መስኮት ነፋሪት ብምውዳቑ ገለ ክፋል ኣካሉ ናብ ደገ ዝወጽአ ተሳፋሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ራየንኤር ኣብ ዝተባህለት ናይ ኣየርላንድ ኩባንያ ነፋሪት፡ ኣብ እዋን ጕዕዞ እንከላ ሓደ ተጓዓዛይ ብመስኮት ናብ ደገ ክወድቕ ቅሩብ ተሪፉዎ ከም ዝነበረ ተሳፈርቲ ገሊጾም።
ሓበሬታ ምክትታል በረራ ከም ዘመልክቶ፡ እታ ነፋሪት ንዓሰርተ ደቓይቕ ኣብ ኣየር ድሕሪ ምጽናሓ ብሃንደበት ናብ መሬት ዝወረደት ኰይና፡ ተጓዓዝቲ ድማ "ነታጒ" ዝጥዕም ድምጺ ከም ዝሰምዑ ሓቢሮም።
ሓደ ሓላፊ ሆስፒታል ግሪኽ፡ እቲ ወዲ 61 ዓመት ሰርቢያዊ ዜጋ ብዝወረዶ ቃጸሎ ሕክምና ይግበረሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"ንደገ ተሳሒቡ ከይወድቕ፡ ሰበይቱ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ዝኣክል ኣእጋሩ ሒዛቶ ነይራ፡" ክብል ድማ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ገሊጹ።
እቲ ትካል ነፈርቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዓርቢ ንግሆ ካብ ተስሎንቄ (ግሪኽ) ናብ ሚኒንግን (ጀርመን) ክትነፍር ዝተበገሰት ነፋሪት "ድሕሪ ምልዓላ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ኣብ ኣየር ከላ መስኮት ተገዚዑ ወዲቑ፡" ኢሉ።
"እታ ነፋሪት ብሰላም ዓሊባ እያ፣ ተጓዓዝቲ ድማ ናብቲ ተርሚናል ተመሊሶም።
ሓደ ተጓዓዚ ኣብ ተስሎንቄ ረዲአት ሕክምና ከም ዝረክብ ተገይሩ፡" ክብል እቲ ትካል ኣየርላንድ ገሊጹ።
ድሕሪ ሰዓታት ድማ፡ "ነቶም ተጓዓዝቲ ናብ ሚኒንግን እተብጽሕ ካልእ ነፋሪት ተዳልያ፡" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ተጓዓዝቲ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ካልኦት ሰባት ተኣኪቦም ጐቲቶም ናብ ውሽጢ ክሳብ ዘእትውዎ፡ እቲ ሰብኣይ ክሳብ መንኵቡ ንደገ ወጺኡ ነይሩ ኢሎም።
ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ካልኦት ሰባት፡ ብሰንኪ ሞተር እታ ነፋሪት እቲ መስኮት ከም ዝተሰብረ ገሊጾም። እቲ ኩባንያ ነፈርቲ ግን ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ርእይቶ ኣይሃበን።
ክርስቲና ዝተባህለት ተጓዓዚት፡ "ኵነታት ኣየር እቲ ውሽጢ ብኡንብኡ ከም ዝተቐየረ ተረዲእና። ዋጭዋጭታ ነይሩ፤ ንሓጺር ግዜ ሓደ ሰብ ማዕጾ ህጹጽ ሓደጋ ዝኸፈቶ መሲሉኒ፡" ኢላ።
ቀጺላ፡ "ናይ ኦክስጅን ማስክ ወሪዱ፡ ብርቱዕ ጨና ድማ ነይሩ። ናይቲ ሓደ ተጓዓዚ ክሳድን መንኵብን ካብ መስኮት ወጻኢ ነይሩ። ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ መቐነት ነፋሪት ኣይፈትሖን ነይሩ፡" ክትብል ገሊጻ።
ሶፍያ ዝተባህለት ካልእ ተጓዓዚት ድማ፡ "ናይ ኦክስጅን ማስክ ክወርድ ከሎ እንታይ ከም ዝተፈጠረ ኣይፈለጥናን። ብሰላም ክንምለስ ኢና ዝብል ግምት ኣይነበረናን። ኣብ መወዳእታ ክፍሊ እታ ነፋሪት ኢና ተቐሚጥና ነይርና፤ ሓደ ነታጒ ከም ዝነበረ ድማ ተረዲእና፡" ኢላ።
"እታ ነፋሪት ክትወድቕ ትወርድ ከም ዘላ ኢና ሓሲብና። እቲ ኣየር ከቢድ ነይሩ፤ ከነተነፍስ ከም ዘይንኽእል ተሰሚዑና። እቲ ዝተጐድአ ሰብ ይደሚ ነይሩ፣ ንብዙሕ ግዜ ድማ ሃለዋቱ ይስሕት ነይሩ።
እዚ ድማ ብሰንኪ ስእነት ኦክስጅንን ስንባደን ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ክትብል ትገልጽ።
እታ ነፋሪት 18 ዓመት ከም ዝገበረት እዩ ዝሕበር። ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘመሓድር ትካል፡ "እቲ ኵነታት ብበዓል መዚ ምርመራ ድሕነት ኣየርን ባቡርን ግሪኽ ይምርመር ኣሎ፡" ኢሉ ኣሎ።
ብዓል መዚ ኣቭየሽን ኣየርላንድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ከም ዝፈልጥን ንመርመርቲ ሓገዝ ከም ዝህብን ገሊጹ። ጥሮታ ዝወጽአ ፓይለት ክሪስ ብሬዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ተጓዓዚ መቐነቱ እንተ ዘይኣስር ነይሩ ዝገደደ ሓደጋ ምወረደ ነይሩ ኢሉ።
ኣብ 2018 እውን ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ ካብ ሞተር ዝወጽአ ጅላድ መስኮት ነፋሪት ብምስባሩ፡ ሓደ ተጓዓዛይ ህይወቱ ሓሊፉ እዩ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
