'ሓደገኛ ጠላዕ' ትራምፕ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሰራዊት ኣመሪካ ካብን ናብን ወሽመጥ ፋርስ ዝኣትዋን ዝወጻን መራኽብ ክዓግት ከም ዝኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ዝኸን ግን፡ "ንምንታይ ዕላማ?" ዝብል እዩ።

"ክሰርሕ ዝኽእል እመስለኒ" ይብል ጥሮውተኛ ሪየር ኣድሚራል ኣመሪካ ማርክ ሞንትጎመሪ ሎሚ ንግሆ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

"ንኢራናውያን ብሓይሊ ንድሕሪት ምድፋእን መረኽብ ንምሕላፍ መንገዲ ምኽፋትን ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ ኢለ እግምት፣ ሓደጋኡ'ውን ዝወሓደ'ዩ።"

ገለ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብፕረዚደንት ትራምፕ ከቕርቦም ዝጸንሐ ኣማራጺታት - ምሓዝ ደሴት ኻርግ ወይ ወተሃደራዊ ስርሒት ብምግባር ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ምዕጃብ - ሓደገኛን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ክኸውን ከም ዝኽእል ከዛርብ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ ንጥፈታት ዝተሳተፉ ሓይልታት ኣመሪካ ግዳያት መጥቃዕቲ ሚሳይላት፡ ድሮናትን ፈጣናት ጀላቡን ኢራን ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝተጻወደ ነተጉቲ ክህሉ ዝኽእል ምዃኑ ድማ ካልእ ተወሳኺ ሓደጋ እዩ።

ብኣንጻሩ፡ እዚ ብመራኽብ ውግእ ኣመሪካ ዝግበር ዕጽዋ፡ ኣብ ርሑቕ ገማግም ማያት ወሽመጥ ዖማን ብዘይስክፍታ ክንቀሳቐሳን፡ ካብ ወደባት ኢራን ንዝወጻ መራኽብ ድማ ክከታተላን ከም ድላየን ክእግዳን ዘኽእለን እዩ።

ኣድሚራል ሞንትጎመሪ፡ "ኣብዚ ካብቲ ኣብ ኣዝዩ ዕጹው ከባቢ መጻብቦ ዘሎ ሓደጋ ዝወሓደ'ዩ" ይብል።

ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ሄሊኮፕተራትን ናይ ገዛእ ርእሱ ፈጣናት ጀላቡን ዘለዎ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስርሒት ዘድልዮ ናውቲ ዝዓጠቐ ሓይሊ ባሕሪ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣመሪካ ኣብ ቬንዝወላን ኩባን ዝተገብረ ዕግታ እቲ ዓቕሚ ኣርእዩ እዩ።

ኣብ መጀመርታ ጥሪ፡ ኣብ ርሑቕ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ እትርከብ ማሪነራ ዝተባህለት መርከብ ነዳዲ ሩስያ ምሓዛ፡ ከምዚ ዓይነት ስርሒታት ዳርጋ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክካየድ ከም ዝኽእል ዘረጋገጸ እዩ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም) እዚ ዳሕረዋይ ዕግታ "ኣብ ልዕሊ ወደባትን ገማግም ባሕርን ኢራን ዝኣትዋ ወይ ዝብገሳ መራኽብ ኵለን ሃገራት ብዘይሻራዊ መንገዲ ክፍጸም'ዩ" ይብል። እዚ ኰይኑ ግን ካብ ወደባት ኢራን ንዝጥቀማ መራኽብ ከምዘይምልከት ይገልጽ።

ሰብኣዊ ቀረብ ዝጸዓና መራኽብ ምሕላፍ ክፍቀደን እዩ፤ እንተዀነ "ምርመራ ክግበረለን እዩ፡" ክብል ሴንትኮም ኣፍሊጡ።

እዚ ግን ክሰርሕ ይኽእል ድዩ?

እቲ ስነ-መጐት ንጹር ይመስል።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኢራን በዚ ወሽመጥ ኣቢላ ነዳዲኣ ናብ ወጻኢ ክትልእኽን፡ ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነዳዲን ጋዝን ከይሰዳ ብምኽልካል፡ ብቢልዮናት ዝቑጸር ዶላር ኣታዊ ረኺባ እያ።

እዚ እገዳ ኣመሪካ ነዚ ምንቅስቕስ ኢራን እቲ ዘድልያ ኣታዊ ክኸልኣን ዝያዳ ከዳኽማን ይኽእል እዩ።

እንተዀነ ኢራን ኣብዚ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝወረዳ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዓቢ ተጻዋርነት ኣርእያ እያ፡ ካልእ ማዕበላት እውን ክትጻወር ትኽእል ትኸውን። ዝኾነ ሓድሽ እገዳ ኸኣ ዋጋ ነዳዲ ተመሊሱ ከጋድድ ተኽእሎ ኣሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ ነበር ደቪድ ሳተርፊልድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ነዚ ክብድሁ ከምዝኽእሉ ይኣምኑ እዮም፣ ኣመሪካ ድማ፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዘስዕቦ ቃንዛ ክትጻወር ኣይትኽእል እያ፤ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድማ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ክኽፈት ንኣመሪካ ጸቕጢ ክገብራ እየን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዋሽንግተን፡ ነቲ ሓጺናዊ ቈራጽነት ኢራን ኣብ ምግምጋም ከም ዝፈሸለት ድማ ይዛረብ።

"ከም ዝተዓወቱ እዮም ዝኣምኑ" ብምባል፡ "ኢራናውያን...ካብ ኣንጻሮም ሓይሊ ንላዕሊ ንነዊሕ እዋን ዝያዳ ቃንዛ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከምዘለዎም እዮም ዝኣምኑ።"

ክኢላታት ጕዕዞ መራኽብ ካብ ወደባት ኢራን ዝወጻን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋን መራኽብ፡ ዕገታ ኣመሪካ እንታይ ጽልዋ ከምዘሕድር ንምርኣይ ይዕዘቡ ኣለዉ።

"ቃል ብቓሉ፡ ሕጂ ዝሓልፋ ዘለዋ መራኽብ ስቕ ኢለ እየ ዝዕዘብ ዘለኹ" ትብል ተንታኒት ስለያ ባሕሪ ሚሸል ዊዝ ቦክማን።

"ባሕረኛ እንተዝኸውን ነይረ ኣመና ምተጨነቕኩ።"

ትማሊ ምሸት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዝሃቦ ምግላጹ፡ ገለ ቅልጡፍ ለውጢ ኣንፈት መራኽብ ከም ዝተራእየ ዋና ኣሰናዳኢ ሎይድስ ሊስት ሪቻርድ ሚድ ይዛረብ።

ሚድ፡ እቲ ኲናት ኣብ መወዳእታ ለካቲት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፍ ትራፊክ መራኽብ እቲ ዝበዝሐ ጽዑቕ ምንባሩ ይዛረብ።

ኣስታት 30 መራኽብ ድማ ናይ ምክትታል ስርዓተን ወሊዐን ሓሊፈን።

"ብዙሓት መራኽብ ክብገሳ ዝጓየያ ዝነበራ ይመስላ" ክብል እውን ወሲኹ ይሕብር።

ሕጂ፡ ኣዝየን ውሑዳት መራኽብ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ። ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብ ወደባት ኢራን ዝኣትዋ ወይ ዝወጻ መራኽብ ዕግታ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ገለ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ዋላ'ኳ ጸኒዑ እንተሃለወ፡ እቲ ኵነታት ዓውደ ምትህልላኽ ተቐይሩ፣ ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ክዓግቱ ይፍትኑ ኣለዉ። ቍጠባ ዓለም ድማ ኣብ መንጐ ተቐርቂሩ'ሎ።

ቻይና ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢስላማባድ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕ ዝርርብ ንኽትጽንበር፡ ንኢራን ኣብ ምእማን ከም ዝሓገዘት እዩ ዝግለጽ። ኣመሪካ እዚ ወሲዳቶ ዘላ ስጕምቲ ካብ ቻይና ዝያዳ ጸቕጢ ከምጽእ ትጽቢት ትገብር።

ቻይና ካብ ዝኾነት ሃገራት ንላዕሊ ነዳዲ ኢራን ትዕድግ። ዋላ'ኳ ብዝሒ ዝዓቘረቶ እንተሃለወ፡ ቀረብ ንነዊሕ እዋን ክቋረጽ ክትጻወሮ ትኽእል ነገር ኣይኰነን።

እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ትራምፕ ሓደገኛ ጠላዕ ኰይኑ፡ ሳዕቤናቱ ድማ ብኣጋ ክረአ ይኽእል'ዩ።