ውድብ ኢሕኣፓ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ዘውፀኦ መግለፂ

ምንጪ ስእሊ, DT
ሕዝባዊ አብዮታዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ (ኢሕአፓ)፡ ብጉልባብ ምኽባር ሰላም ህዝቢ ትግራይ ናብ ካልእ ዙር ኩናት ምድፋእ ደው ክብል ጸዊዑ።
ኢሕአፓ፡ ትማሊ ሐምሌ 14 ቀን 2018 (ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ቀንዲ ዕላማ ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ [ብልፅግና]፡ ሰላም ንምስፋን ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካልእ ወተሃደራዊ ጎስጓስን ምክያድን ኩናትን ምልዓልን" ብምባል ነቲ ኣካይዳ ነቒፉ።
ብተወሳኺ "ቅድም ክብል ኢትዮጵያ ካብ ህወሓት ንምድሓን ብዝብል ጉልባብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ቁስሊ ህልቂት ኣይሓወየን፡ ሎሚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ንምድሓን ብዝብል ጭርሖ ንኻልእ ዙርያ ኩናት ፖለቲካዊ መሸፈኒ ኮይኑ ይርከብ" ይብል እቲ ሰልፊ ዘውጽኦ መግለጺ።
ውዕሊ ፕሪቶርያ፡ ነቲ ኲናት ንሓዋሩ ምቁራጽ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ቀዳምነት ምሃብ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ምዕዳልን ዝተፈረመ ግዴታታት ምፍጻምን ዝዓለመ ከምዝነበረ ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፡ ፌደራል መንግስቲ ባዕሉ ዝኣተዎ መብጽዓታት ብምጥሓስ፡ ብኣንፃሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምኽሳስ፡ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ካብ ምቁራጽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ እገዳ ነዳዲ፡ ወሰኽ ዋጋ፡ ምጉዳል በጀት፡ ምዕፃው ኣማራፂ መጓዓዝያ፡ ገደብ መሰረታዊ ግልጋሎት፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝተኣከበ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ምምንዛዕን ዝኣመሰሉ ተግባራት ብፌደራል መንግስቲ ይፍጸሙ ከምዘለዉ እውን ይኸስስ።
እዞም ክስታት ካብቲ ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን ስልጣን ተቈፃፂሩ ዘሎ ህወሓት ተደጋጊሞም ዝለዓሉ ዀይኖም፡ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተወሃበ መብርሂ ኰነ ምላሽ የለን።
ቢቢሲ'ውን ብዛዕባ እዞም ክስታት [ብፍላይ ድማ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝተቛረፀ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ባጀትን ነዳድን] ካብ ማእከላይ መንግስቲ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
እንተዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቅድሚ ኣዋርሕ ብቋንቋ ትግርኛ ንመንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና [ኢዜኣ] ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሐትት፡ ህወሓት እቲ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ዝወሃብ ባጀት ዕጡቓት ንምስልጣንን ንምቕላብን ከምዘውዕሎን፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሽርክና ፈጢሩ ከምዘሎን ከሲሱ ምንባሩ ይዝከር። መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ክስታት ይነፅጐም።

ምንጪ ስእሊ, EPRP/FB
ካልእኸ እንታይ ኣልዒሉ?
መግለጺ ኢህኣፓ፡ ህዝባዊ ሰልፊታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተኸልኪሉ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግን መንግስቲ ባዕሉ ብዝወደቦም ሰባት ሰልፊ ብምክያድ፡ እቲ ንኲናት ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ካብ ሕዝቢ ዝቐረበ ሕቶ ንምምሳል ይጽዕር ከምዘሎ ይጠቅስ።
ካብ ትግራይ ወጺኦም ምስ ሰልፊ ብልጽግና ዝተሓባበሩ ዘለዉ ሰባት ነዚ ኣካይዳ ሓደገኛ ጉልባብ ይህብዎ ከምዘለዉ እውን ኢሕኣፓ ኣብ መግለጺ ኣስፊሩ'ሎ።
ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ዝተሰምየ ምትእኽኻብ ኣንጻር ንኽልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ኣካል ንምቅዋም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ሰልፊ ስዒቡ እዩ።
ዕላማ እቲ ሰልፊ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ እናገደደ ይኸይድ ንዘሎ ቅልውላው ንምዅናንን ንፈደራላዊ መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን መልእኽቲ ንምሕላፍን ምዃኑ ተገሊጹ'ዩ።
ኣብቲ "ሓፈሳ ደው ይበል፡ ሰላም ይንገስ" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተረኽበ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ንምንጻል ዝሓንጸጾ ስልቲ ከም ዝፈሸለ ገሊጹ ነይረ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብ መልእኽቱ፡ "እቲ ጕጅለ" ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ጭቆናን ኣፈናን ብምዅናን፡ መንእሰያት ትግራይ ነቲ ብህወሓት ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ክቃወምዎ ከምዘተሓሳሰበ ይዝከር።
መግለጺ ኢሕኣፓ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ዘካይድኦ ዘለዋ ናይ ፕሮፖጋንዳ ጎስጓስን ምስቲ ቅድሚ 2020 ኣብ ዋዜማ ኩናት ትግራይ ዝተራእየ ኣካይዳ " ብዝገርም ኩነታት ዝመሳሰል" ከምዝዀነ እውን ይጠቅስ።
ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰረዘ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕድመ ስልጣኑ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሓደ ዓመት ዝተናውሓሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ ነቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረ ቤት ምኽሪ ከም ዝመለሰን "መንግስቲ" ከም ዝመስረተ ምእዋጁ ይዝከር።
እዚ ምዕባለታት፡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዘፍርስን ብቐጥታ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት ዘእቱን ኣካይዳ እዩ ብምባል ብዙሓት ወገናት ክቃወምዎ እንከለዉ፡ ህወሓት ብወገኑ እቲ ስምምዕ ብፌደራላዊ መንግስቲ ከምዝፈረሰ ብምኽሳስ ስልጣን ክቆጻጸር ከምዝወሰነ ይምጉት።
መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብዚ እዋን "ስግኣት ብሄራዊ ህልውና ትግራይ" ከም ዘለዎም እዮም ዝምጕቱ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምክፍፋል፡ ሓያሎ ካብ መራሕትን ኣባላትን እቲ ውድብ ተፈንጪሎም ውድብ ስምረት ከም ዝመስረቱ ዝፍለጥ ዀይኑ፡ ሓደ ኣካል እቲ ቤት ምኽሪ ሰላመን ለውጥን እዩ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
