ካርቱም፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይትን ህንጻ ሕቡራት ሃገራትን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን ቍጽሪ ግዳያት ወሲኹ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ርእሰ-ከተማ ሱዳን ካርቱምን ከባቢኣን ብሰንበት ወጋሕታ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮናት፡ ሓደ ቈልዓ ሓዊሱ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰለማውያን ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይትን ሰራሕተኛታት ኣብ ዝነበርዎ ህንጻ ሕቡራት ሃገራትን ከቢድ ዕንወት ወሪዱ።

እዚ መጥቃዕቲ ድሮን ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተበገሰ ሰራዊት ሱዳን ብምኽሳሱ፡ ነቲ ራብዓይ ዓመቱ ዘቝጸረ ኲናት ሓድሕድ ናብ ዝለዓለ ዞባውን ዲፕሎማስያውን ወጥሪ ኣደይብዎ ኣሎ።

ካብ ሰዓት 2፡00 ክሳዕ 4፡30 ናይ ወጋሕታ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱምን ዝተፈላለዩ ጐደናታትን ከበድቲ ደሃይ ነትጒ ከም ዝተሰምዐ ነበርቲ ሓቢሮም።

ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ከም ዘረጋገጾ፡ ጸረ-ነፈርቲ ምክልኻል ኣየር ሰራዊት ሱዳን ነቲ መጥቃዕቲ ድሮናት ንምምካት ተዅሲ ከፊቱ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ብወግዒ ዝተፈልጠ ቍጽሪ ግዳያት ከም ዘየሎ እኳ እንተ ተገልጸ፡ ድሒሮም ካብ ሆስፒታላትን ናይ ከባቢ ምንጭታትን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ግን፡ ኣብ ሰሜን ኡምዱርማን ብዝወደቐ ድሮን ሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ክሞቱ ከለዉ ትሽዓተ ድማ ቈሲሎም እዮም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ደቡብ ካርቱም 45 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጀበል ኣውልያ፡ ገዛ ሓደ ሙኣዚን ብድሮን ተሃሪሙ ሓደ ቈልዓ ህይወቱ ሓሊፉ።

ማዕከን ዜና ፈረንሳ ዘውጽኦ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ መንበሪ ገዛ ምሉእ ብምሉእ ፈሪሱ ናብ ሓመድ ተቐዪሩ ክርአ እንከሎ፡ ኣቑሑ ገዛን ክዳውንትን ድማ ኣብቲ ፍርስራስ ፋሕ ኢሉ ተራእዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ኣል-ኑር ኣዳም ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እዚ መጥቃዕቲ ፍጹም ኣድልዎ ዘይብሉ እዩ። ደቂስካ ከለኻ መጥቃዕቲ ክወርድ ይኽእል፡ ብር ምስ በልካ ደቅኻ ስኢንካ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ... እዚ ብሓቂ ኣዝዩ ኣሰቃቒ እዩ። ዋላ ሓንቲ ውሑስ ነገር የሎን፡" ኢሉ።

ካልእ ነባሪ ዝዀነ ያሲር ሓሰን ብወገኑ፡ እቶም ኣብቲ ዝዓነወ ገዛ ዝነበሩ ስድራቤት ንነዊሕ እዋን መዕቈቢ ድሕሪ ምድላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብኡ ከም ዝሰፈሩ ብምጥቃስ፡ "ድሮን መጺኡ ሃሪምዎም። ሕጂ ደኣ ናበይ ኢና ክንከይድ?" ክብል ብምረት ተዛሪቡ።

"ኣብ ሓደጋ ምውዳቕና ቅቡል ኣይኰነን" — ሕቡራት ሃገራት

ቤት ጽሕፈት ምውዳብ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ መንበሪ ከባቢ ዝርከብ ህንጻ ኣብ ዝነበርሉ እዋን መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶም ኣረጋጊጹ።

ኦቻ፡ "ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ክንቃላዕ ቅቡል ኣይኰነን፡" ብምባል፡ ኣካየድቲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ንብረቶምን ብዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ውሑሳት ክዀኑ ከም ዝግባእ ኣስሚርሉ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዝወረደ ዕንወት፡ ነቲ ኣብታ ብጥሜትን ብሕጽረት ረድኤትን እትሳቐ ዘላ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ናይ ረድኤት ጕዕዞ ብዝያዳ ከም ዘተዓናቕፎ ተገሊጹ ኣሎ።

ክሲ ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ወጥርን

ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ምንጪ ሱዳን ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ድሮናት ካብ ኢትዮጵያ መዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳር ከም ዝተበገሳ ብምጥቃስ፡ "ናይ ሎሚ ወጋሕታ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መሬት ሱዳን እተካይዶ ዘላ ተጻብኦ መቐጸልታ እዩ፡" ክብል ከሲሱ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳንን ልዑላዊ ባይቶን፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ መዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳርን ኣሶሳን ተጠቒሞም መጥቃዕቲ ድሮን ይፍጽሙ ኣለዉ ብምባል ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ወግዓዊ ናይ ክሲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም እዮም።

ኢትዮጵያ ግን ነዚ ክስታት ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ እያ። ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ብወገኖም ብዛዕባ እዚ ናይ ሰንበት መጥቃዕቲ ዛጊት ዝሃብዎ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ነቲ መጥቃዕቲ "ጨካን" ክብል ብምግላጽ ብትሪ ከም ዝነጸጎ ኣፍሊጡ።

ግብጺ'ውን ብወገና እቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዝወረደ መጥቃዕቲ ብምዅናን ኵሉ ወገን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብር ጸዊዓ።

ክልተአን ሃገራት ንልዑላውነትን ሓድነትን ትካላት መንግስቲ ሱዳን ዘለወን ደገፍ ኣረጋጊጸን።

ብወገን ኣመሪካ፡ ልኡኽ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ማሳድ ቡሎስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝተፈጸመ ብምሕባር፡ "ናብ ሱዳን ዝውሕዝ ዘሎ፡ ሞትን ዕንወትን ዘስዕብን ነዚ ኣሰቃቒ ግጭት ዘናውሕን ዘሎ ኣጽዋር፡ ብፍላይ ድማ ድሮናት፡ ደው ክብል ኣለዎ፡" ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ተጻባእቲ ወገናት ቅልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳድ ናብ ምቍራጽ ተዅስን ዘተ ሰላምን ክኣትዉ ጸዊዑ።

ምስፍሕፋሕ ኲናት ድሮናትን ስትራተጅያዊ ውግእን

እዚ ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ልዕሊ 200,000 ሰባት ከም ዝቐተለን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበደ ናይ ጥሜትን ምምዝባልን ቅልውላው ከም ዘስዓበን ይግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ክልተኦም ተናሓናሕቲ ወገናት ካብ ኣብ ባይታ ዝካየድ ግጥም ወጺኦም ርሑቕ ክሃርሙ ብዝኽእሉ ድሮናት ክዋግኡ ምጅማሮም ባህሪ እቲ ውግእ ቀይርዎ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ናይዚ ዓመት ጥራይ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ልዕሊ 1,100 ሰባት ዝሞቱ ኰይኖም፡ ካብቶም ዝተቐትሉን ዝቘሰሉን ቈልዑ እቶም ክልተ-ሲሶ ግዳያት መጥቃዕቲ ድሮን እዮም።

ቅድሚ መዓልታት እውን ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ድሮን ኣርባዕተ ቈልዑ ሓዊሱ 15 ሰባት ከም ዝቐተለ ማዕከን ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ ነይሩ።

ክልተኦም ሓይልታት ነቲ ብማዕድናት ሃብታም ዝዀነን ንማእከላይ ሱዳን ምስ ዳርፉር ዘራኽብን ቍጠባዊ ከምኡ'ውን ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ኮርዶፋን ንምቍጽጻር ጽዑቕ ውግእ የካይዱ ኣለዉ።