ሰባት ብሕልሚ ኣቢሎም ክረዳድኡ ይኽእሉዶ?

ኣዒንቶም ሸፊኖም ዝደቀሱ ክልተ ተባዕቶት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብዚ ዘለናዮ ዘሎ ምዕባለ ማሽን ትምህርቲ ቴክኖሎጂ ሕልምታትና ከርዳእ ከምዝኽል ተራእዩ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ግን ብጭቡጥ ሕልምታትና ምስ ካልኦት ክንካፈል እንተንደለና'ኸ?

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ምልክታት ሓንጎል ክንትርጕምን ኣብ ሓንጎል ዝተቐረጹ ትርኢታትን ልዑል ደረጃ ዘለዎም ሓሳባትን ክንፈልጥን ንኽእል ኢና።

እንተዀነ፡ ነዚኦም ናብ ካልእ ሓንጎል ነሰጋግረሉ መንገዲ ዛጊት የለን።

ንመብዛሕትና፡ ኣብ እዋን ድቃስ ኮምፒዩተራት ሓሳባት ብቐጥታ ናብ ሓንጎልና ክሰርጹ ምግባር ዝብል ሓሳብ ቅሩብ ቅሳነት ዝህብ ኣይኮነን።

ንግዚኡ እቲ ዘለና እንኮ ኣማራጺ ህዋሳት ስምዒትና ምጥቃም ጥራይ እዩ።

ኣብ እዋን ድቃስ ብእዝንና ዝንገሩና ቃላት፡ ካብ ሓደ ዝደቀሰ ሰብ ናብ ካልእ ዝደቀሰ ሰብ ሓበሬታ ንምስግጋር ዝሕግዝ መንገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ድቃስ ዘሎ ሰብ ግን ከመይ ኢሉ ክዛረብ ወይ ክሰምዕ ይኽእል?

ኣብ ሕልሚ ዘላ እትመስል ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Andy Potts

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ፡ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ንላዕሊ ከቢድ እዩ።

ብድቅሶም ዝዛረቡ ሰባት ሶምኒሎክዊስት ይበሃሉ። እዚ ኵነታት እዚ፡ ብሰንኪ ጸቕጢ እዩ ዝመጽእ።

እቲ ዝገርም ኣብ እዋን ድቃስ ዘስምዕዎ ምጕርምራምን ቃላትን ኣብ ትሕቲ ሕልናዊ ቍጽጽር ኣይኮነን።

ሰባት ኣብ እዋን ድቃስ ድምጽታት ናይ ምስማዕ ክእለትና ትሑት እዩ።

ኣብ እዋን ድቃስ ዝስምዑ ድምጽታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምዝንባዕ ድቃስን ጸቕጥን የስዕቡ እዮም።

ኣብዚ ክሕግዝ ዝኽእል ሓደ ዓይነት ሕልሚ ግን ኣሎ - ሉሲድ ድሪሚንግ (ንጹር ሕልሚ) ንብሎ።

እዚ ድማ ደቂስና ንሓልም ከም ዘለና ምሉእ ብምሉእ እንፈልጠሉ ተመኵሮ እዩ። እዚ ማለት ኵነታት ንቕሓት ሕልናና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንከባብን ኣካላዊ ሕግታትን ናይቲ ሕልሚ ብንጥፈት ክቈጻጸሮ ይኽእል።

እዚ ሳሕቲ ዝረአ ዓይነት ሕልሚ፡ ዝተፈላለዩ ሜላታት ተጠቒምና ቅሩብ ልምምድ ብምግባር ክለዓዓል ይኽእል።

ምናልባት ኣብዚ ኵነታት እዚ ዘለዉ ክልተ ሓለምቲ ብሓቂ ክረዳድኡ ይኽእሉ'ዶ ይዀኑ?

ረምስፔስ ዝተበሃለ ኩባንያ ከምዝብሎ፡ ምርድዳእ ክልተ ሓለምቲ ዝከኣል ጥራይ ዘይኰነስ ዝግበር እውን እዩ።

እቲ ትካል፡ ግዳማዊ ድፍኢት ወይ ምልዕዓል ተጠቒሞም ሓደ ዝደቀሰ ሰብ ናብ ንጹር ናይ ሕልሚ ኵነታት ንኽኣቱ ሓጊዞም። ብድሕሪኡ ብመሸፈኒ ናይ እዝኒ መዳመጺ ኣቢሎም ሓንቲ ቃል ኣመሓላሊፉሉ። ድሕሪኡ እቲ ኣብ ንጹር ሕልሚ ዝነበረ ሰብ ኣብ ድቃሱ ነታ ቃል ደጊምዋ። እዚ ድማ ኣብ ኮምፒተር ተዓቂቡ።

ድሕሪ ሸሞንተ ደቓይቕ እቲ መልእኽቲ ካልእ ኣብ ንጹር ሕልሚ ዝነበረ ሰብ ክሰምዖ ተገይሩ፤ ንሱ ድማ ምስ ተበራበረ፡ ነታ ቃል ከረጋግጻ ክኢሉ።

እዚ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ኵነታት ክረአ እንከሎ፡ ብዙሕ ረብሓ ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል፣ እንተዀነ ኣብ ሕልሚ ዝተገብረ ርክብ እዩ ነይሩ።

ዝደቀሰት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብዚ ዝያዳ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ሓባራዊ ኣተሓሳስባ (ሼርድ ተውት) እዩ።

ኣብዚ እዋን ተመራመርቲ ብቐረባ ብሓባር ዝሰርሑ ሰባት፡ ንማዕበል ሓንጎሎም ከወሃህዱ ከም ዝጅምሩ ይሕብሩ ኣለዉ።

እዚ ድማ ምስቲ ሙዚቀኛታት ኣብ ነንሕድሕዶም ፍጹም ምትእስሳር ክስምዖም፡ ወይ'ውን ኣብ ማሕበራዊ ጕጅለ ዘለዉ ሰባት ሓያል ምትእስሳር ክፈጥሩ ዝገብር ጽልዋ ዝመሳሰል'ዩ።

ንማዕበል ሓንጎል ዝዕቅኑ ኤሌክትሮኤንሰፋሎግራም (EEG) ስካነራት ብምጥቃምን ጽዑቕ 'ሃይፐርስካን' ብምዕዛብን፡ ኣብ መንጎ ሓንጎል መትናዊ ምትእስሳር ከምዘሎ ተፈሊጡ። እዚኦም ማዕበላት፡ ሰባት ኣዚና ፍዅስ ኣብ ዝበልናሉ ወይ ኣብ ዝተዛነናሉ እዋን ዝፍነው ቴታ ማዕበላት፡ ህድኣት ምስ ዝስማዓና ዝፍነዉ ኣልፋ ማዕበላት ወይ ንቝሓትን ንጡፋትን ኣብ ዝዀንናሉ ዝፍነዉ ቤታ ማዕበላት ክኾኑ ይኽእሉ።

እዞም ብተለምዶ ብቤታ ማዕበላት ዝድረኹ ማዕበላት ሓንጎል፡ ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ምስ ዝወሃሃዱ፡ እቶም ሰባት ዝሓሸ ምትሕብባር ይፈጥሩ፡ ዝያዳ ይሓልዩ፡ ንቃንዛ ዘለዎም ተሃዋስነት ይትሕት። ብመትኒያዊ ደረጃ ዝያዳ ዝተወሃሃዱ ጉጅለታት፡ ብሓፈሻ ዝሓሸ ውጽኢት የመዝግቡ።

እቲ ዝያዳ ደስ ዝብል ድማ፡ እዚ ኪነታዊ-ብልሒ ወይ ናይ ሓንጎል ስካነር ኣየድልዮን'ዩ።

ኣብ መንጎ ሰባት መትኒያዊ ምውህሃድ ንምልዕዓል፡ ተመኵሮታት ንኻልኦት ምክፋል ጥራይ እዩ ዘድሊ።

እዚ ድማ ብሓባር ሙዚቃ ምስማዕ፡ ብሓባር ምስዕሳዕ፡ ብሓባር ጸገማት ምፍታሕ ወይ ብቐሊሉ ምስ ነንሕድሕድና ምዝራብ ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ተግባራት የጠቓልል።

እዚ ዓይነት ኣእምሮኣዊ ምውህሃድ ብነጻ እንረኽቦ ነገር እዩ።

ዝህበና ረብሓ ግን ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኰነን።