ካናዳ፡ ኤርትራውያን 'ተሳተፍቲ ናዕቢ' ቤት ፍርዲ ዝሃቦም ውሳነ እንታይ ይብል?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ካናዳ ከተማ ካልጋሪ ሓደ ዳኛ፡ ኣብቲ ፖሊስ "ኣብ ቀረባ ታሪኽ እታ ከተማ ዘጋጠመ ዝዓበየ ናዕቢ" ክብል ዝገለጾ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ውሳነ ገበን ኣሕሊፉ ክብል መርበብ ሓበሬታ ሲቢሲ ጸብጺቡ።

እቶም ተኸሰስቲ ብገበን ህውከት ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ምሓዝን መጥቃዕቲ ምፍጻምን ገበነኛታት ምዃኖም እዩ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ብ2 መስከረም 2023፡ ኣብ ፋልኮንሪጅ ፕላዛ፡ ብሰንኪ ኣብ ዓዶም ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣብ ክልተ ጕጅለታት ዝተመቕሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ከቢድ ሓድሕዳዊ ጐንጺ ምእታዎም ይዝከር።

ዳኛ ሎይድ ሮበርትሰን፡ እቲ ፍጻመ "ብሓቂ ናዕቢ እዩ" ኢልካ ንምድምዳም ከም ዘየጸግም ብምግላጽ፡ እቶም ኣርባዕተ ተኸሰስቲ ኣብቲ ህውከት ምስታፎም ምርግጋጹ ሲቢሲ ሓቢሩ።

ዳኛ ሮበርትሰን፡ ኣብቲ ንምንባቡ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደሉ ውሳነ፡ "እቲ ብ2 መስከረም 2023 ዘጋጠመ ተጓንፎ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዓመጽ ዝመልኦን እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ኣብቲ ፍጻመ ዘጋጠመ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ካልጋሪ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣይፈልጥን፡" ክብል ነቲ ኵነታት ገሊጽዎ።

እቶም ገበነኛታት ተባሂሎም ዘለዉ፡ ኣማኑኤል ክፍለዝጊ ስዩም፡ ያሚን ዕቝባሃንስ፡ ገብረኪዳን ሃይለማርያምን ሙሴ እስቲፋኖስን ኰይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣብ ተጻራሪ ጕጅለ ዝነበረት ሰበይቲ ብበትርን ሻምብቆታትን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሲ-ቢ-ሲ፡ ነቶም ኣብ ጐንጽን ህውከትን ተዋሒጦም ዝነበሩ ጕጅለታት ንምፍላይ፡ ኣስታት 200 ኣባላት ፖሊስ፡ ቦምባ ንብዓትን ኣስታት 2,000 ናይ በርበረ ኳስን ክጥቀሙ ተገዲዶም እዮም።

ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ 10 ደቒቕ ግጭት ጥራይ፡ 97 በትሪታት፡ 118 ኣእማንን 18 ጥርሙዛትን ከም ዝተደርበዩ ኣረጋጊጹ።

ኣብታ መዓልቲ፡ እቶም ኣብ ክልተ ወገን ዝተወደቡ ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ሓደ ክልተ ኪሎ ሜትር ርሒቘም ዝተፈላለየ ፍጻመታት ከካይዱ ወዲቦም ስለዝነበሩ፡ እቲ ርክብ ናብ ግጭት ከምርሕ ከም ዝኽእል ገሚቶም ምንባሮም ይገልጹ።

ፖሊስ ካልጋሪ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቐወምትን መንግስቲ ኤርትራ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ከምቲ ኣብ ቶሮንቶን ኤድመንተንን ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ግጭት ክለዓል ከም ዝኽእል ቀዲሙ ይጽበ ከም ዝነበረ ገሊጹ እዩ።

ፖሊስ ብዛዕባ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ሰባት፡ ካብ ኣስታት 150 ክሳብ 300 ከም ዝበጽሕ ይግምት።

ኣብ እዋን እቲ ዕግርግር፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣባላቶም መጥቃዕቲ ከይበጽሕ ሰጊኦም ከም ዝነበሩ፡ መካይንን መሳዅቲ ንግዳዊ ንጥፈታትን ከም ዝዓነወን፡ 12 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን ፖሊስ ካልጋሪ ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ግጭት ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ፖሊስ ካልጋሪ ነቲ ፍጻመ ንኽምርምር ሓይሊ ዕማም ኣቝሙ፤ ኣብ ልዕሊ 28 ሰባት 63 ክስታት መስሪቱ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ 2024 ግን ኣብ ልዕሊ እቶም ሸሞንተ ሰባት (ካብ ጕጅለ ደገፍቲ) ዝነበረ ክስታት ኵሉ ተሰሪዙ።

ተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ፖሊስ፡ "ዝዀነ ተወሳኺ ዕግርግር ይዅን ስጕምቲታት ሕነ ምፍዳይ ንምክልኻል" ምስ ክልቲኦም ወገናት ከም ዝሰርሐን፡ ነቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ንምልላይ ድማ መርማሪ ሓይሊ ዕማም ከምዘቘመን ይገልጽ።

ሓሙስ 21 መስከረም 2023፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ [ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር] ዝወጸ መግለጺ ፖሊስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ዝተፈጸመ ዕግርግር ዝግበር መርመራ ገና ይቕጽል ምህላዉን፡ መርመርቲ ኣብቲ ባእሲ ከም ዝተሳተፉ ዝእመኑሎም፡ 16 ሰባት ንምልላይ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ኣሳእሎም ብምዝርጋሕ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ሓቲቶም ነይሮም።

ብተመሳሳሊ ኵነታት ኣብታ ዓመት፡ ብ 5 ነሓሰ እውን፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ - ካናዳ፡ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ከም ዝተፈጥረን ምምሕዳር እታ ከተማ ንፍቓድ እቲ ፈስቲቫል ከም ዝሰረዞን ይዝከር።

ብዘይካ'ዚ ብ 3 ነሓሰ 2023 እውን፡ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ዓመታዊ ፈስቲቫል ሽወደን፡ ተቓወምቲ ድሕሪ ዝፈጠርዎ ናዕቢ፡ ልዕሊ 52 ሰባት ተሃስዮም፡ ልዕሊ 100 ተኣሲሮም እዮም።

እቶም ሰልፈኛታት ቴንዳታት ፈስቲቫል ኣፍሪሶምን ኣቃጺሎምን፤ ብዘይካ'ዚ ሓያለ መካይን ብሓዊ ከም ዝተቓጸላ ተሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ቅድመኡ'ውን፡ ኣብ ጊሰን - ጀርመን ዝተወደበ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን ብዝተኣኻኸቡ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ከም ዝሃረሙን ልዕሊ 125 መዝገብ ክሲ ከም ዝተኸፍተን ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝካየድ ባህላዊ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳን ከም ምንጪ ገንዘብን ኰይኑ የገልግል'ዩ ብምባል'ዮም ብዙሓት ዝቃወምዎ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ቦሎኛ ዝፈለመ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት'ውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ክጽንበል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሰብመዚ ኤርትራ፡ እቲ ፈስቲቫል ንባህላውን ማሕበራውን ውህደት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ ምዃኑ'ኳ እንተ መጐቱ፡ ተቓወምቲ ግን ናይቲ ብህግደፍ ዝምራሕ መንግስቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘተግብር'ዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።

ስደትን ጥርኑፍ ምስሕሓብን

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሪፖርተራት ብዘይዶብን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ብዘይ ፍርዲ ዝካየድ ማእሰርትን፡ ንብዙሓት ዜጋታት ካብ ሃገሮም ክስደዱ ከም ዝገበሮም ይገልጹ።

እዚ ኣብ ስደት ዘሎ ማሕበረሰብ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ናብዘን ዝነብሩለን ሃገራት ሒዝዎ ብምምጽኡ፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ካልጋሪ ዝተራእየ ዓይነት ከቢድ ጐንጽታት ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ፖሊስ ካልጋሪ ብወገኑ፡ ዝዀነ ተወሳኺ ዕግርግር ወይ ሕነ ምፍዳይ ንምክልኻል ምስ ክልተኦም ወገናት ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ ኣሎ።