ሕቡራት ሃገራት ንሓቀኛ ስፍሓት ኣፍሪቃ ዘንጸባርቕ ሓድሽ ካርታ ዓለም ዝሃቦ ውሳነ

እቲ ኣብ ጥቕሚ ዝጸንሐ (ጸጋማይ)፡ እቲ ቅኑዕ ስፍሓት (የማናይ) - ስፍሓት ኣፍሪቃ ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ጥቕሚ ዝጸንሐ (ጸጋማይ)፡ እቲ ቅኑዕ ስፍሓት (የማናይ)
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ንዘመናት ክንጥቀመሉ ዝጸናሕናን ንኣፍሪቃ ካብቲ ዘለዋ ቅኑዕ ዓቐን ኣንኢሱ ዘርእን ካርታ ዓለም፡ ብሓድሽ ሓቀኛን ስፍሓት እታ ኣህጉር ብዝግባእ ዝገልጽ ካርታ ንምትካእ ድምጺ ሂቡ።

እቲ ብቶጎ ዝቐረበን ብዅለን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተደገፈን "ነቲ ካርታ ኣዐርዮ" ዝብል እማመ፡ ብድምጺ 164 ሃገራት ጸዲቑ።

ነቲ እማመ ካብ ዝደገፋ ሃገራት ከም ብዓል ፈረንሳን ዓዲ እንግሊዝን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ ክርከባአን ከለዋ፡ ኣመሪካ ግን ነቲ ውሳነ ዝተቓወመት እንኮ ሃገር ኰይና ኣላ። ሽዱሽተ ሃገራት ድማ ድምጺ ካብ ምሃብ ተዓቂበን።

እዚ ለውጢ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ካብ መበል 16 ክፍለ-ዘመን (1569) ጀሚሩ ብጀራርዱስ መርኬተር ዝተዳለወን ክሳብ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐን 'መርኬተር' ዝበሃል ካርታ፡ ንኣፍሪቃ ምስ ግሪንላንድ ማዕረ ገይሩ ብምርኣዩ እዩ።

ከም ሓቂ ግን ኣፍሪቃ ካብ ግሪንላንድ ብ14 ዕጽፊ ትዓቢ እያ።

ነቐፍቲ ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ስፍሓት ሃገራት ዘዛብዕ ኣቀራርባ፡ እተን ኣብ ከባቢ ኢኳቶር - ቅናት ምድሪ ዝርከባ ሃገራት ዘድልየን ናይ ልምዓት ሸቶታትን ዘለወን ቍጠባዊ ዓቕምን ትሑት ተገይሩ ከም ዝርአ ብምግባር ንርድኢት ዓለም ይጸልዎ እዩ።

ተቓውሞ ኣመሪካን ዘጋጠመ ጌጋ ካርታን

ኣመሪካ ብጌጋ ዘቕረበቶ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ ብጌጋ ዘቕረበቶ ካርታ

ኣመሪካ ነቲ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተቓወመትሉ እዋን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መንግስታ ዝተጠቐመሉ ናይ ኣፍሪቃ ካርታ ዓቢ ነውጺ ፈጢሩ ምጽንሑ ይዝከር።

ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ኤች-ኣይ-ቪ/ኤይድስ ፡ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ዝተጠቐመሉ ካርታ ኣፍሪቃ፡ ንቕርጽን ኣቀማምጣን ሓያሎ ሃገራት ዘዛብዕ ነይሩ።

ኣብቲ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝቐረበ ካርታ፡ ናይጀርያ ባሕሪ ከም ዘይብላ ሃገር፡ ኣይቮሪኮስት ድማ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘይኰነስ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ከም እትርከብ ተገይሩ ተሳኢሉ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ቅርጺ ኡጋንዳ ዝተባላሸወ ክኸውን ከሎ፡ ሞዛምቢክን ማላዊን እውን ብጌጋ ተቐሚጠን ነይረን።

እቲ ካርታ ብኪነታዊ-ብልሒ (AI) ዝተዳለወ ምዃኑን እቲ ብዓል ስልጣን "ነቲ ስላይድ ብሃወኽ ስለ ዝቐየሮ" ዝተፈጠረ ጌጋ ምዃኑን ኣመሪካ እኳ እንተ ገለጸት፡ እቲ ኵነታት ግን ብዙሕ ነቐፌታ ኣስዒቡ እዩ።

ኣባል ሰኔት ኣመሪካ ጂን ሻሂን ነቲ ኵነታት "ዘሕፍር" ክትብል ክትገልጾ ከላ፡ እዚ ጌጋ'ዚ መንግስቲ ኣመሪካ ንኽኢላታት ካብ ስራሕ ኣውጺኡ ንዲፕሎማስያዊ ስራሓት ብኪነታዊ-ብልሒ ክዓምም ብምፍታኑ ዝሰዓበ ውጽኢት ምዃኑ ገሊጻ።

እዚ ዝተዛብዐ ካርታ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚ፡ ምስቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ ኣመሪካ ንሃገራት እትህቦ ሓገዛት ብርቱዕ ምቅናስ ዘርኣየሉ እዋን ብምትእስሳሩ፡ ነቲ ጉዳይ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ትርጕም ኣልቢስዎ እዩ።

"ፍትሓዊት ዓለም ካብ ፍትሓዊ ካርታ እያ ትጅምር"

ንኣፍሪቃ ክንዲ ግሪንላንድ ገይሩ ከርኢ ዝጸንሐ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ንኣፍሪቃ ክንዲ ግሪንላንድ ገይሩ ከርኢ ዝጸንሐ ካርታ (ላዕለዋይ)

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቶጎ ሮበርት ዱሰይ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ድምጺ ምሃብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካርታ ኣብ ዝዀነ እዋን ካብ ወገንነት ናጻ ኣይኰነን። ኣመለኻኽታ ሰባት ይቐርጽ፡ ቦታ ህዝብታትን ኣህጉራትን ኣብዛ ዓለም ከመይ ተገይሩ ከም ዝርአ ድማ ጽልዋ የሕድር እዩ፡" ኢሉ።

ነዚ ንዘመናት ዝጸንሐ ጌጋ ንምእራም፡ ብ2018 ዝተዳለወ 'ኢኳል ኤርዝ' (Equal Earth) ዝተባህለ ሓድሽ ካርታ፡ ንዅለን ኣህጉራት ብፍላይ ድማ ንኣፍሪቃ ብልክዕ ዝውክል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ብሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ውሳነ ቀያዲ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ትካላት ትምህርትን ዜናን ነታ ኣህጉር ብቅኑዕ ዓቐና ዝገልጽ ካርታ ክጥቀሙ መንገዲ ዝጸርግ ስጕምቲ እዩ።