ንዩክለሳዊ ጸዓት ስዑድያን 'ስምምዕ ኣብርሃምን'፡ ትራምፕ ዘቕረቦ ተሪር ቅድመ-ዅነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ንዩክለሳዊ ጸዓት ናይ ምምዕባል ስምምዕ ንምትግባር፡ ንመንግስቲ እስራኤል ኣፍልጦ ክትህብን ኣብቲ 'ስምምዕ ኣብርሃም' ክትጽንበርን ከም ዘለዋ ገሊጹ።
እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ነቲ ንግስነት ንስቪላዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ንዩክለሳዊ ጸዓት ንምምዕባል ዝሕግዝ ኰይኑ፡ ትራምፕ ግን ውጽኢታዊነቱ ምስቲ ስዑዲ ምስ እስራኤል እተካይዶ ስምምዕ ሰላም ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣነጺሩ ኣሎ።
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "እቲ ስቪላዊ ንዩክለሳዊ ስምምዕ… ንወተሃደራዊ ዘይኰነ ኣገልግሎት ጥራይ ዝውዕል ኰይኑ… ክጸድቕ እዩ፤ እንተዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣዝዩ ዝተኸብረን ዕውትን ስምምዕ ኣብርሃም ክትጽንበር ከም ቅድመ-ዅነት ተቐሚጡሉ ኣሎ፡" ኢሉ።
እዚ ብትራምፕ ዝተጠቕሰ ቅድመ-ዅነት ኣብቲ ዛጊት ወግዓዊ ዘይኰነ ጽሑፍ ናይቲ ስምምዕ ሰፊሩ ምህላዉን ዘይምህላዉን፡ ወይ ድማ ስዑዲ ዓረብ ነዚ ቅድመ-ዅነት እዚ ተቐቢላቶ ምዃና ዝተፈልጠ ነገር የሎን። መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ'ውን ክሳዕ ሕጂ ነዚ መግለጺ ትራምፕ ምላሽ ኣይሃበሉን።
"እንተ ዘይተጸንቢሮም፡ እቲ ስምምዕ ውዱቕ እዩ"
ወሃቢት-ቃል ዋይት ሃውስ ካሮላይን ሊቪት ብሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ቅድመ-ዅነት እዚ ንመራሕቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከም ዝሓበሮም ገሊጻ።
"ኣብ ስምምዕ ኣብርሃም እንተ ዘይተጸንቢሮም፡ እቲ ስምምዕ ውዱቕ ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ፡" ዝበለት ሊቪት፡ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝግበር ዘተ ክቕጽል ምዃኑ ኣመልኪታ።
እዚ መግለጺ ትራምፕ ዝመጽእ ዘሎ፡ ገለ ክኢላታት እቲ ብረቡዕ ዝተኣወጀ ስምምዕ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ኣብቲ ድሮ ህውከት ዝሰፈኖ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ፡ ስግኣት ምስፍሕፋሕ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከየስዕብ ካብ ዘስምዕዎ ዘለዉ ነቐፌታ ስዒቡ እዩ። ገለ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካንን ደሞክራትን እውን ተመሳሳሊ ስግኣት ገሊጾም እዮም።
ብመሰረት ምኒስትሪ ጸዓት ኣመሪካ፡ እቲ ስምምዕ "ሰላማዊ ንዩክለሳዊ ምትሕብባር"ን "ክልተኣዊ ስምምዕ ውሕስነትን" ዘጠቓለለ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሕን ቢልዮናት ዶላራት ዝስልዖን ስትራተጅያዊ ቍጠባዊ ምትሕብባር ሕጋዊ መሰረት የንጽፍ።
ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ገሊጹ፡ ነቲ ኣገባብ ምቍጽጻር ንምትግባር ምስ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ምላሽ እስራኤልን
ኣብ ቀዳማይ እዋን ስልጣን ዶናልድ ትራምፕ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ስምምዕ ኣብርሃም ብምፍራም ምስ እስራኤል ዝነበረን ዝምድና ናብ ንቡር ምምላሰን ይዝከር።
ሱዳንን ሞሮኮን'ውን ድሒረን ኣብቲ ስምምዕ ተጸንቢረን እየን።
ስዑዲ ዓረብ ቅድሚ ሕጂ፡ ናጽነት ሃገረ ፍልስጤም ከይተረጋገጸ ምስ እስራኤል ዝምድና ከም ዘይትምስርት ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
ዋይት ሃውስ ግና ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ስምምዕ እንተ ዘይተጸንቢራ እቲ ንዩክለሳዊ ስምምዕ ውዱቕ ከም ዝኸውን የጠንቅቕ ኣሎ።
እስራኤል ንመግለጺ ትራምፕ ብሓጐስ ተቐቢላቶ ኣላ፤ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ስምምዕ ምጽንባራ፡ "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝመጽእ ሰላም ዓቢ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ፡" ኢሉ።
ምኒስተር ቍጠባ እስራኤል ኒር ባርካት ብወገኑ፡ ስዑዲ ዓረብ ንሰላማዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ንዩክለሳዊ ሓይሊ ክትውንን እስራኤል ክትጻወሮ ከም እትኽእል ገሊጹ።
ይዅን'ምበር፡ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ኣቪግዶር ሊበርማን፡ "ኵሉ ወተሃደራዊ ንዩክለሳዊ መደብ ካብ ስቪላዊ መደብ እዩ ዝጅምር፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ 2018 ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ሃገሩ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ምውናን መደብ ከም ዘይብላ፣ እንተዀነ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር እንተ ዓጢቓ ስዑዲ ዓረብ እውን ብቕጽበት ክትስዕብ ምዃና ገሊጹ ነይሩ እዩ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
