እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኤርትራ፡ ሆስፒታል ኦሮታ ካብ ኣመሪካ ምስ ዝመጽአ ጕጅለ ዕዉት መጥባሕቲ ኣካይዱ

ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ካብ ኣመሪካ ምስ ዝመጽአ ጕጅለ ብምዃን፡ ን45 ሕሙማት ዕዉት ናይ መንከስን ገጽን መብጣሕቲ ከም ዝተኻየደ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ጸብጺቡ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ቬና፡ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ገጠምቲ ተኻይዱ
  • ኲናት ሱዳን ንኸብቅዕ ሩብዮን ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢማራትን ተዛትዮም
  • ኣመሪካዊ ሰነተር ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ግጭት ንዞባዊ ርግኣትን ረብሓታት ኣመሪካን ከም ዘስግእ ኣጠንቂቑ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ግብጺ ክልተ ንኣሽቱ ደቁ ዝቐተለ ኣሰናደኢ መደብ ቴለቪዥን የዘራርብ ኣሎ

    ሓደ ግብፃዊ ኣቦ፡ ክልተ ንኣሽቱ ደቁ 'ገንዘብ ሰሪቖምኒ' ብምባል ቀጥቂጡ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብታ ሃገር ኣዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣሎ።

    እቲ ኣሰልጣኒ ብቕዓትን ኣቕራቢ መደብ ተለቪዥንን ኣቦ፡ ንደቁ ብኸቢድ ከም ዝሃረሞምን ሞት ከም ዘስዓበን መባእታዊ መርመራታት ይሕብር።

    እዚ ፍጻመ ኣብ ግብጺ ብዛዕባ ወለድን ተግሳፅ ደቈምን፡ ከምኡ’ውን ህጻናት ካብ ዓመጽ ወለዶም ብኸመይ ይከላኸሉሉ ዝብል ክትዕ ኣልዒሉ ኣሎ።

    ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ግብጺ፡ እቲ ወዲ 40 ዓመት ጥርጡር፡ ኣብ ምምሕዳር ጊዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ታልብያ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ዕድሚኦም ደቂ ሸውዓተን ትሽዓተን ዝዀኑ ደቁ እዩ ገሪፉ ጉድኣት ኣብፂሑሎም ዘሎ።

    እቲ ኣቦ፡ እቶም ደቁ ገንዘብ ሰሪቖምና ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ብቑጥዐ፡ ብሕሱም ከም ዝሃረሞምን ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዘውረዶምን ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ​​እቲ ጥርጡር፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ መጉዳእቲ ውጽኢት ሓደጋ መኪና ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ዓቢ ቆልዓ ናብ ሆስፒታል ወሲድዎ።

    እቲ ህጻን ንኣስታት 10 መዓልታት ሕክምናዊ ክንክን እኳ እንተገበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብሰንኪ እቲ ዝወረዶ ከቢድ መጉዳእቲ ህይወቱ ክተርፍ ኣይከኣለን።

    እንተኾነ፡ ኣብ ኣካላት እቲ ህጻን ዝተራእየ መጉዳእቲ፡ ነቲ ኣቦ ብዛዕባ ሓደጋ መኪና ዝሃቦ ጸብጻብ ጥርጣረ ብምፍጣሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ኩነታት ክምርምሩ ደሪኽዎም።

    ነዚ ስዒቡ ዝተገብረ መርመራታት ድማ፡ እቲ ንእሽቶ ሓው እውን ከም ዝሞተን፡ ሬስኡ ኣብ ጥቓ እታ ዝነብሩላ ከተማ ኣብ ዝርከብ በረኻ ከም ዝተቐብረን ኣረጋጊጹ።

    ኣብ እዋን መርመራ፡ ተኸሳሲ ንኽልቲኦም ደቁ ከም ዝሃረሞም ኣሚኑ ኣሎ፤ ንሓይልታት ጸጥታ መሪሑ ናብቲ ሬሳ’ቲ ንእሽቶ ወዱ ዝተቐብረሉ ቦታ’ውን ወሲዱ ኣርእዩዎም።

    ዓቃቢ ሕጊ ግብጺ፡ እቲ ጥርጡር መርመራ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ ኣዚዙ፡ ኮነ ኢልካ ቕትለት ምፍፃም ዝብል ክሲ ኣቕሪቡሉ ኣሎ።

  2. ነበርቲ ሓንቲ ቍሸት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ን ‘ምንፃል’ ኣድሚፆም

    መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ መደበር ኣየር ነበር፡ ስደተኛታት ንምዕቃብ ዝተወጠነ መደብ ብምቅዋም፡ ነበርቲ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ “ክንፀሉ” ኣድሚፆም።

    እቶም ኣብ ግዝኣ ሳፎልክ ብሪጣንያ፡ ነበርቲ ቁሸት ባርንሃም፡ ብቐዳም “ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ናጻ ክንከውን ዶ ወይስ ኣይፋሉን” ብዝብል እዮም ህዝበ ውሳነ ኣካይዶም።

    እቲ ረፈረንደም ዝተጸውዐ፡ መንግስቲ ነቲ ኣብ ባርንሃም - ኣብ ጥቓ ቤሪ ሴንት ኤድሙንድስን ቴትፎርድን፡ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ንጉሳዊ ሓይሊ ኣየር ዝነበረ - ክሳብ 931 ደቂ ተባዕትዮ ሓተትቲ ዑቕባ ንምትእንጋድ ድሕሪ ምምራጹ እዩ።

    ካብቶም ኣብቲ ህዝበ-ውሳነ ዝተሳተፉ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቶም 257 ወይ 94 ሚእታዊት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምፍላይ ዝድግፍ ድምጺ ሂቦም።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ 16 ሰባት ነቲ እማመ ብኣንጻሩ ከድምፁ እንከለዉ፡ ሓደ ድምጺ ድማ ውድቂ ዀይኑ።

    ውጽኢት ናይዚ ድምፂ ሕጋዊ ግዴታ ዘይብሉን ኣብ ግብሪ ዘይውዕልን’ኳ እንተኾነ፡ ነበርቲ “ናጽነት” ዓዶም ንምምልካት ባንዴራ ሰቚሎም ኣለዉ።

    ኣቦ መንበር ናይቲ ከባቢ ባይቶ ጆን ባውር፡ ካብ ሕጂ ንደሓር እታ ቁሸት ሳፎልክ ንነብሳ “ቤይሊዊክ ኦፍ ባርንሃም” ኢላ ክትጽውዓ ምዃና ገሊጹ።

    ነበርቲ እዚ ንውጥን መንግስቲ ንምቅዋም ዝካየድ ምሳልያዊ ረፈረንደም-ብጭቡጥ ቁሸት ባርንሃም ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትንፀል ዘኽእል’ኳ እንተዘይኮነ፡ “ቀዳማይ ስጉምቲ’ዩ” ክብሉ ኣመልኪቶም።

    ባርንሃም ንመንግስቲ ስደተኛታት ንምዕቃብ ዝሓንጸጾ ውጥን ብምቅዋም ከምዚ ዓይነት ምሳልያዊ ህዝበ-ውሳነ ዘካየደት ካልኣይቲ ዓዲ ኮይና ኣላ።

  3. ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2070 ብብዝሒ ህዝቢ ክርስትያን ኣብ ዓለም 3ይ ደረጃ ከም እትሕዝ ተተንቢሁ

    ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብሓደ ዓለማዊ ትካል ምርምር ዝተዘርግሐ ትንበያ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 44 ዓመታት፡ ብጽሒት ሰዓብቲ እስልምና ካብ ውሽጢ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ካብ ዘሎ 36 ሚእታዊት ናብ ኣስታት 46 ሚእታዊት ከምዝዓቢ ኣመልኪቱ።

    ማእከል ምርምር ፒው፡ ዝሓለፈ ረቡዕ 9 ሕዳር 2019 ዓ.ም ኣብ ዝተሓትመ መጽናዕቱ፡ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ዓመት- ክሳብ 2035- እስልምና ብብዝሒ ተኸተልቱ ዝዓበየ ሃይማኖት ዓለም ክኸውን ምዃኑ ኣተንቢሁ ኣሎ።

    ብመሰረት እቲ ትንበያ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝዀነ ክርስትና፡ እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣስላም ግን ብዝቐልጠፈ ፍጥነት ክሓልፎ እዩ።

    ኣብ 2035 ብዝሒ ኣስላም 2.57 ቢልዮን ክበጽሕ እንከሎ፡ ብዝሒ ሰዓብቲ ክርስትና ድማ 2.52 ቢልዮን ክኸውን ትጽቢት ይግበር፡ እዚ ድማ ካብ ህዝቢ ኣስላም 50 ሚልዮን ዝወሓደ እዩ።

    ኣብ 2070 ግን ኣብ መንጎ ክልቲአን ዓበይቲ ሃይማኖታት ዘሎ ፍልልይ ናብ 680 ሚልዮን ክዓቢ እዩ።

    እቲ ትንበያ፡ እስልምና መሪሕነቱ ክቕጽል ምዃኑን፡ ድሕሪ 44 ዓመታት 3.64 ቢልዮን ተኸተልቲ ክበጽሕ ምዃኑን ይሕብሩ።

    ብመሰረት እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2070 ዝሽፍን ትንበያታት፡ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 44 ዓመት ልዕሊ 280 ሚልዮን ክበፅሕ እዩ።

    ኣብ 2070 ዓ.ም ልዕሊ 150 ሚልዮን ተኸተልቲ ክርስትያን ከምዝህልዋ ዝተተነበየት ኢትዮጵያ፡ ብመንፅር ብዝሒ ህዝቢ ሰዓብቲ ክርስትና፡ ኣብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክትስራዕ ትፅቢት ይግበር።

    ተዛመድቲ ዜናታት፡

  4. ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኣመሪካ ብዛዕባ ኲናት ኢራንን ባጀት ምክልኻልን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ

    ምስ ኲናት ኢራን ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ባጀት ክፍሊ ምክልኻል ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ክዕፆ ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።

    ምስቲ ኲናት ብዝዛመድ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኮንግረስ ኣመሪካ ንሚኒስትሪ ምክልኻል (ፔንታጎን) ተወሳኺ 350 ቢልዮን ዶላር ክስለዐሉ ምሕታቱ፡ ባጀት ፌደራል መንግስቲ ክዕንቀፍ ከምዝኽእል ይግለጽ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ኣባላት ባይቶ ክልቲኡ ሰልፍታት ዲሞክራስያውያንን ሪፓብሊካንን፡ እዚ ፍልልይ መንግስቲታዊ በጀት ከይፀድቕ ክዓግት ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

    እቲ ንመንግስታዊ ትካላት ኣመሪካ ዝወሃብ ምወላ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ክውዳእ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን፡ ኣባላት ኮንግረስ ስራሕቲ ፌደራል ብዘይ ምቁራጽ ክቕጽል ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ተሪፍዎም ኣሎ።

    እዚ ዘይምርድዳእ ብፍላይ ኣብ ሰኔት [ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት] ኣመሪካ ጐሊሑ ይርአ ተባሂሉ።

    ውጥን ባጀት ንኽሓልፍ ካብቶም 100 ሰነተራት እንተወሓደ 60 ድምጺ ይሓትት- እዚ ድማ ካብ ክልቲኦም ሰልፍታት ደገፍ የድሊ።

    ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ክኸይድ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ወከልቲ ክልቲኦም ውድባት ኣብ ክሊ እዞም ወሰንቲ ጉዳያት ኣብ ዓሚቝ ዘይምርድዳእ ይርከቡ።

    ካልኦት ተዛመድቲ ዜናታት፡

  5. ከመይ ሓዲርኩም!

    ክቡራት ኣንበብትን ተመልከትትን ቢቢሲ ትግርኛ ከመይ ሓዲርኩም፤

    ኣብዚ ቀጥታዊ ሽፋንና፡ ሓደሽቲ ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት' ዚ ዕለት ክነቕርበልኩም ክንጅመር ኢና።

    ብሩኽ ሰንበት ክዀነልኩም ንምነ!

  6. ንነታንያሁ ብቕልጡፍ ካብ ስልጣን ኣልዩ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዝምስርት መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ገሊጹ

    ንዝቕጽል መንግስቲ እስራኤል ንምምስራት ሓላፍነት ዝተዋህቦ ጋዲ ኣይዘንኮት፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምቛም ዝካየዱ ዘተታት ክናውሑ ከምዘይፈቅድ ገሊጹ።

    እዚ መደረ ናይቲ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት እስራኤል ነበር ብዛዕባ ቀጻሊ ኣንፈት ምክፍፋል ንዘጋጠሞ ናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ልፍንቲ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ኮይኑ ተወሲዱ ኣሎ።

    ጋዲ ዝመርሖ ጥምረት ኣብ ክልተ ኣማራጺታት ተቐርቂሩ ይርከብ። እቲ ሓደ ኣማራጺ፡ ምስ ሰልፊታት ኣይሁድ ወይ ድማ ብኣብዝሓ ዓረብ ምስ ዝኾኑ ሰልፍታት ጥምረት ምፍጣር እዩ።

    ጋዲ ኣይዘንኮት ምስ ሰልፊታት ዓረብ ጥምረት ከምዘይፈጥር ቅድሚ ሕጂ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። በዚ ድማ ኣብዝሓ መናብር ንምሓዝ ዘኽእሎ ጥምረት ዘይምስርት እንተዀይኑ፡ እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ብግዝያዊ ኣመሓዳርነት ዘጽንሕ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ምምስራት እዩ።

    ጋዲ ኣይዘንኮት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “እዚ ጉዳይ እዚ ክናዋሕ ናይ ምፍቃድ ድሌት የብለይን። እቲ ትኽክለኛ ግዜ ምስ ኣኸለ ሓድሽ መንግስቲ፤ ኣነ ዝመርሖ ጽቡቕ መንግስቲ ፍቓድ ንኽረክብ ናብ ባይቶ (ክኔሴት) ከቕርቦ እየ” ኢሉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ እስራኤል ክልቲኦም ወገናት ኣብዝሓ መናብር ብምሓዝ ብንጹር ክዕወቱ ኣይከኣሉን። ነዚ ስዒቡ ኣይዘንኮት መንግስቲ ንምምስራት ንኽፍትን ብፕረዚደንት እታ ሃገር ተመሪጹ።

    ኣይዘንኮት፡ ንነታንያሁ ዝትክእ መንግስቲ ንምምስራት ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ ተሪፍዎ ኣሎ። እቲ መራሒ ተቓወምቲ ብግዴታ ልፍንቲ ንምምስራት ዝግበር ፈተነ ከምዘየለ ዝገለጸ ኮይኑ ብቕልጡፍ ስጉምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

    “ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ዞባ ኢና ዘለና። እቲ ተሰናባቲ ቀዳማይ ምኒስተር ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ብዘይንፈልጥ መንገዲ ይንቀሳቐስ ኣሎ” ኢሉ። ወሲኹ ድማ “ቀዳምነት ዝወሃቦም ወተሃደራዊ ጉዳያት ምስ ፖለቲካዊ ረብሓ ተኣሳሲሮም ኣለዉ፤ ሰሌዳ ግዜ ወተሃደራዊ ወፍርታት እውን ምስ ፖለቲካዊ ዓውደ-ኣዋርሕ ተሓዋዊሱ ኣሎ” ክብል ነቒፉ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ወፍሪ መጥቃዕቲ ንምኽፋት ልዑል ድሌት ከምዘለዎ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።

    ሰራዊት እስራኤል ምስ ኢራን ንዝካየድ ሓድሽ ዙር ውግእ ከምዝተዳለወን፡ ብኢራን ንዝፍጸም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዝርከብን ምንጭታት ገሊጾም።

  7. ሕክምና ብቐልቀል፡ ንሕሙማት ዝፍውሱ 'ብሉጻት ለገስቲ' ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ምርምር

    ቀልቀል ናይ ሓደ ጥዑይ ሰብ ወሲድካ ናብ መዓናጡ ሕሙም ናይ ምትእትታው ሕክምና፡ ኣብ ዓለም እናተዘውተረ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ሜላ ፈውሲ ኰይኑ ኣሎ።

    እንተዀነ፡ ካብቶም ቀልቀሎም ንምልጋስ ድሌት ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ሓያል ረቛሒታት ጥዕና ኣማሊኦም ዝሓልፉ ትሕቲ ሰለስተ ሚእታዊት ጥራይ እዮም።

    እቶም ንሕሙማት ብልዑል ደረጃ ናይ ምፍዋስ ፍሉይ ዓቕሚ ዘለዎም "ብሉጻት ለገስቲ" ተባሂሎም ዝጽውዑ ድማ ኣዝዮም ሳሕቲ እዮም ዝርከቡ።

    ኣብ 2013፡ ኣዳም ፈይ ዝተባህለ ተማሃራይ ሕክምና ፡ ብሰንኪ 'ክሎስትሪድዮይድስ ዲፊሲል' ዝተባህለ ንጸረ-ነፍሳት (ኣንቲባዮቲክስ) ዝጻወር ባክተርያ ብኸቢድ ዝተሳቐየት ብዕድመ ዝደፍአት ሕምምቲ ንምድሓን ዘይተለምደ ስጕምቲ ወሰደ።

    እታ ሕምምቲ ብተደጋጋሚ መዓናጡኣ ይልከፍ ብምንባሩ፡ እቲ እንኮ መፍትሒ ጥዑያት ባክተርያታት ካብ ካልእ ሰብ ወሲድካ ናብ መዓናጡኣ ምእታው ጥራይ ነበረ።

    ኣብቲ እዋን ዝተዳለወ ናይ ቀልቀል ባንክ ስለ ዘይነበረ፡ ካብ ቤተሰባ'ውን ለጋሲ ስለ ዝሰኣነት፡ ፈይ ባዕሉ ቀልቀሉ ለገሰላ።

    ነቲ ዝወጽአ ቀልቀል ብጨርቅን ማይ ጨውን ኣጻርዩ፡ ብመሳርሒ መርመራ መዓናጡ (ኮሎኖስኮፒ) ኣቢሉ ናብ ውሽጢ መዓናጡኣ ኣእተዎ።

  8. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣስታት 600 ደቂ ኣንስትዮ ተቐቲለን

    ኣብዚ ዓመት ኣብ መንጎ ሓምለን መስከረምን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 600 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተቐትላ ጸብጻባት እታ ሃገር ኣመልኪቶም።

    እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ኣብ ጆሃንስበርግን ከባቢኣን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ተደርብየን ዝተረኽባ፡ ብኸፊል ዕርቃነንን ኣካላተን ተሃሪመን ዝተረኽባ 13 ደቂ ኣንስትዮ ዘጠቓልል እዩ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዓለም ዝለዓለ መጠን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ቅትለትን ዝፍጸመላ ሃገር እያ።

    ኣብ ዚቀረባ እዋን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ግዝኣት ፍሪ ስቴት ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ቆልዓን ብጥይት ተቐቲሎም ተረኺቦም።

    እቲ ብዓርቢ ዝተዘርግሐ ስታቲስቲክስ ገበናት ከምዘመልክቶ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ሓምለ ክሳብ መስከረም 581 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተቐትላን፡ ካብዚኦም እቶም 131 ኣብ ጆሃንስበርግ ግዝኣት ጋውቴንግ ከምዝተቐትላን ይሕብር።

  9. ኣመሪካዊ ሰነተር ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ግጭት ንዞባዊ ርግኣትን ረብሓታት ኣመሪካን ከም ዘስግእ ኣጠንቂቑ

    ኣቦ መንበር ኮሚተ ጕዳያት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፡ ዞባዊ ርግኣትን ረብሓታት ኣመሪካን ከቢድ ሳዕቤን ከሕድር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ኣባል ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ዝዀነ ወኪል ክፍለ-ግዝኣት ኣይዳሆ ሰነተር ጂም ሪሽ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ኣርሲ፡ መብዛሕትኦም ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝእመነሎም እንተወሓደ 34 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ነቲ ዝተጸብጸበ ቅትለታት ኣካል “ኣስካሕካሒ ኣንፈት” ክብል ገሊጽዎ።

    ሪሽ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ኣስካሕካሒ ኣንፈት እዮም" ኢሉ። ወሲኹ ድማ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእን ዓመጽን ንሰላማውያን ሰባት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዞባን ንረብሓታት ኣመሪካን ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ" ክብል ገሊጹ።

    እቲ ዝተሓበረ መጥቃዕቲ ካብ ርእሰ-ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 400 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቍሸት እንዴቶ፡ ኣብ ጥቓ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም እዩ ተፈጺሙ። ናይ ውሽጢ ዓዲ ማዕከናት ዜና ከም ዝጸብጸባኦ፡ ዕጡቓት ናብታ ቤተ-ክርስትያን ብምቕራብ እቶም ምእመናን ኢዶም ክህቡ ድሕሪ ምሕታቶም፡ ተዅሲ ከፊቶምሎም። ግብረ-መልሲ ተዅሲ ከም ዝሃቡ ዝተገልጹ ናይቲ ከባቢ ሓለውቲ ጸጥታ እውን ካብቶም ዝተቐትሉ ከም ዝዀኑ ተሓቢሩ።

    ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቶም ጸብጻባት ከም ዝፈለጦም ብምግላጽ፡ ናጻ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።

    ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዝወጹ ጸብጻባት ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ስጕምቲ ይሓቱ እዮም። ናጻ መርመራታትን ተሓታትነትን ክህሉ ንጽውዕ" ኢሉ።

    መንነት እቶም ፈጸምቲ መጥቃዕቲ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን። ይዅን እምበር፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጸብጻባት ኣብቲ ክልል ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ምስቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ግብረ-ሽበራዊ ውድብ ዝተፈረጀ ዕጡቕ ጕጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ኣተኣሳሲሮምዎም እዮም።

    ኢትዮጵያ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮምያን ዝካየዱ ግጭታት ሓዊሱ እናወሰኹ ዝኸዱ ብድሆታት ጸጥታ ገጢሞምዋ ኣለዉ። ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብግጭት፡ ፍልሰትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ዝተጸልወ ዞባ ካብ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ተራ ተበጊሱ፡ ኣብዛ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝዀነት ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ንኣመሪካ ሓዊሱ ንኣህጉራውያን መሻርኽቲ ዘተሓሳስብ ጕዳይ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ።

    ተወሳኺ፤

  10. ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ዕዉት ናይ መንከስን ገጽን መብጣሕቲ ተኻይዱ

    ኤርትራውያን ሰብ-ሞያ ሕክምና ምስ ካብ ኣመሪካ ዝመጽአ ጕጅለ ሓካይም “ሰርጀንስ ፎር ስማይል” ብምትሕግጋዝ፡ ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ዕዉት ናይ መንከስን ገጽን መብጣሕቲ ከም ዘካየዱ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ጸብጺቡ።

    እዚ ካብ 16 ክሳዕ 21 ሕዳር ዝተኻየደ መደብ፡ ኣብ ርእሲ፡ መንከስን ክሳድን ንዝወጽኡ ሕበታት፡ ጸገማት መገጣጠሚ መንከስ፡ ናይ ማይ ሕበጣት፡ ሕማማት ጽኪ፡ ከምኡ’ውን ምጭዳድ ከንፈርን ላንቃን ዝኣመሰሉ ጸገማት ንምእላይ ዝዓለመ እዩ።

    ሓኪም ስኒ ኣብቲ ሆስፒታል ዝዀነ ዶክተር ናዝራዊ መሓሪ፡ እቶም ኣመሪካውያን ሰብ-ሞያ መብጣሕቲ ካብ 2007 ጀሚሮም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ እናመጽኡ ናይ መንከስን ገጽን መብጣሕቲ የካይዱ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

    ዶክተር ናዝራዊ ወሲኹ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መደብ ካብ መላእ ሃገር ዝተዋጽኡ፡ ዕድመኦም ካብ 6 ኣዋርሕ ክሳዕ 70 ዓመት ዝዀኑ 45 ሕሙማት ናይ መብጣሕቲ ኣገልግሎት ከም ዝረኸቡ ሓቢሩ።

    እቲ መብጣሕቲ ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝተሰነየ ምንባሩ ዝሓበረ እቲ ዶክተር፡ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ክኢላታት ኣብ ምልውዋጥ ተመኵሮ ዓቢ ረብሓ ከም ዝረኸቡ ኣረዲኡ።

    ወኪል እቲ ኣመሪካዊ ጕጅለ ሓካይም ዝዀነ ዶክተር ኤድዋርድ ዘቦቪትዝ ብወገኑ፡ እቲ ጕጅለ ብመብጣሕቲ ክፍወሱ ኣብ ዝኽእሉ ሕክምናዊ ኵነታት ዘተኰረ ስራሕ ከም ዘካየደ ብምግላጽ፡ ኤርትራውያን ሰብ-ሞያ ክእለቶም የዕብዩን ተመኵሮ ይቐስሙን ከም ዘለዉ ገሊጹ።

    ኣብቲ መደብ ዝተሳተፈ ዶክተር ኣዳም ተስፉ ድማ ብዙሓት ሕሙማት ካብዚ መብጣሕቲ ተጠቀምቲ ከም ዝዀኑን እቲ መደብ ንኤርትራውያን ሰብ-ሞያ ናይ መብጣሕቲ ክእለቶም ንምሕያል ከም ዝሓገዞምን ኣረዲኡ።

    ኣስዒቡ ድማ ኣብ ገጾም ተመሳሳሊ ጸገማት ዘለዎም ዜጋታት ናብ ትካላት ጥዕና ብምቕራብ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ተላብዩ።

    ተወሳኺ፤

  11. ኲናት ሱዳን ንኸብቅዕ ሩብዮን ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢማራትን ተዛትዮም

    ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮን ምክትል ቀዳማይ ምኒስተርን ምኒስተር ጕዳያት ወጻእን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ዓብዱላህ ቢን ዛይድ ኣል ናህያንን፡ ነቲ ኣዕናዊ ግጭት ሱዳን ንምብቃዕ ዝግበሩ ጻዕርታት ኣመልኪቶምከም ዝተዛተዩ ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ክልቲኦም ሰበ-ስልጣን ብዓርቢ ብቴሌፎን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ነቲ ካብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ውግእ ካብ ዝውላዕ ንደሓር፡ ንሱዳን ኣብ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ዘጥሓላ ኲናት መወዳእታ ክግበረሉ ከም ዘድሊ ኣስሚሮምሉ።

    ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፡ ሩብዮ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን ኣብቲ ግጭት ንዝተቐርቀሩ ሰላማውያን ሰባት ኵነታቶም ንምምሕያሽን ዘኽእል ሰብኣዊ ምቍራጽ ተዅሲ ምርካብ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሑ።

    ብተወሳኺ፡ ዘላቒ ስምምዕ ሰላምን ናብ ብሲቪል ዝምራሕ ምሕደራ ዝግበር ምስግጋርን ከም ዘድሊ ኣስሚሩሉ።

    ሱዳን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ብኲናት ተዋሒጣ ኣላ፤ ብሚልዮናት ዝቍጸሩ ሰባት ተመዛቢሎም፡ ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ድማ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎ ይርከብ። ኣህጉራዊ ጻዕርታት ሽምግልና ምቍራጽ ተዅሲ ንምርግጋጽ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ውግእ ግን ኣብ ሓያሎ ዞባታት ቀጺሉ ኣሎ።

    ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ኣብ ዝዓለሙ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ትሳተፍ እኳ እንተ ዀነት፡ ኣብቲ ኲናት ብዘለዋ ተራ ግን ትዅረትን ክስታትን የጋጥማ ኣሎ፤ ኣቡዳቢ ግን ነዚ ክስታት ብቐጻሊ ትነጽጎ እያ።

    እዚ ናይ ቴሌፎን ዘተ ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብ ሱዳን ዘላቒ ምቍራጽ ተዅሲ ንምርግጋጽን ርግኣትን ሲቪላዊ ምሕደራን ክመልስ ዝኽእል ፖለቲካዊ መስርሕ ዳግማይ ንምሕዳስን ንምሕጋዝ፡ ኣብ ልዕሊ ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ተዋሳእቲ ዝግበር ኣህጉራዊ ጸቕጢ እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ተወሳኺ ንባብ፤

  12. መርሓባ ተኸታተሊ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ቀዳመ-ሰንበት፡ ናይ ስራሕን ዕረፍትን ቅንያት ይግበረልኩ።

    ኣብዚ ቀጥታዊ ፈነወና፡ ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ከነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኵሉ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታትና መድረኻት ተዛወሩ - ዝተፈላለየ ኣገደስቲ ትሕዝቶታት ክትረኽቡ ኢኹም።