ቻይና፡ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ንታሪኻዊ ሳልሳይ እብረ ተመሪጹ

ሺ ዢንፒንግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

መራሒ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ሺ ዢንፒንግ ንታሪኻዊ ሳልሳይ እብረ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ክቕጽል በቲ ስማዊ ተባሂሉ ዝግለጽ ሃገራዊ ህዝባዊ ጉባኤ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ ተመሪጹ።

እቲ ወዲ 69 ዓመት፡ ስልጣኑ ከደልድል ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ፡ ንሳልሳይ እብረ ስልጣን ክጭብጥ ክኢሉ ዘሎ።

ብመሰረት ስርዓተ-ምምሕዳር ቻይና፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዳርጋ ስማዊ ምዃኑ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ ቀንዲ ጽልዋ ፕረዚደንት ሺ፡ ዋና ጸሓፊ ገዛኢ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ብምዃኑ እዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣቦመንበር ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮሚሽን ናይቲ ሰልፊ ምዃኑ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ናይ ምቁጽጻር ዕድል ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ዴሳዊ ሰልፊ፡ ክልቲኡ መዝነታት ተረኪቡ ነይሩ።

ስለዝኾነ ድማ'ዩ፡ ንሳልሳይ እብረ ፕረዚደንት ኮይኑ ክምረጽ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ።

እቲ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዝወሃብ መዝነት ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ሚኒስተራትን ግን እቲ ዝለዓለ ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ ጉዳይ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ሓደስቲ ሰብመዚ ቀንዲ ደገፍቲ ፕረዚደንት ሺ ክኾኑ'ዮም ዝብል ግምታት ኣሎ። ሓደ ካብኦም እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ሊ ኲያንግ እዩ።

ሺ ዢንፒንግ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንምእዛዝ ዘኽእሎ ኣቦመንበር ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮሚሽን (መንግስታዊ) ኮይኑ ተመዚዙ ነይሩ'ዩ- ኣብታ ሃገር ዘለዉ ክልተ ተመሳሰልቲ ወተሃደራዊ ኮሚሽናት፡ ብደረጃ መንግስትን ዴሳዊ ሰልፍን ዝቖሙ'ዮም።

ኣብታ ካብ ተሪር ዕጽዋን ምስኡ ዝተሓሓዝ ተቓውሞታትን ትወጽእ ዘላ ቻይና፡ እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ወሊድ ህዝቢ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት እዩ።

ምስ ኣመሪካ ዘለዋ እናተሓላለኸ ዝኸይድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና'ውን ሓደ ካብቶም ንሳልሳይ እብረ መሪሕነት ሺ ዝብድሁ ፈተነታት ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻሜታት ባሎናት ስለያ ንዝጸንሐን ተነቃፊ ዝምድና ኣሻሕኪርዎ ይርከብ።

ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሲንጋፖር ተመራማሪ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዝኾነ ፕሮፌሰር ኢያን ቾንግ፡ ከምዝበሎ ምድላብ ስልጣንን ሓይሊን ሺ ዢንፒንግ ነቶም ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ እንታይ ተራ ክህልዎ ይኽእል ንምርኣይ ምጽባይ ክሓትት'ዩ ይብል።

"ከምዝመስለኒ፡ ሺ ንኹሉ ነገር ኣብ ትሕቲ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብምምእካል ነቶም ዝተፈላለዩ ጉዳያት ፍታሕ ክረኽበሎም'ዩ ዝጽዕር ዘሎ"።

እቲ ኣብዚ ሰሙን ኣኼባታት ዘካይድ ዘሎ ክልተ መጋባእያታት ሃገራዊ ህዝባዊ ጉባኤን፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ዋዕላ ምኽክርን፡ ናይ ዝመጽእ ዓመታት ኣመታት ዝህብ ኣገዳሲ መድረኽ ምዃኑ ይግለጽ።

ካብ ፈላሚ መራሒ ዴሳዊ ሰልፊን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ዝነበረ ማኦ ዘዶንግ ጀሚሩ፡ መራሕቲ ንክልተ እብረ'ዮም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ።

ሺ ዢንፒንግ ግን ኣብ 2018 ነቲ ሕጊ ብምምሕያሽ ንሳልሳይ እብረ ከቐጽሎ ዝኽእል መንገዲ ጸሪጉ።

እቲ ሓጋጊ ኣካል እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንወዲ 68 ዓመት ኣባል ፖሊት ቢሮ ሰልፊ ዝነበረ ሃን ዘንግ ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን መሪጽዎ'ሎ።

እቲ ጽፍሒ ፍሉጥ ሓላፍነት ዘለዎ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ዋንግ ኲሻን፡ ነቲ ፕረዚደንት ሺ ከካይዶ ዝጸንሐ ወፍሪ ኣንጻር ብልሽውና ይመርሖ ምንባሩ ይንገር።

ስለዚ ድማ'ዩ እቲ ሓድሽ ምክትል ፕረዚደንት ንትእዛዝ ሺ ዢንፒንግ ከተግብር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ሺ ዢንፒንግ ንሳልሳይ እብረ ምምራጹ ዮናኡ ከምዝገለጸሉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጥዕና ዘለዎ ናይ ብዙሓት ዓለማዊ ቅርጺን ተኽእሎ ምሕያል ክልተኣዊ ምትእስሳርን ኣብ ምርግጋጽ ንኣበርክቶ ህዝባዊ ሪፓብሊክ ቻይና ኣስሚሩሉ" ክብል እቲ ሚኒስተር ጽሒፉ'ሎ።