ፈረንሳ ምስ ብሪጣንያ ጀሚራቶ ዝነበረት ዝርርብ ጉዳይ ጸጥታ ሰሪዛ

ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ

ምንጪ ስእሊ, Scott Morrison

Published

ምስቲ ኣመሪካን ኣውስትራልያን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ዝጀመርኦ ስሉሳዊ ስምምዕ ጸጥታ ብዝዛመድ ዝተፈጥረ ቅርሕንቲ፡ ፈረንሳ ምስ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ዝነበራ መደብ ዝርርብ ጠጠው ከም ዘበለት ሚኒስተር ምክልኻል'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፈረንሳ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተገብረ ውዕል ኒኩሌር ሓይሊ ባሕሪ ኣቆጢዕዋ እዩ።

እዚ ሓድሽ ስምምዕ ጸጥታ፡ ኣውስትራልያ ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ናይ ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ጸጥታ ክትገድፍ ገይርዋ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ግን እቲ ሓድሽ ስምምዕ 'ንፈረንሳ ዘጨንቓ ነገር የብሉን" ይብል።

ይኹን'ምበር ኣብዚ ሰሙን ኣብ መንጎ ምክልኻል ክልቲኣን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ክልቲኣዊ ኣኼባ ጸጥታ ተሰሪዙ ኣሎ።

ነቲ ኣኼባ ብኣቦ መንበርነት ክመርሕ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበሮ ኣብ ፈረንሳ ኣምባሳደር ነበር ዓዲ እንግሊዝ፡ ሎርድ ሪኬትስ እቲ ምስ ፈረንሳ ተታሒዙ ዝነበረ ኣኼባ ተሰሪዙ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

'ስጡም ምሕዝነት'

እቲ 'ኣውከስ' ዝብል ስያመ ዝረኸበ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ክሊ ባሕሪ ደቡብ-ቻይና፡ ናይታ ሃገር ጽልዋ ንምግታእ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

እንተኾነ፡ ነቲ ጸጥታዊ ውዕል ስዒቡ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ኣውስትራልያን ብ2016 ዝተፈረመ ናይ 37 ቢልዮን ዶላር ውዕል ጸጥታ ክፈርስ ገይሩ።

እቲ ስምምዕ ፈረንሳ ንኣውስትራልያ ብኒኩሌር ዝሰርሓ 12 ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኣጽዋር ንክትሃንጸላ ዘኽእል እዩ ነይሩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ነቲ ምዕባለ፡ "ብድሕሪት ምውጋእ" ኢሉ ዝገለጾ ኾይኑ "ኣብ መንጎ መሓዙት ዘይትጽበዮን ዘይግቡእ ባህርን" ክብል ድማ ኮኒንዎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ብዘይተለምደ መልክዑ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኔኤል ማክሮን፡ ኣብ ዋሺንግነተንን ካንቤራን ዝነበሩ ኣምባሳደራት ፈረንሳ ስሒቡ።

ናብ ጠቕላላ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ዝጓዓዝ ዝነበረ፡ ቦሪስ ጆንሰን ግን ፡ "ፈረንሳ በቲ ስምምዐዕ ክትሓርቕ የብላን፤ ምኽንያቱ ኣንግሎ-ፈረንሳ ምሕዝነት ጽኑዕ እዩ" ኢሉ።

"ኣውከስ ዜሮ ድምር ስምምዕ ኣይኮነን፤ ኣግላሊ'ውን ኣይከውንን። ንፈረንሳ ሓዊሱ ዝኾነ ሃገር ከጨንቕ ዝግባእ ኣይኮን" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እንግሊዝ ዝተዓጀበ ኾይኑ፡ ንሳ ነቲ ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ ቅኑዕ ምዃኑ ኣብ ሳንደይ ቴሌግራፍ ሞጊታ ኣላ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣውስትራልያ ብወገና ምስ ፈረንሳይ ዝነበራ ውዕል ዘፍረሰትሉ መርትዖ ተረድእ ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሶን፡ ኣውስትራልያ 'ሓስያ' ዝብል ካብ ፈረንሳይ ዝተዋህበ መግለጺ ኣትሪሩ ነጺግዎ እዩ።

"ኣውስትራልያ ነቲ ውዕል ክተፍርሶ ምዃና ተዳልያ ከም ዝነበረት ፈረንሳይ ቀዲማ ትፈልጥ እያ" ብምባል ክሕድሻ ከም ዘይነበረ ገሊጹ።

እቲ ተወጢኑ ዝነበረ ውዕል ሓይሊ ባሕሪ "ንኣውስትራልያውያን ዘድሊ ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥር'ዶ ኣይፈጥርን ዝብል ሓሳብ እዩ ነዚ ክንውስን ዝገበረና" ኢሉ።

እቲ ስምምዕ፡ ኣውስትራልያ ኒክሌር ባሕሪ ሓይሊ እትውንን ሻብዐይቲ ሃገር ክገብራ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ምዕባለታት ብቻይና'ውን ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ። ቻይና ምምጻእ 'ኣተሓሳስባ ዝሑል ኲናት ዘስዐቦ" እያ ትብሎ።

ሰሜን ኮርያ ደማ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝምዕብል ዘሎ ስምምዓት ጸጥታ፡ "ምቅድዳም ኑክሌር" ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ከቢድ ስግኣታ ገሊጻ ኣላ።

መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ከም ዝጸብጸቦ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ "እዚ ኣዝዩ ዝርብሽን ሓደገኛን ተግባር ብምዃኑ፡ ነቲ ኣብ ኣስያ-ፓሲፊክ ዘሎ ዝሃድአ ስትራተጂክ ሓይሊ ሚዛን ዘዛብዕ እዩ" ክብል ገሊጽዎ።