ኢቦላ፡ ኣስጋእነቱ ካብ 'ልዑል' ናብ 'ኣዝዩ ልዑል' ተሰጋጊሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብዚ እዋን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝረአ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ዘስዕቦ ሓደጋ ህዝባዊ ጥዕና፡ ካብ "ልዑል" ናብ "ኣዝዩ ልዑል" ክብ ከም ዝበለ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣስጋእነቱ ገሊጹ።
ዳይሬክተር ናይቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ዘሎ ሓደጋ "ልዑል" እኳ እንተኾነ፡ ብዓለም ደረጃ ግን ዛጊት "ትሑት" ምዃኑ።
እቲ ብቡንዲቡግዮ ዝፍለጥ ፍሉይ ዓይነት ኢቦላ፡ ዝተረጋገጸ ክታበት ዘይብሉ ኰይኑ፡ ንሓደ ካብ ሰለስተ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ይቐትል። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ፡ 177 ዝኸውን ሞት፡ ኣስታት 750 ድማ መልከፍቲ ሰባት ከም ዘሎ ይጥርጠር።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዋርሕ ንክሊኒካዊ ፈተነ ድሉው ክኸውን ዝኽእል ሓድሽ ክታበት ኣብ ምምዕባል ኣብ ዘለዉሉ እዩ።
ብተመሳሳሊ ንክታበት ኣስትራዘነካ ኮቪድ ዘማዕበሉሉ ቴክኖሎጂ መሰረት ብምግባር ውጽኢታዊነቱ ንምርግጋጽ ውሕስነት ስለዘየለ፡ ምርመር ኣብ እንስሳታትን ፈተነ ኣብ ሰባትን ዝሓትት ምዃኑን ይፍለጥ።
ቢቢሲ ኣብ ኦክስፎርድ ድሮ መርመራ እንስሳታት ይካየድ ከምዘሎ ሓበሬታ ረኺቡ'ሎ።
ኢንስቲትዩት ሴረም ህንዲ፡ ኦክስፎርድ ሕክምናዊ ደረጃ ዘለዎ መድሃኒት መሰረጋገጸ፡ ክታበት ኢቦላ ብጅምላ ንምፍራይ ተሰሪዑ'ሎ።
ካልእ ፍሉይ ክታበት ቡንዲቡግዮ እውን ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ኰይኑ፡ ዘድሊ መጠን - ዶዝ -ንፈተነ ድሉው ንምግባር ግን ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል ይግመት።
ኣማኻሪ ምርምርን ምዕባለን ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቫሲ ሙርቲ፡ ነቲ ዝዳሎ ዘሎ ክታበት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን "እቲ ዝያዳ ተስፋ ዘለዎ" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ዶ/ር ሳቪ፡ እዚ ክታበት ማዕረ እቲ ድሮ ነቶም ፍሉጣት 'ዛየር' ተባሂሎም ዝተለለዩ ዓይነታት ኢቦላ ዘገልግል ክታበት 'ኤርቨቦ' ክኸውን ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ጀነቫ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ንደረጃታት ስግኣት ከረድእ እንከሎ፡ "ገምጋምና ንሓደጋ፡ ብደረጃ ሃገር ኣዝዩ ልዑል፡ ብደረጃ ዞባ ልዑል፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ናብ ትሑት ደረጃ" ምዃኑ ኣነጺሩ።
ቴድሮስ ወሲኹ፡ ኣብታ ክልተ ሰባት ብዓይነት ቡንዲቡግዮ ምልካፉን ሓደ ምማቱን ዝተረጋገጸላ ጐረቤት ሃገር ኡጋንዳ፡ "ርጉእ" ከም ዘሎን፡ ክልቲኦም መልከፍቲ ካብ ጎረቤት ሃገር ኮንጎ ዝተጓዕዙ ሰባት ከም ዝዀኑን ወሲኹ ገሊጹ።
ኢቦላ ሳሕቲ ዝረአ ግን ከኣ ብቫይረስ ዝመጽእ ቀታሊ ሕማም እዩ። እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ዓይነት "ቡንዲቡግዮ" ካብ ካልኦት ዓይነታት ኢቦላ ዝወሓደ ቀታሊ'ኳ እንተኾነ፡ ሳሕቲ ዝቕልቀል ምዃኑ ድማ ንምምካቱ ዝሕግዙ መሳርሒታት ውሑድ ስለዝከውን ወይ ድሉው ስለዘይጸንሕ ሓደጋኡ ዓቢይ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምገም።
ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንበት ህጹጽ ኵነታት ዓለምለኻዊ ስክፍታ ጥዕና ህዝቢ ኣዊጁ'ኳ እንተነበረ፡ ብደረጃ ለበዳ ከምዘይኰነ ገሊጹ።



![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


