ኤርትራ፡ 'ግዓት' ኣብ ዝርዝር ባህላዊ ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ትዳሎ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኤርትራ፡ ነቲ ብወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርስታታ ንምዕቃብን ኣብ ዓለምለኻዊ መዝገብ ንምስፋርን ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕማ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ መርበብ ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ምድላው "ግዓት" ካብ ተራ መግቢ ንላዕሊ፡ ምልክት ሕብረትን ስኒትን ትሽዓተ ብሄራት ሃገር እዩ።

ኣባላት ስድራቤት ኣብ ዙርያ እቲ ግዓት ተኣኪቦም፡ ወለዶታት ዝሰገሩ ኣገባብ ኣገዓዕታን ዛንታታትን ዝለዋወጥሉ እዚ ባህላዊ ፍጻመ፡ ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ጽኑዕ ማሕበራዊ ጥምረት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብ ግዜ ሕርሲ ሓራስ ሓይላ ንኽትመልስ ከም ቀዳማይ መግቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ መርዓን ሃይማኖታዊ በዓላትን ዘለዎ ቦታ ወሳኒ እዩ።

እቲ ኣብ ማእከል እቲ ተሓሚሱ ዝተጋዕተ ሓርጭ ዝጐድጐደ ብጠስሚ (ወይ'ውን እንጣጢዕ) ዝመልእ ኰይኑ፡ ከም ሕብረተሰባዊ መተኣሳሳሪ ሓቢርካ ይብላዕ።

ነዚ መንነትን ሕብረትን ዘጠናኽር ባህላዊ ልምድታት ንምዕቃብ፡ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ብምትሕብባር ካብ 6 ክሳዕ 7 ሓምለ 2026 ኣብ ኣስመራ ዓውደ-መጽናዕቲ ኣዳልዩ።

ኣብዚ መደብ'ዚ፡ 45 ሰብ-ሞያ ሓድግታት፡ ተመራመርትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ተሳቲፎም።

እቲ ስልጠና፡ ነቲ ዩኔስኮ ኣብ 2003 ዘውጽኦ "ውዕል ዕቀባ ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርሲ" ንምትግባር ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብመንግስቲ ጃፓን ብዝተረኸበ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዝተዳለወ እዩ።

እቶም ካብ ኵለን ዞባታት እታ ሃገር ተወኪሎም ዝመጽኡ ሰባት፡ ነቲ ውዕል 2003 ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ናይ መጀመርታ ግብራዊ ተመኵሮ ቀሲሞም።

ግዓት ከም መጽናዕታዊ ኣብነት

ተሳተፍቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ፍቱው ዝዀነ መግቢ "ግዓት" ከም ኣብነታዊ መጽናዕቲ ብምውሳድ፡ ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዘሎ ልምድታትን ክእለትን ብኸመይ ከም ዝስነድ ከም ዝተማሃሩ እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ሓደ ባህላዊ ቅርሲ ኣብ ዓለምለኻዊ ዝርዝር ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዘድሊ ሰነዳት ብኸመይ ከም ዝዳሎን ኣብቲ መስርሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዘለዎ ወሳኒ ግደን ብዝርዝር ተመልኪቶም።

ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ "እቲ ቅጥዒ ምምዝጋብ ብኸመይ ከም ዝምላእ ዝተዋህበ ስልጠና ኣዝዩ ጠቓሚ ነይሩ። ብጕጅለ ኴንና ምስራሕና ድማ ነቲ ብልምዲ እንፈልጦ ዝነበርና ናብ ግብራዊ ስራሕ ክንትርጕሞ ሓጊዙና፡" ክብል ንመርበብ ሓበሬታ ዩኔስኮ ገሊጹ።

ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ዝተመዝገቡ ቅርሳትን

ኤርትራ፡ ነቲ ብኣካል ዝድህሰስን ዘይድህሰስን ቅርሳታ ንምዕቃብ ኣብ እትገብሮ ዘላ ጕዕዞ፡ ኣብ ሓምለ 2017 ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝርዝር ዓለምለኻዊ ቅርሲ ዩኔስኮ ክትምዝግብ ምኽኣላ ዝዝከር እዩ።

"ኣስመራ፡ ሞደርኒስት ኣፍሪቃዊት ከተማ" ብዝብል ስያመ ዝተመዝገበት እዛ ከተማ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጣ ዝርከብ ብሉጽ ስነ-ህንጻዊ ቅዲ እያ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ረኺባ።

እቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝተመዝገበ ዝዓበየ ቅርሲ፡ ኣብ ህንጻታትን ትልሚ ከተማን ዘተኰረ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ግን ናብቲ "ዘይጭበጥ ባህላዊ ቅርሲ" ዘድሃበ እዩ።

እዚ ድማ ከም ግዓት ዝኣመሰሉ መግቢታት፡ ሙዚቃ፡ ጽውጽዋያትን ካልኦት ማሕበራዊ ክብርታትን ንምዕቃብ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኤርትራ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዓቕማ ንምዕባይ እትወስዶ ዘላ ስጕምቲ ወሳኒ ምዕራፍ እዩ።

ኮምሽነር ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኣቶ ዘመደ ተኽለ ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን፡ እቲ ብህይወት ዘሎ ባህላዊ ቅርሲ ኣብ ታሪኽን ናጽነትን ህንጸት ሃገርን ኤርትራ ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ።

ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኤርትራ ሂዴኣኪ ማትሱኦ ብወገኑ፡ ኤርትራ ዘለዋ ሃብታም ባህሊ ብምምጓስ፡ ጃፓን ምስ ዩኔስኮ ብምትሕብባር ነዚ ቅርሲ እዚ ንምዕቃብን ንመጻኢ ወለዶታት ንምስጋርን እተበርክቶ ደገፍ ከም እትቕጽል ኣረጋጊጹ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ክፍሊ ናይቲ ዩኔስኮ ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይዶ ዘሎ ዞባዊ ዕማማት ኰይኑ፡ ነቲ ዝተቐሰመ ፍልጠት ናብ ስራሕ ንምቕያርን፡ ን"ግዓት" ኣብ ዓለምለኻዊ ዝርዝር ንምምዝጋብ ዘድሊ ሰነዳት ንምድላውን ብዝተገብረ ስምምዕ ተዛዚሙ።

ግዓት፡ ክንዮው ኤርትራን ዞባዊ ምትእስሳሩን

ግዓት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ገለ ክፋላት ዓረብን ብዝተፈላለዩ ኣስማት ዝፍለጥ ሓባራዊ ባህሊ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ "ገንፎ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ልምዲ ኣብ ግዜ ሕርሲ ከም ቀንዲ መግቢ የገልግል።

ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ድማ "ዓሲዳ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መሸላ ይዳሎ። የመናውያን'ውን "ዓሲድ" ብዝብል ስም ምስ መረቕ ስጋ ኣወሃሂዶም ይበልዑዎ።

እዚ ዞባዊ ምዝውታር'ዚ፡ እቲ ኤርትራ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ነቲ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዘሎ ታሪኻውን ባህላውን ምትእስሳር ዘንጸባርቕ ህያው ምስክር እዩ።