ተቓወምቲ ጕጅለታት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኪዳን ኣቚሞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን ንዅሉ-ዝሓቍፍ "መሰጋገሪ ምምሕዳር" ንምቛምን ጻዕርታት ንምውህሃድ ዝዓለመ ሓድሽ ኪዳን ምቛሙ፡ ሸውዓተ ፖለቲካዊን ዕጡቓትን ጕጅለታት ኢትዮጵያ ዝሓቍፍ ጥምረት ኣፍሊጡ።
እዚ ኣዋጅ'ዚ፡ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ተለቪዥን ትግራይን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ኣብ ዝተመሓላለፈ ፈነወ ብቀንዲ መራሒ ፋኖ- ኣምሓራ፡ ዘመነ ካሴ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ።
ብስም እቲ ሓድሽ ዝቘመ 'ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና' ወይ 'ምሕዝነት ንህልውና' ብዝተባህለ ጥምረት ዝቐረበ መግለጺ እዩ።
እቲ ጥምረት ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ንዓመታት ዝጸንሐ ግጭት፡ ፖለቲካዊ ዓፈና፡ ቍጠባዊ ውድቀትን ጅምላዊ ምምዝባልን ከም ዘስዓበ ከሲሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ'ዚ መግለጺ እቲ ኪዳን ዝሃቦ ምላሽ የሎን።
እንተዀነ ነቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ክግበር ዝጸንሐ ኪዳናት ናይ ገለ ካብዞም ኣብቲ ጥምረት ዝተጠቕሱ ሓይልታት ከም ንኢትዮጵያ ንምድኻም ዝተኣልመ ውዲት እዩ ክብል ክገልጾ ጸኒሑ እዩ።
ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ብተደጋጋሚ "ታሪኻውያን ጸላእቲ" ብምባል ናብ ኤርትራን ግብጺን ዝቐንዐ ክሲታት ክቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ሓድሽ ዝቘመ ኪዳን፡ እታ ሃገር ኣብ ጸጥታ፡ ምሕደራን መነባብሮን ውድቀት ኣጋጢሙዋ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ንኽፍጠር እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣስዒቡ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ዕጥቃዊ ግጭታት ኣብ ምፍታሕ፡ ፖለቲካዊ ናጽነት ኣብ ምውሓስ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ምኽባር ወይ ቍጠባዊ ብድሆታት እታ ሃገር ኣብ ምፍታሕ ፈሺሉ ክብል ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ምምሕዳር ንቕልውላዋት ኢትዮጵያ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ዓቕሚን ድሌትን ከም ዘይብሉ ደምዲሙ።
ዝተጠቕሰ ዕላማታት

ምንጪ ስእሊ, SM
ቀንዲ ዕላማ እቲ ኪዳን ነቲ ሰልፊ ብልጽግና ዝኽተሎ "ምልካዊ ስርዓት" ኢሉ ዝገለጾ ምሕደራ ሓባራዊ ቃልሲ ብምውህሃድ፡ ብናይ መሰጋገሪ ቻርተር ዝምራሕን ኵሉ-ዝሓቍፍን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም መንገዲ ምጽራግ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣመከኪቱ።
እቲ ኪዳን፡ መሰጋገሪ ምምሕዳር ነዞም ዝስዕቡ ቀዳምነት ክህቦም እዩ ክብል ድማ ገሊጹ፤
- ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ደው ምባል፣ ሰላምን ጸጥታን ዳግማይ ምርግጋጽ
- ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ምሕላው፣ ቍጠባ ምርግጋእን ማሕበራዊ ቕልውላዋት ምፍታሕን
- ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝምድናታት ምምሕያሽ፣ ዞባዊን ኣህጉራዊን ተራ ኢትዮጵያ ዳግማይ ምህናጽ፡ ዝብል እዩ።
እቲ ኪዳን፡ ዜጋታት ኣብተን ነታ ሃገር ዘጋጥማ ዘለዋ ዓበይቲ ፖለቲካዊን ቅዋማዊን ሕቶታት ምፍታሕ ብቐጥታ ክሳተፉ ዘኽእሎም ናይ ሓቂን ኵሉ-ዝሓቍፍን ሃገራዊን ቅዋማዊን ዘተ ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣባላት ኪዳን
እቲ ኪዳን ንህልውና፡ ሸውዓተ ውድባት ዝሓቍፍ ኰይኑ ኣባላቱ፤
- ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖ
- ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ
- ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
- ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን
- ሃገራዊ ግንባር ሓድነት ሓርነት ዓፋር (ኡጉጉሞ)
- ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉል
- ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ጉሙዝ
እዘን ጕጅለታት፡ እዚ ኪዳን ውጽኢት ነዊሕ ዘተ ምዃኑን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሳ ሓይልታት ኣብ ምትሕብባር ጕሉሕ ስጕምቲ ከምዝውክልን ገሊጸን።
ዝቐረበ ጻውዒት
እቲ ጥምረት፡ ዕላማታቱ ዝድግፉ ኢትዮጵያውያን፡ ትካላት ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ፖለቲካዊ ጕጅለታትን ኣብ ጻዕሪታት እቲ ኪዳን ክጽንበሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ፡ ኣባላት ትካላት ወተሃደራዊን ጸጥታን ኢትዮጵያ፡ ነቲ "ንህዝቢን ሃገርን ንምድሓን" ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክብል ንዝገለጾ ጻዕሪ ክድግፉ ተማሕጺኑ።
ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝሰፍሐ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከኣ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ብዝበኣሰ ይንጸል ብምህላዉ፡ ግዳማውያን ኣካላት ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ደገፎም ክህቡ ጸዊዑ።
እዚ ኣዋጅ እዚ፡ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝመጹ ዕጡቓትን ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ምንቅስቓሳትን ኣብ ትሕቲ ሓደ መድረኽ ንምጥርናፍ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተገብረ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ፈተነታት ኰይኑ፡ ነቲ ድሮ ተሓላሊኹ ዘሎ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ሃዋህው እታ ሃገር ክቕይሮ ዝብል ተበግሶ ዝወሰደ እዩ።
ምምሕዳር ኣብይ እንታይ ይብል?
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን (OLA) ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖን (AFNM) ረብሓታት ግዳማውያን ሓይልታት የገልግሉ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ወደብ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ንምድኻም፡ ንኪዳን ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ክብል ወቒሱ።
እንተዀነ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ሱዳን'ውን ትርከቦ እያ ዝበሎ ምሕዝነት፡ ዘምጽኦ ጽልዋ ኣነኣኢሱ እዩ ገሊጽዎ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንኲናት ይዳሎ ኣሎ ዝብል ክሲ ከቕርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ህወሓት ብወገኑ እቲ መንግስቲ ምድላዋት ኲናት ይገብርን ሰራዊቱ ናብቲ ክልል የንቀሳቕስን ኣሎ ክብል ይኸስስ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብቲ ብ 7 ሓምለ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፡ ንህወሓት፡ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጺን ኣልዒሉ ብምንቃፍ፡ "ኣይኰነን ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ'ውን ትዅን ስግኣት የብሉን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ሱዳን ኣቐዲማ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ከም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ብምባል ዘቕረበቶ ክሲ ነጺጋቶ እያ።
ኤርትራ ነቲ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቓትን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ሓይልታት ንዘለዋ ምሕዝነት ኣመልኪቱ ንዝቐርበላ ክሲታት፡ ኲናት ንብምውላዕ ከም መመኽነይታ ዝቐርብ ጸለመ ምዃኑ ብምግላጽ ትነጽጐ።
ብደረጃ ውሽጢ ሃገር ግን፡ እቶም ብሰንኪ ውሽጣዊ ምፍንጫል ካብቲ ውድብ ዝወጹ ኣዘዝቲ ህወሓት ዝነበሩ ዝመስረቱዎ ሓይልታት ሰላም ትግራይ (TPF)፡ ኣብ ሰነ ኣንጻር ህወሓት ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ምትሕብባር ከም ዝጀመሩ ኣፍሊጦም።
እዚ ምምስራቱ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ግንባር ትግራይ ዝነበረ ምፍንጫል ዘዕመቘ ሓይልታት ሰላም ትግራይ (TPF)፡ ምስ ትግራይ ኣብ እትዳወብ ክልል ዓፋር እዩ ዝንቀሳቐስ።
መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ምስዚ ጕጅለ እዚ ይሰርሕ ምህላዉ ብወግዒ እኳ እንተ ዘየረጋገጸ፣ መራሕቱ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ኣኼባታት ይሳተፉ እዮም።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
