ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ማስዓድ ቡሎስ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ካይሮ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ዘካየዶ ርክብ "ጸረ-ኢትዮጵያ" ዝዀነ ትሕዝቶ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ።
እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ "ዘይግባእ ትርጕምን መልክዕን ተዋሂቡዎ" ከም ዝተቓልሐ ገሊጹ።
መስዓድ ቡሎስ፡ ኣብ ካይሮ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶክተር ባድር ዓብደልዓጢ፡ ከምኡ'ውን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ፈቒ ብተናጽል ብምርኻብ ብዛዕባ "ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን" ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝዘተየ ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ እዩ።
ሽዑ፡ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጽን ኤርትራን ኣብ ካይሮ ድሕሪ ምርኻቦም፡ "ጸጥታን ምምሕዳርን ቀይሕ ባሕሪ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ናይተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ እዩ" ዝብል መግለጺ ብምውጻእ፡ ኣንጻር'ቲ ኢትዮጵያ እተልዕሎ ዘላ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዎም መርገጺ ኣነጺሮም ነይሮም።
እዞም ሰለስተ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ካይሮ ምርኻቦም ስዒቡ፡ እቲ ኣመሪካዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ምስኣቶም ርክብ ምክያዱ ብምጥቃስ፡ እቲ ዘተ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተገብረ ምዃኑ ዝገልጹ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ክቃልሑ ጸኒሖም እዮም።
ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምስቲ ዘለዋ ብዝሒ ህዝብን ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕብየትን ዝተኣሳሰር ናይ ህልውናን ሕጋውን ሕቶ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ይስምዑ።
ነዚ ከም መበገሲ ብምውሳድ ድማ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዞባዊ ርክባት ንኢትዮጵያ "ብኸበባ ንምጽቃጥ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ" ከም ዝመስል ስግኣቱ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ብረቡዕ ኣብ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ነቶም ጸብጻባት "ሓሶትን ኣደናገርትን" ክብል ብምውቃስ፡ ንዲፕሎማሲ ኣመሪካ "ብዘይግባእ መልክዑ" ከም ዘቕረቡዎ ሓቢሩ።
እቶም ጸብጻባት፡ "ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ 'ጸረ-ኢትዮጵያ ዝዀነ ኪዳን' ንምድጋፍ ፈተነ ትገብር ኣላ" ተባሂሉ ምቕራቦም ዝተዛብዐ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ "ጌጋን ኣድላይነት ዘይብሉ መጓሃሃሪ ወጥሪን እዩ" ኢሉ።
ኣማኻሪ መንግስቲ ኣመሪካ መስዓድ ቡሎስ ወሲኹ፡ ሃገሩ "ምስ ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ምስ ዝርከባ ኵለን ሃገራት ኣብ ናይ ሓባር ጉዳያት ብሓባር" ከም እትሰርሕ ገሊጹ።
"ምስ ሓደ ዞባዊ መሻርኽቲ ዝግበር ርክብ፡ ምስ ካልእ ሃገር ምግጫው ማለት ኣይኰነን፡" ዝበለ ቡሎስ፡ "ዲፕሎማሲ ኣመሪካ ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ምፍጣር ወይ ፍልልያት ምግፋሕ ዘይኰነስ፡ ግጭታት ብምውጋድ፡ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር ብሃናጺ መገዲ ምስራሕ እዩ" ክብል ኣስሚሩሉ።

ብዓይኒ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲ ክረአ እንከሎ፡ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዘለዋ ስትራተጂያዊ ረብሓታት፡ ኣብ መስመር ንግዲ ባሕሪ ጸጥታ ምርግጋጽን ግብረ-ሽበራ ምውጋድን ዝብል እዩ።
ስለዚ፡ ዋሽንግተን ምስተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት (ከም ኤርትራን ሶማልያን) ጸጥታዊ ዝምድናኣ ክተደልድል እንከላ፡ ብተመሳሳሊ ምስቲ ኣብቲ ዞባ ዓቢይ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጽልዋ ዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዝምድናኣ ከተበላሹ ከምዘይትደሊን፡ ሚዛናዊ ዲፕሎማሲ ክትከተልን ትረአ።
ግብጺ ብሰንኪ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ሃገር ኰይና፡ ኤርትራ ብሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዘለዋ ይፍለጥ። ሶማልያ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝገበረቶ ስምምዕ ኣብ ከቢድ ውጥረት ኣትያ ከም ዝጸንሐት ይዝከር።
እዘን ሰለስተ ሃገራት - ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን - ኣብ 2024 ኣብ ኣስመራ ናይ ሓባር ስምምዕ ምትሕብባር ከም ዝኸተማ ይዝከር እዩ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
