ኢትዮጵያ: መንግስቲ ብዛዕባ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጭንቂ ዝርከቡ ዜጋታት፡ እንታይ ኢሉ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ፅንኩር ኩነታት ዝርከቡ፡ ብፍላይ ድማ ሕጋዊ ፍርዲ ዝተመሓላለፎም ኣመልኪቱ፡ ብቐረባ ይከታተልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እታ ሃገር፡ ይዘራረበሉ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብውሕዱ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምስ ዕፀፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ይፅበዮም ከምዘሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ምንጭታት ቢቢሲን ብምጥቃስ ክንፅብፅብ ምፅናሕና ይዝከር።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሁዩማን ራይትስዎች፡ ብ21 ሚያዝያ 2018 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ ፀብፂብ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብፍላይ ምስ ዕፀፋርስ ዝተኣሳሰሩ ገበናት፡ ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም ብዙሓት ወፃእተኛታት ከምዝቐተለት ሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ብዘይጐነፃዊ ገበናት ዝተኸሱ፡ መሰረታዊ ግቡእ መስርሕ ዝተኸልከሉ ወፃእተኛታት ብሞት ንምቕፃዕ ዘለዋ ድልውነት፡ ንመሰልን ህይወትን እቶም ግዳያት ዘሎ ከቢድ ሸለልትነት ከምዘርኢ፡ እቲ ትካል ይኸስስ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፡ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ተዳጒኖም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ንኣብነት፡ "ልዕሊ 200 ንሞት ዝተፈርዱ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካሚስ ሙሻይት ተኣሲሮም፡" ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ እቶም ዝበዝሑ ተጋሩ ዝርከቡዎም ኢትዮጵያውያን ዜጋታት፡ ኣብ ፃዕሪ ኣፍ ሞት ከም ዝርከቡ ንግዳያትን ኣባላት ስደራን ኣዘራሪቡ ሰፊሕ ሓተታ ምስናድኡ ይዝከር።

ኣብ መጀመርታ ሰነ፡ ስዑዲ ዓረብ ንኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ብሞት ከም ዝቐፅዐት ክትሕብር እንከላ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 1,600 ዜጋታታ መሕረት ከም ዝተገብረሎም ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

እቶም ኣርባዕተ ሞት ዝተፈርዶም ኢትዮጵያውያን፡ ሓሺሽ ሒዞም ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምእታዎም ከም ዝዀነ እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣቢሉ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ዜጋታት ድሕነትን ውሕስናን ንምርግጋፅ፡ ቆንስላዊ ደገፍን ዓቢ ኣገዳስነት ይህብ ከምዘሎ እዩ ዝገልፅ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጭንቂ ዝርከቡ ዜጋታት ኣፍልጦ እንተለዎ ወይ ድማ ዝገብሮ ፃዕሪ እንተሎ ብተደጋገሚ ሓቲቱ ምላሽ ክረክብ ኣይከኣለን።

መንግስቲ ኣብቲ ሎሚ ዘውፀኦ መግለፂ ግን፡ ብላዕለዋይ ኣመራርሓኡ ኣቢሉ፡ ምስ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ "ኣብ ጉዳይ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት፡ ተኸታታሊ ዘተ" የካይዱ ከምዘለዉ እዩ ዝገልፅ።

እንተዀነ፡ ብመንግስታዊ ፃዕሪ እንታይ እወታዊ ውፅኢት ከምዝተረኽበ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተገልፀን።

እቲ መግለፂ ከምዝብሎ ግን፡ መንግስቲ ብመንገዲ ኣብ ርያድ ዝርከብ ኤምባሲን፡ ኣብ ኣብ ጅዳን ዝርከብ ዋና ቆንስልን ኣቢሉ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብዝገብሮ ዘሎ ዝርርብ፡ እቶም ዜጋታት፡ ሰብኣዊ ምሕረት፡ ቆንስላዊ ድጋፍን ግቡእ ፍታሕን ክወሃቦም ይሓትት ኣሎ።

"እዚ ቀጻሊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት እወታዊ ሰብኣዊ ውጽኢት ኣምጺኡ ኣሎ" ይብል እቲ መግለፂ።

ክሳብ ሎሚ ብድምር 1,971 ኢትዮጵያውያን ብሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝተዋህቦም ንጉሳዊ ምሕረት ተጠቀምቲ ከምዝዀኑን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ዜጋታት ብቐፃሊ ናብ ዓዶም ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎን ይገልፅ።

እዚ መስርሕ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቆንስላውን ሰብኣውን ጉዳያት ዘሎ ምትሕብባርን ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድናን ዘንጸባርቕ ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዜጋታቱ ኣጥቢቝ ከምዝግደስን፡ ነቶም ዛጊድ ፍታሕ ዘይረኸቡ ዝበሎም ዝተረፉ ዜጋታት ንምሕጋዝ ፃዕሪታቱ ኣበርቲዑ ከምዝቕፅልን ይሕብር።

እቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘሎ ኵነታት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ንሓያሎ ወገናት ከሻቕል ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ነቶም ሞት ተፈሪዱዎም ዝነበሩ ስደተኛታት ምሕረት ንኽግበረሎም ናብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ።

ደብረጽዮን ናብ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፋይሰል ቢን ፋርሓን ኣል ስዑድ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ብኣማኢት ዝግመቱ ትግራዎት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱዎም ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ኵነታት ደው ከብሎ ተማሕጺኑ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ፡ ነቲ ምስ እስልምና ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ምድረ-ሓበሻን ለበዋ ነቢይ መሓመድን ብምጥቃስ፡ "መንግስቲ ስዑዲ ነዚ ታሪኻዊ ሕውነት ብምዝካር ነዞም ኢትዮጵያውያን ምሕረት ገይሩ ናብ ዓዶም ብሰላም ክሰዶም ብስም እምነት እስልምናን ሰብኣውነትን ንጽውዕ፡" ክብል ልመናኡ ኣቕሪቡ ነይሩ።