እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ዘቕርቦ ዘሎ መፈራርሒ ዕጽዋ ሆርሙዝ ንፍታሕዶ ንዝያዳ ሓደጋ?
እቲ ብምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ዝምራሕ ተዛታዪ ጕጅለ ኣመሪካ፡ ኣብ ኢስላማባድ ምስ ኢራናውያን ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ምሉእ ስምምዕ ክበጽሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዝቕጽል ስጕምቱ ኣትዩ።
እዚ ድማ ሰንበት ንግሆ ዝተኣወጀ፡ ብመንገዲ ተኸታታሊ ጽሑፋት ትሩዝ ሶሻል ዝተዘርግሐ እዩ።
እቲ ውሳነ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ዕጽዋ ክትገብር ምዃና ዝገልጽ እዩ። "ኣብቲ ዓቢይ ማያዊ መስመር ዝዀነ ዘይሕጋዊ ክፍሊት ዝኸፍል ውሑስ መሕለፊ የብሉን፡" ክብል ጽሒፉ።
ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ንመራኽብ መሻርኽቲ ሃገራት ውሕስነት ንምሃብ፡ ኣብቲ መጻብቦ መስርሕ ምጽራግ ነተጕቲ ክትቅጽል ምዃና ሓቢሩ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝዀነ "ኣድላዪ ህሞት" ኣንጻር ኢራን መጥቃዕቲ ንምጅማር ተዳልዩ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ጽሑፋቱ፡ ኣብቲ ን20 ሰዓታት ዝቐጸለ ዘተ ኢስላማባድ ምዕባለታት ከም ዝተራእየ ብምጥቃስ፡ እንተዀነ ኢራን ንዩክለሳዊ መደባታ ንኸተቋርጽ ብኣመሪካ ዝቐረበ ጠለብ ከም ዘይተቐበለቶ ኣረጋጊጹ።
ጽሑፋት ትራምፕ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ስልጣነ ኢራን ክድምስስ ሲኦል ክኽዑ እየ ዝዓይነቱ ታህዲድን ምፍርራሕን'ኳ እንተ ዘይነበሮ፡ እቲ ዝብሎ ዘሎ ግን፡ ብፍላይ ብወገን ኣመሪካ ሕቶታትን ሓደጋታትን ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዝርአ።
እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ንጥፈታት ምጽራይ ነተጕቲ ንመራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ ኢራን ኣየቃልዐንንዶ? ኣመሪካ ንኢራን መን ክፍሊት ከም ዝኸፈለትን ከም ዘይከፈለትን ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል? ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ'ተን ነዚ ክትገብሮ ትደሊ ዘላ ዕጽዋ ዕሽሽ ዝብላ ባንዴራ ወጻኢ ሃገራት ዝሰቐላ መራኽብ ሓይሊ ክትጥቀም ድያ? ከም ቻይና ዝኣመሰላ ኣብ ነዳዲ ኢራን ዝምርኰሳ ሃገራትከ ነዚ ብኸመይ ግብረመልሲ ክህባሉ እየን? እዚ ብመሰረቱ እቶት ኢራን ንምሕናቕ ዝዓለመ ስጕምቲ፡ ዋጋ ነዳዲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ኣየብሎንዶ?
እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት ንጹር ምላሽ የብሉን።
ነዚ ኣመልኪቱ ሰኔተር ማርክ ዋርነር ካብ ቨርጂንያ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ መጻብቦ ምዕጻው ብኸመይ እዩ ንኢራናውያን ንኽኸፍቱዎ ከገድዶም ንዓይ ፈጺሙ ኣይርድኣንን እዩ፡" ኢሉ።
ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንኽልተ ሰሙን ዝቕጽል ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ ብምግባር ቀጥታዊ ዝርርብ ክገብራ ቅድሚ ምስምምዐን፡ ትራምፕ ኣብ ኣዋጥሪ ኵነታት እዩ ኣትዩ ነይሩ።
ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን እትፍጽሞ ደምሳሲ ዝበሎ መጥቃዕቲ ክቕጽል ብምፍቃድ፣ በዚ ድማ ኣብ ስቪላዊ ትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ነዊሕ ዝጸንሕ ጕድኣት ከውርድ ይኽእል ነይሩ፤ እዚ ድማ ሰብኣዊ ቅልውላው ክውስኽን ዓለማዊ ቍጠባ ዝያዳ ክዘርግ ዝገብርን ምዀነ።
እቲ ኻልእ ዝነበሮ ኣማራጺ ድማ ካብቲ ብህዝቢ ኣመሪካ ብዙሕ ተቐባልነት ዘይረኸበ ኲናት፣ ከምኡ'ውም ንገለ ደገፍቱን፡ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝካየድ ግጭታት ድሕሪ ደጊም ምትእትታው ኣይክህሉን እዩ ዝብል ዝተኣተወሎም መብጽዓ ኣሚኖም ዝመረጽዎ፡ መብጽዖኦም ዘበላሸወ ኲናት ምውጻእ እዩ።
ዳርጋ ሓደ ሰሙን ሓሊፉ ድማ ኣመሪካ ተዓዊታ እያ ካብ ዝብል ወጻኢ ብጭቡጥ ዝተረኽበ ኣይተራእየን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ንፕረዚደንት ዝተጻዕነ ብድሆ ከኣ ኣይተቐየረን።
ብሰንበት ትራምፕ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ኣብ መወዳእታ ንኣመሪካ፡ "ኵሉ ዝደለየቶ" ክትህባ ምዃና ብምግላጽ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዋጋ ነዳዲ ከም ዘለዎ ወይ'ውን ክውስኽ ይኽእል'ዩ፣ ቍጠባ ኣመሪካ ግን ከም ዝጸንዕ እምነቱ ገሊጹ።
ዳርጋ ቍማር እዩ ክበሃል ይከኣል።
ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝካየድ መረጻ መፋርቕ ኣብ ዝቐረበሉ ዘሎ እዋን፡ ትራምፕ ዝመርሖ ሰልፊ ሪፓብሊካን ጌጋታት እናፈጸመ እንተ ከይዱ መሪር ዋጋ ክኸፍል ክግደድ እዩ።
ብቐዳም፡ ምክትል ፕረዚደንቱ ምስ ኢራናውያን ኣብ ፓኪስታን ኣብ ሓደ ንዓለም ወሳኒ ዝዀነ መኣዲ ዘተ ተሰሚድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ትራምፕ ንኽዘናጋዕ ናብ ሚያሚ እዩ ኸይዱ። ኣብኡ ድማ ዓቢይ ሻምፒዮን ቅልስ ክዕዘብ ኣምስዩ።
እቲ ኣጋጣሚ ፍሉይ ምርኢት ከም ዝነበረ ጋዜጠኛታት ገሊጾም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ሓያል ውድድራት ይዕዘብ፣ ምስ ፍሉጣት ሰባት የዕልል፣ ሓሓሊፉ ድማ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን ካልኦት ኣማኸርቱን ክዛተ ይርአ ነይሩ።
እቲ ጸወታ ቅልስ ግን፡ ዋላ'ኳ ከቢድ እንተዀነ፡ ብመሰረት ሕግታቱ፡ ንጹር ግዜ ተቐሚጥሉ፡ ብንጹር ብሰዓርን ተሳዓርን እዩ ዝዛዘም።
ኲናት ኢራን ግን ከምዚ ዓይነት ንጹርነት ክህብ ኣይክእልን እዩ። ናብ ካልኣይ ወርሑ ይቕጽል ኣሎ፣ እዚ ናይ ሕጂ ናይ ክልተ ሰሙን ምቍራጽ ኣብ ኣፍደገ ምፍራስ ዘሎ ይመስል።
እቲ ግጭት ናይ ሕርያታት ፈተና ኰይኑ'ሎ፤ ኢራን ቀጻሊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ናይ ምጽዋር ዓቕማ ብመንጽር እቲ ኲናት ዝፈጥሮ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቃንዛ ናይ ምጽዋር ዓቕማ ክርአ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ግን ኵሎም ተሳተፍቲ እዚ ውግእ ክጕድኡ እዮም።