ውጽኢት ደሞክራሲያውያን ‘ማዕበል፡ ሱናሚ ወይ ዓብላሊ ጥራይ ዘይኰነስ - ከም ነውጺ’ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ኣዝዮም ትስፉዋት ዝዀኑ ደሞክራሲያውያን እንተዀይኑ እውን እኳ፡ ክሳዕ ክንደይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ተስፋ ዝነበሮም ኣይመስለን።
ገና ዘይሰማዕናዮም ጽንክር ዝበሉ ውድድራት’ኳ እንተለዉ፡ እዚ ትማሊ ምሸት ዝረአ ዘሎ ግን ተራ ደሞክራሲያዊ ማዕበል፡ ሱናሚ ወይ ዓብላሊ ጥራይ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘይኰነስ፡ ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ምንቅጥቃጥ እዩ።
ኣመሪካውያን ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ዘሕለፎ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ነጺጎምዎ ኣለዉ።
ትራምፕ መብዛሕትኡ ጐስጓሱ፡ መረጽቲ ንሱ ባዕሉ ኣብቲ ናይ መረጻ ወረቐት ከም ዘሎ ገይሮም ክወስድዎን ከም ዘለዎ ገይሮም ክሓስቡ ክነግሮም እዩ ግዜኡ ኣሕሊፉዎ።
ንሱ ንርእሱ ማእከል ናይቲ ሪፓብሊካዊ ጐስጓስ ብምግባር ሓያል ጐስጓስ ኣካይዱ። ሕጂ ድማ፡ እቶም ሕጹያቱ እዮም ብመረጽቲ ዝንጸጉ ዘለዉ።
ካብ ሰበ-ስልጣን ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ብቕዓት ናይቶም ሪፓብሊካውያን ዝተሳዕሩሎም ሕጹያት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይስማዕ ኣሎ።
ሓደ ክዝከር ዝግባኦ ነገር ግን ኣሎ፤ ገለ ካብኦም፡ ከም ዳርሊን ግርሃም ኣብ ሳውዝ ካሮላይናን ከን ፓክስተን ኣብ ተክሳስን ዝኣመሰሉ፡ ብደገፍ ትራምፕ እዮም ኣብኡ በጺሖም። ንሱ እዩ ንሕጹይነቶም ደጊፉ ናብቲ ቦታ ከም ዝበጽሑ ዝገበሮም።
ሕጂ ሪፓብሊካውያን ነዘን ብልምዲ ብቐሊሉ ይሕዝወን እዮም ዝበሃላ ቦታታት ምስ ሰኣንወን፡ እቲ ጌጋ ናይቶም ዝተመርጹ “ብቑዓት ዘይኰኑ ሕጹያት” ምዃኑ ምግላጽ፡ ቅሩብ ምስሉይነት እዩ።





