ትራምፕን ኣማኸርቱን ናብ ኣኼባ ድሕሪ ምእታዎም እንታይ ተባሂሉ?

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ላዕለዎት ኣማኸርቱ ብዓርቢ ኣኼባ ኣካይዱ።

እዚ ኣኼባ'ዚ ምስ ኢራን ዝተገብረ ምቍራጽ ተዅሲ ንምንዋሕ ዘኽእል ማዕቀፍ 'ናይ መወዳእታ ውሳነ' ንምሕላፍ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ዝስዕቡ ስጕምትታት ግን ግልጺ ከይኰነ እዩ ተዛዚሙ።

ትራምፕ፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ወይ ቦምብ ፈጺማ ከም ዘይህሉዋ ክትሰማማዕ ኣለዋ፤ ከምኡ'ውን መጻብቦ ሆርሙዝ ንዅሉ "ዘይተገደበ ምንቅስቓስ መራኽብ፡ ብኽልተኡ ኣንፈት" ክፉት ክኸውንን ኣብቲ መስመር ማይ ዘለዉ ነተጕቲ "ክእለዩ" ከም ዘለዎምን ገሊጹ።

እቲ ኣኼባ ዓበይቲ ቅልውላዋት ንምፍታሕ ኣብ ዘገልግል ክፍሊ ህጹጽ ኵነታት ዋይት ሃውስ (Situation Room) እዩ ተኻይዱ።

ኢራን ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ምሉእ ብምሉእ ንሰላማዊ ዕላማታት ጥራይ ከም እተውዕሎ ደጋጊማ ዝገለጸቶ ናይ ንዩክለር መደባታ ክትዘራረብ ከም ዘይትደሊ ገሊጻ እያ።

ክልተአን ሃገራት ብሓሙስ ኣብ ሓደ ስምምዕ ማዕቀፍ — ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ምርድዳእ ሰነድ — ተሰማሚዐን ነይረን፤ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልተአን ሃገራት ክታሞም ከዕርፍሉ ጥራሕ ድማ ይጽበ ነይሩ።

እቲ ስምምዕ ንምቍራጽ ተዅሲ ን60 መዓልታት ከም ዘናውሖን ብዛዕባ መጻኢ ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ዝርርብ ከም ዝጅምርን ተገሊጹ።

ሓደ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ንሲቢኤስ ኔውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ንኣመሪካ ጥራይ ዝጠቅምን ንናቱ ቀያሕቲ መስመራት ዘማልእን ስምምዕ ጥራይ እዩ ዝገብር። ኢራን ፈጺማ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትውንን ኣይትኽእልን፡" ኢሉ።

ካብቲ ምቍራጽ ተዅሲ ብ8 ምያዝያ ኣብ ግብሪ ዝወዓለሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ትራምፕ ክልተአን ሃገራት ናብ ስምምዕ ይቐርባ ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ፤ እንተዀነ ክሳዕ ሕጂ ዝዀነ ይዅን ጭቡጥ ውጽኢት የሎን።

ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝገበረቶ ናይ ባሕሪ ዕጽዋ ንምልዓል ድሉው ከም ዝዀነ ገሊጹ፤ እዚ ድማ ኣብቲ መስመር ማይ ተዓጊተን ንዘለዋ መራኽብ "መስርሕ ጕዕዞ ክጅምራ፡" ዘፍቅድ እዩ።

ኢራን ዘማዕበለቶ ዩራንየም ከተውጽኦን ከተጥፍኦን ንኣመሪካ ክትፈቕደላ ከም ዘለዋ'ውን ኣስሚርሉ እዩ።

"ተወሳኺ መግለጺ ክሳዕ ዝወጽእ፡ ዝዀነ ይዅን ናይ ገንዘብ ምልውዋጥ ኣይክህሉን እዩ፡" ኢሉ። "ካልኦት ኣዝዮም ትሑት ኣገዳስነት ዘለዎም ነጥብታት ግና ኣብ ስምምዕ ተበጺሑሎም እዩ።"

ድሒሩ፡ ሓደ ናይ ዋይት ሃውስ ብዓል-ስልጣን እቲ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ኵነታት ዝተገብረ ኣኼባ ከም ዝተዛዘመ ኣረጋጊጹ። እቲ ብዓል-ስልጣን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣገልግሎት ዜና ኢራን ፋርስ ንፍሉጣት ምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዝገለጾ፡ ናይ ትራምፕ ርእይቶታት "ሓቅን ሓሶትን ዝተሓወሶ" እዩ።

ኣብቲ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ንዩክለሳዊ ነገራት ንምጥፋእ ዝብል ዓንቀጽ ከም ዘየሎ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ፡ ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባቃኢ ንሃገራዊት ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ትዅረትና ነቲ ኵናት ኣብ ምብቃዕ እዩ፤ ኣብ ጉዳይ ንዩክለር ዝግበር ዘተ የሎን፡" ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ኢራን ዝማዕበለ ዩራንየም ካብ ምፍራይ ክትግታእ፡ ነቲ ዘለዋ ከተወግዶን ከተቋርጾን ጻውዒት ከተቕርብ ጸኒሓ እያ።

ኢራን ንዩክለሳዊ መደባታ ምሉእ ብምሉእ ሰላማዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ትጽዕር ከም ዘየላ ድማ ትምጕት።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕትታት ክትጅምር ከም እትኽእል ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ገሊጹ እዩ። እኹልን ብቑዕን ኣጽዋር ከም ዘለዎም ድሕሪ ምሕባር፡ "ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኵነታት ኢና ዘለና፡" ኢሉ።

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ዝፈጸማ ብ28 ለካቲት እዩ። ኢራን ብወገና ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ወሽመጥ ዘለዋ ናይ ኣመሪካ መሻርኽቲ ሃገራትን መጥቃዕቲ ብምፍጻም መልሲ ሂባትሉ፤ ነቲ መተሓላለፊ ባሕሪ ድማ ብኣድማዒ መንገዲ ለኲታቶ።

ከም ሳዕቤኑ፡ ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ገይሩ፤ ኣስታት 20% ቀረብ ጸዓት ዓለም በዚ መስመር'ዚ እዩ ዝሓልፍ።

ካርታ መጻብቦ ሆርሙዝ

ምክትል ፕረደንት ጄዲ ቫንስ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ተዛተይቲ ኣብ ገለ ናይ ቋንቋ ነጥብታት "ናብዝን ናብትን ይብሉ" ከም ዘለዉ ገሊጹ፤ እዚ ድማ ንሕቶ "ምምዕባል ዩራንየም" ዘጠቓልል እዩ።

"ገና ኣብኡ ኣይበጻሕናን፡ ግናኸ ኣዚና ቀሪብና ኢና ዘለና፤ ስትራተጅያዊ ስራሕና ድማ ክንቅጽለሉ ኢና፡" ኢሉ።

ንኢራን ወኪሉ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ዘሎ መሓመድ ባቐር ቃሊባፍ ብዓርቢ ከም ዝገለጾ፡ "ኣብ ውሕስነታት ወይ ቃላት ዝዀነ ይዅን እምነት የሎን፡" ብምባል፡ እምነት ኣብ ተግባር ጥራይ ከም ዝርከብ ሓቢሩ።

"እቲ ካልኣይ ወገን ስጕምቲ ከይወሰደ ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ኣይውሰድን እዩ፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ።

ክልተአን ሃገራት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንሓድሕደን ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝጠሓሳ ክካሰሳ ጸኒሐን እየን።

እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብሓሙስ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ኵዌት ንዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ዒላማ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

እዚ መዓስከር'ዚ ነቲ ኣብ ጥቓ መተሓላለፊ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ ስትራተጅያዊ ናይ ኢራን ወደብ ከተማ በንደር ዓባስ ዝተገብረ መጥቃዕቲታት "ምንጪ" ዝነበረ እዩ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኵዌት ዝተገብረ መጥቃዕቲ "ዓቢ ምግሃስ ምቍራጽ ተዅሲ፡" ክብል ገሊጹዎ።