ንሓፍቲ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ብገበኖም ተኣሚኖም

ቅዱሳን ይርጋለም

ምንጪ ስእሊ, KIDUSAN YIRGALEM/INSTAGRAM

መግለጺ ስእሊ, ቅዱሳን ይርጋለም
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ 2026 ውድድር ፅባቐ 'ሚስ ወርልድ' ንትሳተፍ ሩት ይርጋለም ዓባይ ሓፍታ ቅዱሳን ይርጋለም ተጨውያ ተቐቲላ።

ነቲ ቅትለት ስዒቡ ናይ ሩት ቀረባ መሓዛ ሓዊሱ፡ 10 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

በቲ ቅትለት ዝተጠርጠሩ ናይ ሩት ናይ ቀደም መሓዛን ኣፍቃሪኣን ምስ ካልኦት ሸሞንተ ጥርጡራት ብምውዳድ፡ ንመዋቲት "ጭካነ ብዝተመልኦ ብምቕታል" ከም ዝተጠርጠሩ ፖሊስ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ሓፍቲ መዋቲት ዝኾነት ሩት፡ ኣብ ዝመፅእ መፈለምታ ነሓሰ ኣብ ቬትናም ኣብ ዝጅምር 'ሚስ ወርልድ 2026' ንምስታፍ ኣብ እትዳለወሉ እዋን'ዩ እዚ ቅትለት ተፈፂሙ።

ባህሊ ሃገራ ዝያዳ ንኽትርዳእን ንክተፋልጥን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዑደት ክተካይድ ዝፀንሐት ሩት፡ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዑደት እናካየደት እንከላ ሓፍታ ከም ዝተጨወየት ሰሚዓ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዋና መምርሒ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ቶማስ እሸቴ፡ ተጠርጠርቲ "ገንዘብ ንምቕባል ብምሕሳብ" ነቲ ቅትለት ምፍፃሞም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከም ዝተኣመኑ ኣረዲኡ።

ተጠርጠርቲ ንፖሊስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ "ናይ ገንዘብ ፀገም ኣለና፣ ነዚ ፀገም ንምቅላል ገበን ፈፂምና" ብምባል ከም ዘረድኡ እቲ ኮማንደር ተዛሪቡ።

ተጠርጠርቲ ንዝዓገትዋ ቅዱሳን ንምልቃቕ፡ 2 ነጥቢ 5 ሚልየን ብር ክኽፈሎም ንስድራኣ ሓቲቶም ነይሩ።

ነቲ ገንዘብ ክቕበሉ ዝተፈላለዩ ድርድራት ክገብሩን ዝቕበልሎም ሰባት ይልእኹን ከም ዝነበሩ ተገሊፁ።

ጓል 30 ዓመት መዋቲት ቅዱሳን ይርጋለም ዲዛይነር ክዳን ኰይና፡ ብተወሳኺ ድማ መፀባበቒ ትሸይጥ ነይራ።

ተጠርጠርቲ ነዚ ተግባር ከም ዝፈፀሙ ቃሎም ከም ዝሃቡ ዝገለፀ ኮማንደር ቶማስ፡ እቲ ገበን ኣበየናይ ቦታን ብኸመይ ዓይነት መንገድን ከም ዝፈፀምዎ፡ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ናብቲ ገበን ዝፈፀምሉ ቦታ መሪሖም ብምውሳድ ከም ዘርኣዩ ኣረዲኡ።

ኣብ እዋን ምርመራ ንዝነበረ ከይዲ ከም ምስክር ቀሪቡ ይከታተል ዝነበረ ተወካሊ ኣዳለውቲ ውድድር ፅባቐ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበባው ኣበበ ከም ዝበሎ፡ በቲ ገበን ካብ መንጎ ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ካብ ታሽዓይ ክፍሊ ጀሚራ ንሩት ቀረባ መሓዝኣ ዝነበረት ውልቀሰብ እያ።

ሩት ምስታ ተጠርጣሪት ዝነበራ ምሕዝነት ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናጠንከረ ብምምፅኡ፡ ከም ቤተሰብ ይፋለጣን ይተሓተታን ከም ዝነበራ ኣይተ ኣበባው ሓቢሩ።

እንተኾነ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ንነዘ ኣብ መንጎአን ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ርክበን ኣቋሪፀን ተረሓሒቐን ከም ዝነበራ ተዛሪቡ።

ኣይተ ኣበባው ከም ዝብሎ፡ ዕለተ ዓርቢ 10 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ፡ ናይ ሩት ናይ ቀደም መሓዛ መንነታ ሓቢኣን ናይ ካልእ ሰብ ሽም ተጠቒማን፡ ናብ ቅዱሳን ደዊላ።

ክልተ ወርሒ ንዝሓለፎ ልደት ሩት "ሰርፕራይዝ ንምግባር" ከም ዝሓሰበትን መዋቲት ቅዱሳን ትሸጦም መጋየፅታት ክትዕድግ ከም ትደልን ብምግላፅ ከም ዝቖፀረታ ይዛረብ።

ቅዱሳን ይርጋለም

ምንጪ ስእሊ, KIDUSAN YIRGALEM/INSTAGRAM

መግለጺ ስእሊ, ቅዱሳን ይርጋለም
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅዱሳን ድማ ነዚ ጉዳይ ብምእማን፡ ዓርቢ ኣብ ሰዓታት ረፋድ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ እንዳ ፅሟቕ ተረኺባ። ኣብቲ ቦታ ምስ በፅሐት ግና ክትረኽባ ዝቖፀረታ ሰብ ብኻልእ ሽም ዝደወለት ናይ ሓፍታ ናይ ቀደም መሓዛ ምዃና ከም ዝፈለጠት ኣይተ ኣበባው ኣረዲኡ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እታ ተጠርጣሪት 'ቅድሚ ሕዚ ኣቐይመኩም ስለ ዝነበርኩ፡ ሓቂ እንተተዛሪበኪ ኣይክትመፅለይን ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ እየ ብናይ ካልእ ሰብ ሽም ደዊለልኪ' ኢላታ።

መዋቲት ቅዱሳን ብወገና ነታ ተጠርጣሪት "ንሕና እንተንቕየመኪ ነይርና እኮ ወላዲትኪ ኣብ ዝሓመመትሉ እዋን ኰነ ክትዓርፍ እንከላ፡ መፂእና ኣይንሓተክን ነይርና። ስለዚ ንሕና ዋላ ሓደ ኣይተቐየምናን" ብምባል ከም ዝመለሰትላ ኣረዲኡ።

ድሕሪ እዚ እታ ተጠርጣሪት፡ "ሓድሽ ገዛ ተኻርየ'የ፡ መፂእኺ ገዛይ እንተትርእይዮ ደስ እብለኒ" ብምባል ንቅዱሳን ከም ዝሓተተታን፡ "ሕዚ ህይወተይ ብፅቡቕ መልክዑ ተመሓይሹለይ እዩ። ካብኡ ድማ ንስኺ እትሰርሕዮም ስራሕቲ ሒዘ ስለ ዝመፃእኹ፡ ኣብ ገዛይ ኰይንና ክነውግዕ ኢና" ብምባል፡ ኣብ ከባቢ ኮዬ ፈጬ ናብ ዝተኻረየቶ ኮንዶሚኒየም ገዝኣ ከም ዝወሰደታ ተገሊፁ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ተጠርጠርቲ ንቅዱሳን ካብቲ ኣብ ኮዬ ፈጬ ዝዓገትሉ ኮንዶሚኒየም፡ ካልእ ገዛ ተኻርዮም ኣዘዋዊሮማ።

ቅዱሳን ካብ ዝተዓገተትሉ ዓርቢ 10 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ጀሚሩ ከም ዝሞተት ክሳብ ዝተኣመነሉ ሰንበት 12 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ፡ "ምግቢ ከም ዘይሃብዋ" ተገሊፁ።

ተጠርጠርቲ ንቅዱሳን ምስ ቀተሉ'ውን ናብ ስድርኣ ብምድዋል ገንዘብ ከም ዝሓተቱ፡ ከይዲ እቲ ምርመራ ከም ዘረድእ ኮማንደር ቶማስ ገሊፁ።

ነዚ ጉዳይ ብቀረባ ዝከታተል ዘሎ ኣይተ ኣበባው ከም ዝበሎ ድማ፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዕለተ ሰንበት ከም ዝተፈፀመን፡ ጨወይቲ ግና ብሰኑይ ንቅዱሳን ብህይወት ንምልቓቕ ብዝብል ካብ ስድርኣ ገንዘብ ምሕታት ቀፂሎም ነይሮም።

ናይ ሩት ናይ ቀደም መሓዝኣን ኣፍቃሪኣን ንቅዱሳን "ብግፍዒ ንምቕታል" ዝወሰንሉ ቀንዲ ምኽንያት እንተረድኡ፡ 'እንተርእያትኪ ስለ ትፈልጠኪ ክተትሕዘና ትኽእል'ያ' ኢሎም ብምስግኦም ከም ዝኾነ የረድእ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ቶማስ፡ "ሕዚ ንሚድያን ንህዝብን ንምዝራብ ዘይምችዉ ገለ ከበድቲ ነገራት ኣለዉ" ብምባል፡ ዝርዝር ጉዳያት ካብ ምግላፅ ተዓቂቡ።

"ኣብ ልዕሊ መዋቲት ዝተፈፀመ ቅትለት ኣዝዩ ኢ-ሰብኣዊን ጭካነ ዝተመልኦን'ዩ" ብምባል፡ እቲ ገበን ክንደየናይ ዘስካሕክሕ ከም ዝነበረ እቲ ኮማንደር ገሊፁ።

ነዚ ዘስካሕክሕ ተግባር ብቀጥታ ብምፍፃም ካብ ዝተጠርጠሩ ናይ ሩት ናይ ቀደም መሓዛን ኣፍቃሪኣን ብተወሳኺ፡ ምስዚ ጉዳይ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ምርመራ ይግበረሎም ከም ዘሎ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውድድር 'ሚስ ወርልድ 2026' ንኢትዮጵያ ወኪላ ትወዳደር ሓፍቲ መዋቲት ሩት ይርጋለም፡ ብሰንኪ ሞት ሓፍታ ኣብ ከቢድ ሓዘን ከም ትርከብ፡ ተወካሊ ኣዳለውቲ ሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበባው ተዛሪቡ።

ሩት ኣብ ዝመፅእ 03 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ኣብ ዝጅምርን ልዕሊ 170 ሃገራት ዝሳተፋሉን ውድድር ንምስታፍ ናብ ቬትናም ከም ትጓዓዝ ተገሊፁ።