶም ተምሃሮ 12 ክፍሊ፡ ሚኒስትር ትምህርቲ ብመሰረት ዘቐመጦ ግዘ ፈተና ኣብ ዩኒቨርሲታት መቐለን ዓዲግራት ተፈቲኖም።

ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጓዓዙ ተምሃሮ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፈተናኦም ከም ዝወሰዱ፡ ሚኒስትር ትምህርቲ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓትን ፌደራላዊ መንግስቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምፍራስ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቲ ኲነታት ዳግማይ ናብ ደማዊ ግጭት ከይምለስ ብወገን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ጻዕርታት ክካየድ ጸኒሑ።