ኣስመራ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራ ዝነበረ ሰመረ ርእሶም ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/x
ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራ ዝነበረ ሰመረ ርእሶም ኣብ መበል 83 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።
እቲ ብሕማም ምኽንያት ካብ ንጡፍ ስራሕ ንዓመታት ደስኪሉ ዝጸንሐ ሚኒስተር ሰመረ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ብምዃን'ውን ንነዊሕ እዋን ዝሰርሐ'ዩ።
ካብ 2007 ክሳብ 2025 ሚኒስተር ትምህርቲ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ኣብ 2018 መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ'ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ድርብ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ምንባሩ ይዝከር።
"ኣብ 1976 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ብጻይ ሰመረ፡ ንኣስታት ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ብዝተፈላለየ ሓላፍነት ብኣብነታዊ ተወፋይነትን ብልጹነትን ንሃገሩን ህዝቡን ኣገልጊሉ" ክብል ሚኒስተር የማነ ጽሒፉ።
ኣብ 2022 ካብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስንባቱ ግን ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሉ'ዩ ጸኒሑ።
እቲ ሚኒስተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምላሱ ንዕኡ ዝትክእ ኣምባሳደር ክሳብ ሎሚ ኣይተመዘዘን። ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝነበረ ጥቡቕ ዝምድና እናሓርፈፈ ድሕሪ ምምጽኡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ፈጻሚ ጉዳያት ወሪዱ ይርከብ።
ሚኒስተር ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ እናንቆልቆለ ምምጽኡ ይግለጽ። ቅድመ-ትምህርቲ ክኣትዉ ዝግብኦም ኣማኢት ኣሽሓት ቆልዑ እቲ ዕድል ተሓሪምዎም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኲሉ ደረጃታት ዝርአ ምቊራጽ ትምህርቲ እናዓበየ ከምዝመጸ ጸብጻባት የመልክቱ።
ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ተመሃሮ ናይ መወዳእታ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ከምዝውድኡ ኣቐዲሙ ዝጀመረ ፖሊሲ ምቕጻሉ'ውን ሓደ ካብቲ ዝንቀፈሉ እዩ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ንዕኡ ብምትካእ ዶ/ር ሓሊማ መሓመድ ሚኒስተር ትምህርቲ ኮይና ከምዝተመዘዘት ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, @ERIEMBAET
ሚኒስተር ሰመረ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ብምዃን ካብ 2003 ክሳብ 2006 ከምዘገልገለ'ውን ይፍለጥ።
ብዘይካ'ዚ ካብ 1997 ክሳብ 2003 ዝነበረ ብዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ተዓብሊሉ ዝነበረሉ እዋን'ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ብምዃን ንረብሓ ሃገሩ ንምርግጋጽ ሓያል ምጉት ብምቕራብ ይዝከር።
ኣብ 1976 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ናይ ሎሚ ህግደፍ) ዝተጸምበረ ሚኒስተር ሰመረ፡ ሓላፊ ስለያ ናይቲ ውድብ ኣብ ሱዳን ብምዃን ንሓያሎ ዓመታት ሰሪሑ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ቀዳማይ ጸሓፊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ብምዃን ካብ 1992 ክሳብ 1992 ከምዝጸንሐ እቲ ሚኒስተር ዜና ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ብድሕሪኡ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ተሳሒቡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዳይረክተር ጀነራል ጠረጴዛ ሰሜን ኣመሪካ ኮይኑ ተመዲቡ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
