'ቃንዛይ ናብ ዕላማ ክቕይሮ መሪፀ' - ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ 'ሚስወርልድ' ትወዳደር ዘላ ሩት ይርጋለም

ምንጪ ስእሊ, RUTH YIRGALEM/INSTAGRAM
"ቃንዛይ ናብ ዕላማ ክቕይሮ መሪፀ፡" እታ ኣብ ቬትናም ይካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር 'ሚስወርልድ 2026' ንኢትዮጵያ ወኪላ ትወዳደር ዘላ ከደረይቲ ንግስቲ ፅባቐ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ 2026 ሩት ይርጋለም ወልደስላሰ፡ ንዓለም ዘስምዓቶ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ቬትናም ይካየድ ዘሎ መበል 73 ውድድር ፅባቐ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመፅኣ 111 ወይዘራዝር ፅባቐ ይሳተፋ ኣለዋ።
ብ24 ነሓሰ 2026፡ ኣብቲ ኣብ ቬትናም ከተማ ኛ ትራ'ንግ ዝተኻየደ፡ ተወዳደርቲ ናብ ዝቕፅል ዙር ንምሕላፍ ታሪኸንን ዕላምአንን ኣካፊለን ብደያኑ ዝምረፃሉ ዙር 'ሄድ ቱ ሄድ'፡ ሩት ይርጋለም፡ ነቲ ፀይራቶ ኣብዚ ዓለማዊ መድረኽ ትወዳደር ዘላ ከቢድ ሓዘንን ዘስካሕክሕ ሞት ሓፍታን ንዓለም ኣቃሊሓ።
ሩት፡ ናብዚ ዓለማዊ ውድድር ፅባቐ ክትብገስ ሓደ ሰሙን ክተርፋ እንከሎ እያ፡ እታ ንመዓልታት ተጨውያ ደሃያ ተሳኢኑ ዝነበረት ዓባይ ሓፍታ ቅዱሳን ይርጋለም ብዘስካሕክሕ መንገዲ ከም ዝተቐተለት ፈሊጣ።
'ሉሉሱ' ናይታ እትወፈትዋ ሓፍታ ቅዱሳን ዲዛይን እትገብሮም ክዳውንትን መጋየፅታትን ሕላገት እዩ።
ሩት፡ እታ ጓል 30 ዓመት ዲዛይነር ሓፍታ መዋቲት ቅዱሳን ዝሰርሐቶ ናይ እዝኒ ገይራ፡ ኣብ መድረኽ ብዛዕባ ኣብቲ መድረኽ ደው ዝበለትሉ ዕላማ ክትዛረብ እንከላ፡ ምስ ንብዓት ክትቃለስን ብተደጋጋሚ ዘረብኣ ክተቋርፅን መሊሳ ንብዓታ ፀሪጋ ክትቅፅልን ተራእያ።
10 ሓምለ 2018 ኢትዮጵያ፡ ናይ ሩት ናይ ቀደም መሓዝኣ፡ መንነታ ሓቢኣን ናይ ካልእ ሽም ተጠቒማን፡ ናብ ቅዱሳን ደዊላ።
ክልተ ወርሒ ንዝሓለፎ ልደት ሩት 'ሰርፕራይዝ ንምግባር' ከም ዝሓሰበትን መዋቲት ቅዱሳን ትሸጦም መጋየፅታት ክትዕድግ ከም ትደልን ብምግላፅ ቆፂራታ። ብድሕሪኡ ደሃይ ቅዱሳን ጠፊኡ።
ስድራኣ፡ ንመዓልታት ክበኽዩ፡ ክፅልዩን ደሃይ ቅዱሳን ክደልዩን ኣብ ከቢድ ኵነታት ፀኒሖም። ቅዱሳን ግና ኣይተመለሰትን።
እታ ንግስቲ ፅባቐ ሩት፡ ናይ 10 ዓመት ናይ ቀረባ መሓዝኣን መፃምዳን፡ ኣብ ህይወታ ንዝሃነፀቶ ሃደሽደሽ ንምባል እንክፍትኑ፡ ንዝጨወይዋ ቅዱሳን ንምልቃቕ ገንዘብ ክኽፈሎም ይሓትቱ ከም ዝነበሩ ገሊፃ።
እንተዀነ፡ ቅዱሳን፡ ጨወይታ ብዝሓተትዎ ገንዘብ ናብ ገዝኣ ኣይተመለሰትን።
"ሓፍተይ ኣብ ሻንጣ ተረኺባ፡ ኣብ ሓደ ዘይኰነስ ኣብ ክልተ ሻንጣ"፡ ሩት ኣብ ከቢድ ስምዒት ኰይና ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ሓፍታ ተዛሪባ።
ሩት ይርጋለም፡ ውድድር ሚስ ወርልድ ንዓመታት ዝተዳለወትሉ'ዩ። ነዚ ውዑይን ከቢድን ሓዘንን ቃንዛን ፀይራ ድማ ናብ ቬትናም ክትጓዓዝ ወሲና።
"ሳላ ሚስ ወርልድ፡ ዓለም ትድሕን ኣላ። ኣብዚ ዘለና ከም ንግስትታት ፅባቐ ክንረአ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ንኽንርኢ እዩ።"
ውድድር ፅባቐ 'ሚስ ወርልድ' ንሩት፡ ልዕሊ እቲ ንርእሳ ኣብ መድረኽ ዓለም ኣፍልጦ ፅባቐ እትረኽበሉ ወይ ድማ ዘውዲ ትደፍኣሉ እዩ።
ነቶም ይሳቐዩ ዘለዉ ግን ድማ ስቓዮም ዘይተሰምዐ ሰባት ቈላሕታ ንምግባርን ድምፆም ንምስማዕን እትጥቀመሉ መድረኽ ገይራ'ያ ትርእዮ።
ኣምባሳደር ባህሊ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሩት፡ "ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 2018 ከም ዘላ እትፈልጡ ክንደየኖት ኢኹም? ኢትዮጵያ መበቈል ደቂ ሰባት፡ 13 ኣዋርሕ ዘለዋ፡ መበቈል ቡንን ወናኒት ሰሓቢት መልክዓ ምድርን እያ፡" ብምባል ንሃገራ ኣላልያ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበትሉ ዕላማ እንክትገልፅ ግና፡ ሓዘና ገንፊሉ ወፅዩ፤ ንብዙሓት'ውን ኣንቢዑ።

ምንጪ ስእሊ, RUTH YIRGALEM/INSTAGRAM
ብዘኽታምነት ዝተቐረፀ ቍልዕነት
ሩት፡ ገና ጓል ሓደ ዓመት ህፃን እንከላ እያ ንወላዲታ ብሞት ስኢናታ።
"ታሪኸይ ብምስኣን'ዩ ዝጅምር፡" ትብል ሩት፡ ወላዲ ኣቦኣ ንደቁ ንምዕባይን ፅቡቕ መፃኢ ንምጥጣሕን ምሉእ ዕደመኡ ከም ዝሰውአ ትገልፅ።
ወላዲኣ ኣብ ዘይህልወሉ እዋናት ግና ሩት ትጋፋዕ፡ ሓፍታ ቅዱሳን ድማ ትሓምም ነይራ። ንኣቡአን ከም ኣዲአን ከይስእንኦ ስለ ዝፈርሓ ግና ብዛዕባ እቲ ዘጋጥመን ኣይነገርኦን።
"ከም ኣዴና ከይንስእኖ እሞ በይንና ከይንተርፍ ስለ ዝፈራሕና፡ ዋላ ሓደ ኣይነገርናዮን።"
ህይወት ቍልዕነት ሩትን ቅዱሳንን፡ ብኸምዚ ዝተቐረፀ'ዩ ነይሩ። ንወላዲተን ስኢነን፡ ንኣቡአን ምስኣን ክፃወርኦ ዝኽእላ ነገር ኣይኰነን።
ምዕባይ ሓፍታ ቅዱሳን ዘውድቕ ሕማም ስለ ዝነበራ፡ ሩት ብቐረባ ክትሕብሕባን ክትከታተላን ግድን ነይሩ። ምስታ ብሓሙሽተ ዓመታት ትዓብያ ቅዱሳን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተማሂረን።
"ብሓሙሽተ ዓመት ትዓብየኒ'ኳ እንተ ነበረት፡ ክሕልዋ ተገዲደ፤ ንሓፍተይ ምሕላወይ ግና እፈትዎ'የ። ኣብ ሓደ ወንበር ተማሂርና። ሓፍተይ ብሰንኪ ዕድመኣ፡ ብሕብሪ ቈርበታን ክብደት ሰብነታን ትግፋዕ ነይራ። እዚኦም ኵሎም ዝመረፀቶም ኣይነበሩን፡" ትብል፡ ንሓፍታ ንሸሞንተ ዓመታት ከም ዝሓለወታ ብምግላፅ።
ሩት ነዚ ኣብ ግዘ ቍልዕነታ ዝተወሃባ ንሓፍታ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዝተቐበለቶ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ዓበየት ንሓላፍነትን ንትፈትዎም ሰባትን እትገብሮ ቈላሕታን ርድኢትን ቀሪፅዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, RUTH YIRGALEM/INSTAGRAM
ሩት፡ ሚስ ወርልድ ንምዃን ኣብ ትዳለወሉ፡ ሓፍታ ቅዱሳን ይርጋለም'ውን፡ ኣካል እዚ ሕልማ'ያ ነይራ።
ቅዱሳን፡ 'ሉሉሱ' ዝብል ሕላገት ክዳውንቲን መጋየፂታትን ኣለዋ። ሩት ኣብቲ ዕላማኣ ዝገለፀትሉ ኣብ ቬትናም ይካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር ፅባቐ ኣብ ዙር 'ሄድ ቱ ሄድ' ዝገበረቶ ናይ እዝኒ መጋየፂ ቅዱሳን ንፈለማ እዋን ዝሰርሐቶ ዲዛይን'ዩ።
ናብ ቬትናም ቅድሚ ምብጋሳ፡ ንሩት 'ሰርፕራይዝ' ክንገብራ ዝብሉ ሰባት ናብ ቅዱሳን ደዊሎም። ቅዱሳን፡ ንሓፍታ ሩታ ክተሐጕስ ብምሕሳብ ንመሓዛ ሩት ክትረኽባ ከይዳ፡ ግና ናብ ገዛ ኣይተመለሰትን።
ስድራኣ፡ ቅዱሳን ከም ዝተጨወየት ፈሊጦም።
"ጨወይታ ገንዘብ ክሓትቱ ጀሚሮም። ኣብ ህይወተይ ምሉእ ዘዐወትክዎም ከስእኑኒ ፈቲኖም። ንትሽዓተ መዓልታት ኣብ ብኽያትን ፀሎትን ፀኒሕና። ናብዚ ናብ ቬትናም ክመፅእ ሰሙን ምስ ተረፈኒ፡ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝሓሰመ ዜና ሰሚዐ። እታ ንዓመታት ዝሓለውክዋ ሓፍተይ፡ ን10 ዓመታት ናይ ቀረባ መሓዛይ ብዝነበረትን ብዝኣመንክዋን መፃምዳን ተቐቲላ….."
ንሩት፡ እዚ ቅትለት ሓፍታ፡ ብዝኣመነቶም ዝተፈፀመ ክድዓት እዩ።
"ዝወደቕኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ብዙሕ ግዘ'ዮም ቀቲሎምኒ።
ኣብ ፈለማ፡ ቅዱሳን ዘውድቕ ሕማም (Epilepsy) ስለዝነበራ ብኡ ዝሞተት'ዩ መሲልዋ።
"ናብዚ ቅድሚ ምምፀአይ ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ሓፍተይ ኣብ ባልጃ ተረኺባ፣ ኣብ ሓደ ኣይኰነን፡ ኣብ ክልተ ባልጃ።"
ሩት ነዚ ምስ ተዛረበት ዘረብኣ ንምቕፃል ዓቕሚ ኣይነበራን። ኣደ ወንበርን ኣካያዲት ስራሕን ሚስ ወርልድ ጁሊያ ሞርሊ ናብ መድረኽ ደይባ ክትሓቝፋን ክተበርትዓን ተራእያ፣ ኣብ ኣዳራሽ ዝነበራ ተወዳደርቲ ወይዘራዝር ፅባቐ ዓለም'ውን ክበኽያ ተራእየን።
ንግስቲ ፅባቐ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ 2026 ሩት ይርጋለም፡ ነዚ ሓዘንን ቃንዛን ተሸኪማ እያ፡ ናብቲ ኣብ ቬትናም ይካየድ ዘሎ ውድድር 'ሚስ ወርልድ 2026' ተጓዒዛ።
"ሰባት 'ፅንዒ' ኢሎምኒ'ዮም። እንታይ ከም ዝሰኣንኩ እፈልጥ እየ። ንምንታይ ኣብዚ ከም ዘለኹ እፈልጥ እየ። ኣብዚ ዘለኹ ድንጋፀ ዘይብላ ሰብ ስለ ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣብዚ ዘለኹ ሓላፍነት ስለ ዘለኒ እዩ። ኣብዚ ዝተረኸብኩ ብምኽንያት ኣቦይ እዩ፣ ኣብዚ ዝተረኸብኩ ብጸሎት ሓፍተይ'ዩ።"
ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ሩት ቀረባ መሓዛ ሓዊሱ፡ 10 ብቕትለት ቅዱሳን ይርጋለም ዝተጠርጠሩ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉን፡ ገበኖም ከም ዝተኣመኑን ምፍላጡ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, RUTH YIRGALEM/INSTAGRAM
ምስ ቃንዛኣ ክትወዳደር ዘበርትዓ ምኽንያት
ኣቡኣ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፣ ዝኽሪን እምነትን ሓፍታ ቅዱሳን፡ ኣብዚ ጉዕዞ ውድድር 'ሚስ ወርልድ 2026' ክትቅፅል ጉልበት ዝኾንዋ ምኽንያታት'ዮም።
እቲ ኣብ ሚስ ወርልድ ንክትወዳደር ኣቐዲማ ዝኣተወቶ ቃልን ዝተቐበለቶ ሓላፍነትን'ውን፡ ካልእ ደራኺ ምኽንያት ከም ዝኾና ሩት ትገልፅ።
"ንህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ክሕለቐሎምን ክሕግዞምን ቃል ስለ ዝኣተውኹ'የ ኣብዚ ተረኺበ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፍነት ስለ ዝሃበኒ'የ ኣብዚ ተረኺበ። ነዚ ቃለይ ክዓፅፍ ኣይኽእልን።
ስለዚ ሻንጣይ ጠቕሊለ። ንቃንዛይ ናብ ዕላማ ክቕይሮ መሪፀ" ትብል፡ ቃላ፣ ዝተውሃባ ሓላፍነት ከምኡ'ውን ዝሓዘቶ መደባት ንምዕዋት ከም ዝተበገሰት ብምሕባር።
'እቲ ብሱቕታ ዝካየድ ቃልሲ'
ወይዘሪት ፅባቐ ኢትዮጵያ ሩት ይርጋለም ኣካል እቲ ኣብ ምብቃዕ ደቂኣንስትዮን ዕብየት መናእሰይን ዘተኰረ 'እቲ ብሱቕታ ዝካየድ ቃልሲ'-'The Silent Struggle' ዝበሃል ፕሮጀክታ ንዝተገፍዑን ሕውየት ንዘድልዮምን ህፃናት ንምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዳ እያ።
እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ቬትናም እተካይዶ ዘላ ውድድር 'ሚስ ወርልድ 2026' ብኣፅንዖት ዝገለፀቶ እዩ።
"ህፃናት ምግቢን ማይን ጥራሕ ኣይኰነን ዘድልዮም። ኣኣምሮዊ ጥዕናኦም'ውን ቆላሕታ ክወሃቦ ይግባእ። ሎሚ ንሕልዎም ህፃናት፡ ፅባሕ ንዓለምና ዝመርሕዋ ወለዶ'ዮም" ትብል።
ሩት ካብ ህፃናት ብተወሳኺ፡ ኣብተን ብዙሓት ሰባት ብዘይርእይዎ ወይ ድማ ዘይዛረብሉ ፀገማት ዝቃለሳ ዘለዋ ግዳያት ፌስቱላ ዝኾና ደቂኣንስትዮ'ውን፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ማእኸል ሕክምና ፌስቱላ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ብምትሕብባር ትሰርሕ እያ።
ሩት ኣብቲ ዓለማዊ መድረኽ ዘስምዓቶ ድምፂ፡ "ሕሰብዎ እሞ፡ ኣደ ቆልዓ ወሊዳ፡ ሽንቲ ወይ ፍታን ክትቆፃፀረሉ ዘይትኽእል ኩነታት ከጋጥማ እንከሎ። ንዕአን ንምሕላቕን ግንዛበ ንምፍጣርን'የ ኣብዚ ዘለኹ" ኢላ።
ግዳያት ፌስቱላ ዝኾና ደቂኣንስትዮ፡ ብመቕርባተን ከም ዝግለላ እያ፡ እታ ንግስቲ ፅባቐ ሩት ትገልፅ።
"እዘን ደቂኣንስትዮ ብሰብኡተን፣ ማሕበረሰብን ካልኦትን ዝተገለላ እየን። ግዳይ ፌስቱላ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ምሕዋይ፡ ነቲ ሕማም ምሕካም ጥራሕ ኣይኰነን። ክብራ ምምላስን ምብቃዕን'ውን'ዩ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, RUTH YIRGALEM/INSTAGRAM
እዚ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምላስ ዕላማ ኰነ ውልቀ ታሪኻ፡ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ ሩት ይርጋለም፡ ምስቲ ብዓብይኡ ናብ ቬትናም ዘምፅኣ ዕላማ ዝተተሓሓዘ እዩ።
ስራሕታ፡ ነቶም ኣብ ስቓይ ኰይኖም ግን ድማ ጠመተ ዘይተገበረሎም ዝተገፍዑ ህፃናት፣ ግዳያት ተነፅሎ ዝኾና ደቂኣንስትዮን ከምኡ'ውን ካብ ከቢድ ስንባደ ንዝመፅአ ስምዒታዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ፅልዋ ንዘይግንዘቡ ማሕበረሰባት ዘጠቓለለ እዩ።
ነዚ ንምግሃድ ድማ፡ ንግስቲ ፅባቐ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ 2026 ሩት ይርጋለም፡ "ካልኦት ንከብርሁ ዝሕግዝ ብርሃን ኩን" ዝብል ጭርሖ ተዓጢቓ ኣላ።
ነዚ ጭርሖኣ ድማ፡ "ወርቂ ዋግኡ ክሳብ ዝፍለጥ ብሓዊ ይፍተን" ምስ ዝብል ምስላ ተተሓሕዞ።
እዚ ምስላ ጥራሕ ኣይኰነን። እዛ ከደረይቲ ንግስቲ ፅባቐ ሩት፡ ክሰባብራ ብዝኽእል ፈተና ተፈቲና እያ።
ኣብ ቁልዕነታ ወላዲታ ስኢና፣ እናፈርሐትን እናተገፍዐትን ዓብያ፣ እትፈትዋ ሓፍታ ብሕማም ክትሳቐይን ሰባት ብሕማማ ክድህልዋን ርእያ፣ ኣብ ቁልዕነት ዕድመኣ ንሓፍታ ክትሕልው ተገዲዳ፣ እቲ ካብዚ ዝሓሰመ ድማ፡ ንገዚፍ ዕማም ኣብ ዝተበገሰትሉ፡ እታ ትስስዐላ ሓፍታ ብዝኣመነቶም ሰባት ተጨውያ፡ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተቐቲላ።
ሩት ከም ትብሎ፡ እቲ ከም ወርቂ ዝፈተና ሓዊ ኣየጥፈኣን።
"ብሓዊ ተፈቲነ እየ። እቲ ሓዊ ግና ኣየጥፈኣንን። ንጥንካረይን ዕላማይን'ዩ ኣረጋጊፁለይ።
ስለዚ ኩለኽን ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ነዚ ክዛረብ እንከለኹ እትርእዩንን ኩለኹም፡ ብዝተፈፀመኩም ነገር ክትጉድኡ ትኽእሉ ኢኹም፡ ግና ተሳዒርኩም ማለት ኣይኰነን። ዝኾኑ ሰባት ጉዕዞኹም ንምኹላፍ ይፍትኑ ይኾኑ፡ መወዳእታኹም ግና ንሳቶም ኣይፅሕፍዎን።
ፍፃመኹም ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ"፡ ልዕሊ እቲ መድረኽ ውድድር ፅባቐ ዝጋዋሕ፡ ኣብ ዙር 'ሄድ ቱ ሄድ' ሚስወርልድ 2026 ካብቲ መድረኽ ሓሊፉ ዝተጋውሐ፡ ቃል ፅንዓትን ሕራነን ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ 2026 ሩት ይርጋለም እዩ።
እዚ ፅንዓት ድማ እዩ፡ ምስ ቃንዛኣን ትኩስ ሓዘናን፡ ሰማያት ኣቋሪፃ ናብ ቬትናም ክትመፅእ ዝገበረ።
"ሉሉሱ እፈትወኪ'የ"

ምንጪ ስእሊ, KIDUSAN YIRGALEM/INSTAGRAM
ሩት ኣብ ከቢድ ሓዘን፣ ተስፋን ፅንዓትን ኰይና ኣብ መድረኽ ክትዛረብ እንከላ፡ ሓፍታ ቅዱሳን ንፈለማ እዋን ዝሰርሐቶ ናይ እዝኒ መጋየፂ ገይራ ነይራ። ተዘክሮ እታ ትፈትዋ ሓፍታ ድማ፡ ኣብቲ መድረኽ ምስ ንብዓታን ስምዒታን እናተቓለሰት ዝገለፀቶ እዩ።
ንህፃናትን ደቂኣንስትዮን ዝኣተወቶ ቃል ከኣ፡ ኣብዚ ጉዕዞ ዓለምለኻዊ ውድድር 'ሚስ ወርልድ 2026' ክትቅፅል፡ ካብ ዝደረኽዋ ምኽንያት እዩ።
"ሩት ይርጋለም እየ። ኣነ ምልክት ተስፋ እየ። ኣነ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ 2026 እየ። ሉሉሱ፡ እፈትወኪ እየ- Lulusu, I love you."
ዘስካሕክሕ ሞት እታ 'ሉሉሱ' ኢላ ትፅውዓ ሓፍታ ቅዱሳን ኰነ ዝተፈፀማ ክሕደት ዝምለስ ኣይኰነን።
ግና ሩት በዚ ዘጋጠማ ከቢድ ሓዘንን ቃንዛን እንታይ ከም ትገብር ወሲና እያ።
እዚ ውሳነኣ ልዕሊ ዘውዲ ንግስቲ ፅባቐ ዓለም እዩ። ልዑል ቆላሕታ ንዝተገፍዑ ህፃናትን፡ ምብቃዕን ምምላስ ክብሪን ግዳያት ፌስቱላ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን፡ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ 2026 ሩት ይርጋለም እትሰርሐሎም ዕማማት እዮም።
ነዚ ድማ እያ፡ ኣብቲ መድረኽ ውድድር ፅባቐ፡ "ቃንዛይ ናብ ዕላማ ክቕይሮ መሪፀ" ብምባል፡ ብሓዘን ንድሕሪት እንከይተጐተት ናብ ቬትናም ክትመፅእ ዝመረፀትሉ ዕላማ ዘነፀረት።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



