እቲ ንዅሉ ዝወሰደ ውሕጅ፡ 'ኣቦይ፡ ኣደይ፡ ሓፍተይ፡ ደቂ ሓፍተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተወሲዶም'

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ከቢድ ሃንደበታዊ ውሑጅ ዘስዓቦ ሓደጋ፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት፡ ፈተውቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ብውሕጅ ክውሰዱን ክጠፍኡን ከለዉ ከመይ ከም ዝረኣዩ ይገልጹ ኣለዉ።
ረቡዕ፡ ኣብ ዶብ ኔፓልን ቲበትን ዘጋጠመ ውሑጅ ንምሉኣት ዓድታት ድሕሪ ምድምሳሱ፡ ልዕሊ 160 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 800 ካልኦት ድማ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ።
እቲ ውሑጅ ዝነበሮ ሓይሊ ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ፡ ሰብ-ሞያ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ መጀመርታ ምንቅጥቃጥ መሬት ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዎም ነይሩ።
ሰበ-ስልጣን ኔፓል ናብቶም ብሓደጋ ዝተጐድኡ ከባቢታት ረድኤትን ቀረባትን ንምብጻሕ ኣብ ዝጓየይሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣባላት ሓይሊ ድሕነት ሓሙስ ኣብቲ ጭቃን ፍርስራስን እናተጓዕዙ ናይ ምድሓን ስርሒት የካይዱ ነይሮም።
ካብ ዞባ ኑዋኮት ኔፓል ዝዀነት ካልፓና ማላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣባላት ስድራቤተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ብውሑጅ ተወሲዶም፡" ክትብል ገሊጻ።
ማላ፡ ኣቦኣ፡ ኣደኣ፡ ሓብታን ደቃን በቲ ሓደጋ ከም ዝተወሰዱ ትዛረብ።
"ካብቲ ውሑጅ ከምልጡ ኣይከኣሉን፤ ዋላ ሓንቲ ዕድል ኣይነበረን፡" ክትብል ገሊጻ።
"እዚ ውሑጅ ኵሉ ነገር እዩ ወሲድዎ፤ ኣነን ወደይን ግን ኣብ ናሕሲ ገዛ ደይብና ተሪፍና፡ ከመይ ከም ዝነበረ ግን ክንገልጾ ኣይንኽእልን ኢና፡" ትብል።
ወዳ ሱጋም ማላ፡ ንኢድ ኣደኡ ብምስሓብ ከም ዘድሓና ይገልጽ። ንሱ፡ ክትራኸቦም ምእንቲ ተለፎኑ ንሓብቱ ሂብዋ ከም ዝነበረ፡ ሕጂ ግን እታ ተለፎን ትለዓል ስለዘየላ፡ "ብውሑጅ ተወሲዳ ክትከውን ትኽእል እያ፡" ዝብል ዓቢ ስግኣት ከም ዘለዎ ይዛረብ።
ጐማ ፓንዲት ዝተባህለት ካልእ ሰበይቲ ድማ ጎባያት (ኣብዑር በራኻ)ን ኵሎም ጥሪታን ከም ዝጠፍእዋ ገሊጻ።
"ሕርሻይ'ውን ብውሑጅ ተወሲዱ እዩ። ዓሰርተ ክሻታት ኣድሪ፡ ቶናት ዝኸውን መሸላን ሩዝን ኵሉ ጠፊኡ። ዋላ ሓንቲ ኣይተረፈን፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ሆስፒታል ቲዩ ካትማንዱ፡ ስድራቤታት እቶም ደሃዮም ዝጠፍአ ሰባት ብጭንቀት ሓበሬታ ይጽበዩ ኣለዉ።
ራም ኩማሪ ሽረስታ ተለፎና እናርኣየት፡ "እዚ ሰብኣየይ እዩ፤ መራሒ መኪና ኰይኑ ብዝሰርሓሉ ስራሕ እዩ ናብ ራሱዋ ከይዱ። ትማሊ ምሸት ክሳብ ሰዓት 8፡00 ድማ ንዘራረብ ነይርና። ሎሚ ንግሆ ግን ክድውለሉ ኣይከኣልኩን፣ ተለፎኑ ተዓጽዩ ነይሩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
ማኒ ሽረስታ ቢሽዋ'ውን ረቡዕ ምሸት ኣብቲ ሆስፒታል ኰይኑ፡ ብዛዕባ ንእሽቶ ሓዉ፡ ወዲ ሓውቦኡ፡ ሓውቦኡን ዓርኩን ሓበሬታ ይጽበ ነይሩ። "ንመወዳእታ ግዜ ዝተራኸብኩዎም ንግሆ ሰዓት 8፡30 እዩ ነይሩ'" ይብል።
ሶናም ዶርጂ ዝተባህለ መራሒ ዑደት ወይ ጕዕዞ፡ ኣብ ዓዱ ራሲዋ ስያፍሩ ውሑጅ ቅድሚ ምእታዉ ሓደ ሰዓት ኣቐዲሙ እዩ ካብታ ዓዲ ወጺኡ። ንግሆ ሰዓት 08:00 ናይቲ ከባቢ ካብ ዓዱ ምስ ወጽአ፡ ናብ ካትማንዱ እናመጽአ እንከሎ እቲ ውሑጅ ናብ ዓዱ ክኣቱ ከሎ ጫውጫውታ ይሰምዕ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ከም ምንቅጥቃጥ መሬት እዩ ነይሩ፤ ገዛይ ዓንዩ እዩ... ስእሉ ርእየዮ ኣለኹ" ይብል።
ዶርጂ፡ ሓብቱ ደቸን ታማንግ ምስ ሰብኣያን ካልኦት ኣባላት ስድራቤትን ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ይዛረብ።
ነቲ ውሑጅ "ሃንደበታውን ኣዕናውን" ክብል ዝገለጾ ዶርጂ፡ "ብዙሓት ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ሕጂ ብዘይ መጽለሊ ተሪፎም ኣለዉ፤ ህጹጽ ናይ ምድሓንን ምውጻእን ስርሒት፡ ከምኡ'ውን መግቢ፡ ግዝያዊ መጽለልን ሕክምናዊ ሓገዝን የድልዮም ኣሎ፡" ኢሉ።
ሓብቱ ብህይወት ክትርከብ ይጽሊ ከም ዘሎን፡ "10 ሚእታዊት ዝኸውን ዕድል ኣሎ ዝብል ተስፋ ኣሎና" ክብልን ገሊጹ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



