ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ ሱዳን ወርቂ ከይኣቱ ኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ካብ ሱዳን ዝግበር ዕድጊ ወርቂ፡ ኣብ ምያዝያ 2023 ንዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ቀንዲ ምንጪ ፋይናንስ ይኸውን ከም ዘሎ ዝገለጸ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብታ ሃገር ዝኣቱን ዝሰጋገርን ወርቂ ክእግድ ወሲኑ።
ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝተፈጥረ ግጭት፡ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ዘበገሰ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክስደዱ ከም ዝተገደዱ ይፍለጥ።
ሱዳን ድማ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ኣፍረይቲ ወርቂ ኣፍሪቃ እያ።
እዚ ሰፊሕ ዕቑር ሃብቲ እዚ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ወሳኒ ምንጪ እቶት ኰይኑ ከም ዘሎ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ይሕብሩ።
ስለዝዀነ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነዚ እገዳ እዚ እንተላይ ኣብ ዕደና ወርቂ ብሰፊሑ ዝጥቀምሉ ኬሚካላት ሜርኩሪን ሳይናይድን ናብ ሱዳን ከይልኣኹ ኣጽዲቖም ኣለዉ።
ብመሰረት ክኢላታት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ተንተንቲን፡ ልዕሊ ፍርቂ ወርቂ ሱዳን በብዓመቱ ካብታ ሃገር ብኮንትሮባንድ ይወጽእ ኣሎ። ብገለ ግምታት ድማ እቲ ኣሃዝ ክሳብ 70 ሚእታዊት ይበጽሕ።
ህጹጽ ሓይልታት ደገፍ ኣብ ከም ኣብ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ዝኣመሰሉ ኣብ ምዕራባውን ማእከላይን ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከብ ዝበዝሐ ዕደና ወርቂ ክቈጻጸር እንከሎ፡ ሰራዊት ሱዳን ድማ ኣብ ሰሜናውን ምብራቓውን ዞባታት ይቈጻጸር።
እቲ ወርቂ መብዛሕትኡ ግዜ ብግብጺ፡ ጫድን ሊብያን ዝርከብኦም ጐረባብቲ ሃገራት ኣቢሉ ይሽየጥ። ኣብታ ዓባይ ዓለማዊ ማእከል ምጽራይን ንግድን ወርቂ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ዱባይ ድማ ይበጽሕ።
ቤትምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ወርቂ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ዘጋድድ ቀንዲ ምንጪ እቶት ኰይኑ'ሎ፡" ይብል።
እቲ እገዳን ካልእ ገደባትን፡ ነቲ ዓመጽ ንምቕጻል ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ዝረኽብዎም "ጸጋታት ንምንካይ" ዝዓለመ ምዃኑ ድማ ይጠቅስ።
ወሲኹ፡ "እቶም ስጕምትታት ነቲ ግጭት ዝኸውን ምንጪ ፋይናንስ ንምግታእን ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ኲናት ዘጋድዱ ኣካላት ዝያዳ ጸቕጢ ንምብራኽን ዝተዳለዉ እዮም፡" ይብል።
ብመሰረት እዚ ቀይዲ በተኽ ስጕምትታት፡ ውልቀሰባትን ኩባንያታትን ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ሱዳን ዝብገስ ወርቂ ክገዝኡ፡ ከእትዉ ወይ ከየጓዕዙ ተኸልኪሎም ኣለዉ።
ንሰብኣውን ህዝባዊ-ጥዕናን ዕላማታት ዘድሊ መርኩሪን ሳይናይድን ኣብ ትሕቲ እገዳ ሰደድ ሕብረት ኤውሮጳ ኣይወደቐን።
እዚ ዳሕረዋይ ገደባት ነቲ ድሮ ነቲ ግጭት ብምግዳድ ዝተኸሰሱ ውልቀሰባትን ኣካላትን ዒላማ ዝገበረ ሰፊሕ ስርዓት እገዳ ሕብረት ኤውሮጳ ዘስፍሕ እዩ።
ይዅን'ምበር ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ማእከላት ንግዲ ወርቂን ዞባዊ መተሓላለፊ መስመራትን'ውን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ወርቂ ሱዳን ኣተገባብራ እንተ ዘይኣጽኒዖም፡ እቲ እገዳ ጥራይ ነቲ ንግዲ ደው ከብሎ ተኽእሎ ከም ዘየሎ ክኢላታት የጠንቅቑ ኣለዉ።
ትካላት ረድኤት ኣብ ሱዋን ልዕሊ 28 ሚልዮን ሰባት ጽዑቕ ጥሜት ከም ዘጋጥሞም ኣብ ዝግምትሉ ዘለዉ እዋን፡ ደገፍቲ ናይዚ ግጭት ዝጻወትዎ ዘለዉ ተራ ደው ንኸብሉ ዝግበር ዓለምለኻዊ ጸቕጢ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
