ሚኒሶታ፡ ኢልሃን ዑመር'ውን ልዕሊ 76% ብምርካብ ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Ilhan Omar
ንክፍለሃገር ሚኒሶታ ወኪላ ንመበል ዳግማይ ዝተወዳደረት ሶማላዊት-ኣመሪካዊት ኢልሃን ዑመር ልዑል ድምጺ ብምርካብ ተዓዊታ።
እታ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕን ምምሕዳሩን ብምስሕሓብን ምክርኻርን እትፍለጥ ኣባል ኮንግረስ፡ 76.5% ድምጺ ብምርካብ'ያ መንበራ ኣጽኒዓ ዘላ።
እታ ካብ 2018 ኣትሒዛ ወኪል ሚኒሶታ ኣብ ኮንግረስ ኮይና ተገልግል ዘላ ጓል 54 ዓመት፡ ንዲስትሪክት 5 (ከተማ ሚንያፖሊስ) ብምውካል'ያ ኣብቲ መረጻ ተሳቲፋ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣባላት ጸጥታ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ እዋን ወጋሕታ ናብቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ብምኻድ ፍተሻ ከምዝገበሩን፡ ኮምፒዩተር፡ ሞባይል ተለፎናትን ማህደራትን ዝርከቦ ሓያለ መርትዖ ይኸውን'ዩ ዝበልዎ ንብrታ ሒዞም ከይዶም ነይሮም።
ሰብመዚ እታ ሃገር "ኣካል መርመራ ገበን ፈደራል" እዩ ክብሉ'ኳ እንተመጐቱ፡ እቲ ስጉም ንምፍርራሓ ዝተወስደ ምንባሩ ብምግላጽ ንምምሕዳር ትራምፕ ነቒፋ ነይራ። እቲ ጉዳይ ምስኡ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ ዝገልጽ ትራምፕ፡ ንነዊሕ እዋን ናብታ ከቆናጽባ ዝስማዕ ሶማልያ ክትምለስ ኣለዋ ክብል ጸኒሑ'ዩ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ እዋን ወጋሕታ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ ዳህሳስ፡ ምስ ብዓልቤታን ደቃን ካብቲ ገዛ ክትወጽእ ከምዝተገደደት'ውን ገሊጻ ነይራ።
"ምስዚ ዝበጽሓኒ ዘሎ ናይ ሞት ምፍርራሕ፡ ኣብቲ ገዛ ምስ ደቀይ ምጽናሕ ዘዋጽእ ኣይኮነን" ክትብል ኢልሃን ንሓደ 'ኤም-ኤስ ናው' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ተዛሪባ። ልዕሊ 10 መቕርባ ዝኾኑ ሰባት'ውን ሓበሬታ ክህቡ መጸዋዕታ ከምዝተገብረሎም ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ 1981 ኣብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ዝተወለደት ኢልሃን፡ ጓል ክልተ ዓመት እንከላ ወላዲታ ብሞት ድሕሪ ምፍላያ፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሶማልያ ምስ ኣቦኣን ዓባያን ናብ ኬንያ ተሰዲዳ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ 1995 ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምስጋራ ኣብ ዓመተ 2000 ዜግነት ኣመሪካ ረኺባ።
ንገለ ዓመታት ኣብ ክፍሊ ትምህርቲን ምምሕዳር ከባቢን ክትነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ 2016 ኣባል ባይቶ ክፍለሃገር ሚኒሶታ ክትከውን በቒዓ።












