እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግምታት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ፡ ማን ዩናይትድ ናብ ዓወት ትምለስ'ዶ ትኸውን?
ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 2026/27 ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሎ።
ኣብ ፈላማይ ጸወታኣ ኣንጻር ኮቨንትሪ ዝገጠመት ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ዝተዓወተቶ ሻምዮንነት ንምዕቃብ ብሉጽ ምጅማር ኣርእያ'ያ።
ጋነርስ ኣብዚ ሰሙን ናብ ቪላ ፓርክ ተጓዒዛ ምስ ኣስቶን ቪላ ክትገጥም እያ።
ብርክት ዝበሉ ወሰንቲ ተጻወትቲ ዝሰኣነት ቪላ ብወገና ኣብ መኽፈቲ ሰሙን ብብራይተን 4ን0 ብዝዀነ ውጽኢት ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዋ'ዩ።
ኣብ ካልኣይ ሰሙን ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኣመልኪቱ፡ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱተን ዝሃቦም ትንበያታት ይስዕቡ።
ቀዳም
ሊቨርፑል ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት
ፎረስት ኣብ ዕዳጋ ዝውውር ብዙሕ ተሳትፎ ኣይገበረትን። ንሊያም ደላፕ ግን ኣፈሪማ ኣላ።
ንመስመር ምጥቃዕ ደላፕ ድዩ ወይስ ክሪስ ዉድ ክመርሖ ሓደ ትጽቢት ዝግበረሉ መዳይ እዩ።
ሊቨርፑል ኣብ ፈላማይ ጸወታኣ ምስ ኒውካስል ማዕረ እያ ተፈላልያ።
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንባዕሉን ነታ ክለብን ክብል ናብ ዝነበሮ ቅዲን ብቕዓትን ክምለስ ትጽቢት ይግበር።
ግምት፡ ሊቨርፑል 2 – 1 ኖቲንግሃም ፎረስት
በርንማውዝ ኣንጻር ኤቨርተን
በርንማውዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ሲቲ ብኣጋኡ ሸቶ ከተመዝግብ ክኢላ ነይራ።
ኤቨርተን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ጸወታታት ንፓላስን ፕረስተን ኖርዝ ኤንድን (ኣብ ዋንጫ ኢኤፍኤል) ክትረትዕ ክኢላ እያ።
ኣብዚ ግጥም ናብ ኤቨርትን እናዘንበልኩ'ን፡ ክልቲአን ክለባት ማዕረ ክፈላለየ እየን ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት፡ በርንማውዝ 1 – 1 ኤቨርተን
ኮቨንተሪ ሲቲ ኣንጻር ሃል ሲቲ
ኮቨንትሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣርሰናል ዘጋጠማ ስዕረት ድኽመታ ዘንጸባርቕ ኣይኰነን።
እዚ ጸወታ እታ ክለብ ውጽኢት ንምርካብ ዓቢይ ዕድል ክዀነላ እዩ።
ብኣንጻሩ ሃል ኣብዚ ጸወታ ክትዕወትን ተኸታታሊ ዓወት ከተመዝግብ ናብ ሜዳ ክትኣቱ እያ።
ግምት፡ ኮቨንተሪ ሲቲ 2 – 0 ሃል ሲቲ
ቶተንሃም ኣንጻር ኒውካስል
ቶተንሃም ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ጽቡቕ ብቕዓት ክተርኢ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። እንተዀነ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ምስ ብሬንትፎርድ ዘጋጠማ ስዕረት ግን ሓደ ካብቲ ዘይተጸበናዮ ውጽኢት እዩ።
ኣሰልጣኒ ሮበርቶ ዲ ዘብሪ፡ እታ ክለብ ኣብ ዝድለ ደረጃ ብቕዓት ከምዘይበጽሐት ጠቒሱ ኣሎ።
ኒውካስል ድማ ኣብዚ ዓመት ኣብ ጸረ መጥቃዕቲ ከተተኩር ትጽቢት ይግበር።
ግምት፡ ቶተንሃም 2 – 1 ኒውካስል
ሰንበት
ቸልሲ ኣንጻር ብራይተን
ቸልሲ ኣንጻር ብራይተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዓዊተን ሰለስተ ነጥቢ ኣመዝጊበን እየን።
ቸልሲ ብዘለውዋ ተጻወትን ኣብ መድረኽ ኤውሮጳ ዘይምስታፋን ኣብዚ ሊግ ሓያል ጉዕዞ ክትገብር ትጽቢት ይግበር።
ኣንጻር ፉልሃም ላዕለዋይ ኢድ እኳ እንተዘይነበራ፡ ዓወት ካብ ምምዝጋብ ግን ንድሕሪት ኣይበለትን።
ብራይተን ብወገና ንምግማት እተጸግም ክለብ እያ።
ግምት፡ ቸልሲ 2 – 1 ብራይተን
ሊድስ ኣንጻር ብሬንትፎርድ
ሊድስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክልተ ግዜ ንፎረስት ረቲዓታ እያ።
መጀመርታ ኣብ ሊግ ድሕሪኡ ኣብ መፋርቕ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ኢኤፍኤል።
ብሬንትፎርድ'ውን ንቶተንሃም ብምስዓር እያ ነዚ ዓመተ ስፖርት ጀሚራቶ ዘላ።
ውጽኢት እዚ ጸወታ ንምግማት ዘጸግም እዩ።
ግምት፡ ሊድስ 1 – 1 ብሬንትፎርድ
ሰንደርላንድ ኣንጻር ፉልሃም
ሰንደርላንድ ዋላ'ኳ ኣብ ዕዳጋ ዝውውር ጽቡቕ ምንቅስቓስ እንተዘይገበረት፡ ኣብ ሊግ ክትጸንሕ ዘኽእልዋ ብዙሓት ተጻወትቲ ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ጌጋታታ ብኢፕስዊች ተሳዒራ እያ።
እንተዀነ ፉልሃም ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ክትጽገም እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት፡ ሰንደርላንድ 1 – 0 ፉልሃም
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንጻር ኢፕስዊች
ኢፕስዊች ነዚ ዓመተ ስፖርት ብዓወት ጀሚራቶ ኣላ።
ማን ዩናይትድ ብወገና ናብ ሊግ ብዝደየበት ሃል ሲቲ ተሳዒራ እያ።
እታ ክለብ ኣብ ፈለማይ ፈወታኣ ድኹም ብቕዓት እኳ እንተርኣየት ኣብ ተኸታታሊ ጸወታታት ክትስዓር ግን ትጽቢት ኣይግበርን።
ኢፕስዊች ቀዳመይቲ ሸቶ ከተዘመዝግብ እያ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ዩናይትድ ክትዕወት እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት፡ ማንቸስተር ዩናይትድ 2 – 1 ኢፕስዊች
ሰኑይ
ኣስቶን ቪላ ኣንጻር ኣርሰናል
ኣስቶን ቪላ ዘርኣየቶ ድኹም ኣጀማምራ መሰረት ብምግባር፡ ኣንጻር ኣርሰናል ቀላል ጸወታ ከምዘይህልዋ እግምት።
ብመንጽር ኣካላዊ ብቕዓት እውን ኣርሰናል ቀጻልነት ከምዘርእዩ ትጽቢት እገብር።
እንተዀነ ኣስቶን ቪላ ብቐሊሉ ኢድ እትህብ ክለብ ከምዘይትኸውን እግምት።
ግምት፡ ኣስቶን ቪላ 0 – 2 ኣርሰናል