እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስምምዕ ኣመሪካን ኢራንን፡ ትራምፕ 'ተወዲኡ' ቅድሚ ምባሉ ዝፈረሰሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝነበረ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ "ምብቅዑ" ኣዊጁ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ተራሕዩ ዝነበረ ማዕጾ ዘተ ዝዓጹ እዩ ዝመስል። እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ኣንካራ ዝተኻየደ ዋዕላ ኔቶ፡ "እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዘብቅዐ ይመስለኒ፤ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስኣቶም ክሰማማዕ ኣይደልይን እየ፣ መታለልቲ እዮም፡" ኢሉ።
ክልተኦም ወገናት ምሉእ ብምሉእ ተዅሲ ደው ኣቢሎም ዘይፈልጡ እኳ እንተዀኑ፡ ኣብ መፋርቕ ሰነ ሰነድ ምርድዳእ ድሕሪ ምፍራሞም፡ ብዘይተለምደ መንገዲ መጥቃዕትታት ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
ዋሽንግተንን ቴህራንን ናብ ዝገደደ ግጭት ገጸን ዘምርሓ ዘለዋ ይመስላ። ክልተኦም ወገናት ድማ ኢዶም ክህቡ ኣይደለዩን።
ኣብ ቺካጎ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ሮበርት ፔፕ፡ "እቲ ጸገም፡ ትራምፕ ነቲ ዝገጠሞ ስትራተጅያዊ ስዕረት ክቕበል ድልው ብዘይምዃኑ እዩ፡" ይብል።
እቶም ውግእ ክውልዑ ዝኽእሉ ኵሎም ምኽንያታት ድማ ዛጊት ፍታሕ ኣይረኸቡን።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብ ምቕያር ስርዓት ክሳብ ንዩክለሳዊ ስምምዕ፡ ድሕሪኡ ድማ ክሳብ ምዕናው ውጥን ባሊስቲክ ሚሳይል ኢራን ዘቐመጦም ሸቶታት ኣይሃረመን።
እዚ ድማ መብዛሕትኦም እዞም ጉዳያት እዚኦም ንዝቕጽሉ ዘተታት ክመሓላለፉ ገይሩ እዩ።
እቲ ግጭት ንጽልዋ ኢራን ካብ ምምላስ ብተወሳኺ፡ እታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኣብቲ ዞባ ቀንዲ ተዋሳኢት ክትከውን ኣኽኢሉዋ እዩ።
ብተወሳኺ፡ እታ ሃገር ንመጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ምቍጽጻርን መራኽብ ዒላማ ናይ ምግባርን ዓቕማ፡ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ብንጹር ኣርእያ እያ።
"ኢራን ብምኽንያት እዚ ውግእ ዝያዳ ዝሓየለት ኰይና፡ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ሚዛን ሓይሊ ድማ ቀዪራቶ እያ፡" ይብል ፔፕ።
እቲ ወዲ 86 ዓመት ላዕለዋይ መራሒ ምስ ተቐትለ፡ ወዲ 56 ዓመት ወዱ ሞጅታባ ኻመኒ ስልጣን ተረኪቡ ኣሎ። እቲ ሓድሽ ምሕደራ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ መደበራት ሰራዊት ኣመሪካን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ወሽመጥን መጥቃዕቲ ንምክያድ፡ ነቲ "ኣይውግእ ኣይሰላም" ዝብል ኵነታት ናብ ጐድኒ ገዲፉዎ ኣሎ።
ካብ ቴህራን ብዝተተኰሱ ድሮናትን መጥቃዕትታት ባሊስቲክ ሚሳይልን ድሕሪ ምፍጻሞም፡ እተን ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት ወሽመጥ፡ "ብኣመሪካ ክንሕሎ ኢና" ዝብል ምትእምማነን ስለ ዝቐነሰ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ዕርቂ ዋዕላ ተዳሉ ከም ዘላ ይግለጽ። ይዅን'ምበር፡ እዚ ምድንጋር'ዚ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ዘተ ኣይተንጸባረቐን።
እቲ 14 ነጥብታት ዝሓዘ ሰነድ ምርድዳእ፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክፉት ዝገብርን ኣብ ዓለማዊ ቍጠባዊ ዕዳጋ ጸዓት ዘሎ ጸቕጢ ዝቕንስን ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቶም ከበድቲ ዝዀኑ ንዩክለሳዊ መደባት ኢራንን እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ እትድግፎም ጕጅለታትን ንምዝታይ ማዕጾ ዝኸፍት እዩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ንዩክለሳዊ ሕቶታት ክፍታሕ ይትረፍ፡ ትርጕም ናይቲ ሰነድ ምርድዳእ ባዕሉ መድረኽ ውድድር ኰይኑ ኣሎ። ቴህራን ኰነ ዋሽንግተን "ኣይስዓርን" ኣብ ዝብል ህልኽ ተጸሚደን ኣለዋ።
ነዚ ህልኽ እዚ ድማ ኣብ ሰለስተ ዝተወሰኑ ቦታታት ምርዳእ ይከኣል - ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣብ ሊባኖስ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ውግእ ደው ንምባል ዝቐረበ ናይ ዳግመ ህንጸት ፋይናንሳዊ ውጥን።
መጻብቦ ሆርሙዝ ናይዚ ንጹር ኣብነት እዩ። ፔፕ፡ "ትራምፕ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክትቈጻጸሮ ኣይቅበልን እዩ፡" ብምባል፡ እቲ ሰነድ ምርድዳእ ምስ ተፈረመ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንዝተፈላለዩ ነጥብታት ናይቲ ስምምዕ ከዳኽሙዎም ከም ዝጀመሩ ይገልጽ።
ኣመሪካ ምስ ዖማን ብምስራሕ ካብ ቴህራን ምትሕብባር ዘይሓትት ካልእ ኣማራጺ መተሓላለፊ መስመር ክትፈጥር እያ ትደሊ። ኢራን ግን እቲ መጻብቦ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ምዃኑ ርእይቶኣ ገሊጻ እያ።
ኣብ ጀርመን ትካል ኣህጉራዊ ርክባትን ጉዳያት ድሕነትን በጻሒ መምህር ሓምድሬዛ ዓዚዚ ከም ዝገለጾ፡ "ብኣረኣእያ መራሕቲ ቴህራን፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ናይ መተሓላለፊ ክፍሊት ንዘይምኽፋል ዝነበረ ድሌት ድሩት እዩ ነይሩ። ብፍቓድ ይዅን ብዘይፍቓድ፡ መራኽብ ናይ ምቍጽጻር እጃማ ክትሓድጎ ኣይደለየትን።"
ዋሽንግተን ድማ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳ ብምውሳኽ ወይ ኣማራጺ መተሓላለፊ ብምድላይ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነታ ከተረጋግጽ እያ ትደሊ።
ንቴህራን ግን እቲ ጉዳይ ልዕሊ መተሓላለፊ እዩ። እዚ ድማ እቲ መጻብቦ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጽልዋ ንምፍጣር ወሳኒ ስለዝዀነ እዩ። ነቲ መጻብቦ ብምምሕዳር፡ ኢራን ዘለዋ ናይ መሪሕነት ግደ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ገይሩ እዩ፤ ምኽንያቱ "ብዘይ ፍቓድ ኢራን ኣማራጺ መስመር እንተ ተዳልዩ፡ ቴህራን ከም ስትራተጅያዊ ውድቀት እያ ትርእዮ፡" ይብል ኣዚዚ።
ብተመሳሳሊ፡ ጉዳይ ሊባኖስ እውን ክልዓል ይከኣል እዩ። እቲ ሰነድ ምርድዳእ፡ ኢራን ምስ ሕዝቦላህ ሓዊስካ ኣብቲ ዞባ ምስ ዘለዉ መናሓንሕቲ ጕጅለታት ዘለዋ ርክብ እኳ እንተ ዘይተጠቐሰ፡ እቲ ስምምዕ ኵለንተናዊ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ደው ከብልን ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሊባኖስ ክኽበርን ይሓትት።
ከምቲ ሓያሎ ተንተንቲ ዝብሉዎ፡ እቲ ሰነድ ምርድዳእ ንሊባኖስ ምጥቃሱ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዓወት ኢራን እዩ። እዚ ድማ ነቲ ሰፊሕ ጂኦ-ፖለቲካዊ ግጭት ንምፍታሕ ወሳኒት ምዃና ተፈላጥነት ከም ዝረኸበት ዘመልክት እዩ።
ኣዚዚ፡ "ኣመሪካ ግን ነዚ ነገር እዚ ብጸቢብ ኣረኣእያ እያ ተርጒማቶ። ከም መረጋገጺ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሊባኖስ ጥራይ እያ ርእያቶ።
ኣብ ዝስዕብ ፖለቲካዊ ጕዕዞ እታ ሃገር፡ ቴህራን ዝህልዋ ፍሉይ ግደ ኣይተመልከቱን፡" ይብል።
በቲ ሓደ ወገን ድማ ዋሽንግተን ነዚ ለውጢ እዚ ጐድኒ ንጐድኒ ብዝካየድ ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክትቅይሮ ደልያ ነይራ እያ። ቴህራን ግን ብመንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝግበር ዘተ፡ ንኢራን ንምግላል ዝግበር ፈተነ ገይራ እያ ርእያቶ።
ኢራን ከመይ ዝበለ ፋይናንሳዊ ደገፍ ክትጽበ ከም እትኽእልን ምስዚ ተተሓሒዞም ክመጽኡ ዝኽእሉ ጉዳያትን እውን ንጹራት ኣይኰኑን።
ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ዘመልክቱዎ፡ መጠንን ግዜን ናይቲ ማዕቀብ ምፍኳስ፡ ከምኡ'ውን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምክፋት ከም ኣምሳያኡ ዝተኣገደ ሃብትታታ ክልቀቐላ ምግባር ዝብሉ ነጥብታት ይርከቡዎም።
እቲ ኣዝዩ ኣከራኻሪ ኰይኑ ዘሎ ግን እቲ 300 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምወላ ዳግመ ህንጸት ኰይኑ፡ ንደገፍቲ ትራምፕ'ውን ከይተረፈ ዘሻቐለ እዩ ነይሩ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ውጥን ሓባራዊ ህንጸት ቅድመ-ኵነታት ዘለዎ ምዃኑ ንጹር ገይሩ ኣሎ።
እዞም ቅድመ-ኵነታት እዚኦም፡ ንውጥን ሚሳይልን ድሮንን ኢራን ምቕያር፡ ከምኡ'ውን ንዞባዊ ግደ እታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ምቕያር ዝብሉ ከም ዝርከቡዎም ጠቒሱ ኣሎ።
እዚኦም ድማ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሰነድ ምርድዳእ ኣይተጠቐሱን። እቲ ኣገባብ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ወጻኢ ኢራን ጸቕጢ ንምፍጣር፡ ቍጠባዊ ጥቕምታት ንምጥቃም ዝተዳለወ ይመስል።
ነቲ ዘተ ከም ዓወት ዝረኣየቶ ኢራን ድማ ነቶም እናወሰኹ ዝመጽኡ ስምምዓት ከም ዘይትቕበሎም ገሊጻ እያ። ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዚም ጋሪባባዲ ነቲ ሓድሽ ናይ ትራምፕ ምፍርራሕ፡ "ናይ ሓይሊ ምልክት ዘይኰነስ፡ ንኢራን ከንበርክኹ ዘይከኣለ ንጉዕ ሓይሊ፡ ማዕቀብን ዓመታት ዝወሰደ ምፍርራሕን ዝሃነጾ ፖሊሲ ውድቀት እዩ፡" ኢሉዎ።
ይዅን'ምበር፡ ክልተኦም ወገናት ገዛእ-ርእሶም ይከላኸሉ ከም ዘለዉ እዮም ዝኣምኑ። ሓድሽ ናይ ቅልውላው ምዕራፍ ስለ ዝተኸፍተ፡ ሓደኦም ዝፈጸሞ ተመሳሳሊ ተግባር ብኻልእ መንገዲ ክትርጐም ይኽእል እዩ።
ተመራማሪ ፖለቲካ ፔፕ፡ "እዚ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ መፈንጠራ እዩ። ነፍሲ ወከፎም ዝወስዶ ውሱን ስጕምቲ፡ እቲ ሓደ ወገን ውሱን ምላሽ ንኽህብ የለዓዕሎ።
እዚ ዕንክሊል'ዚ ክልተኦም ወገናት ምሉእ ወረራ ዘይደልዩ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም፤ ቀስ ብቐስ ግን ናብኡ ክስሕቦም ይኽእል እዩ፡" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።
ሆርሙዝ፡ ሊባኖስን እቲ ናይ ዳግመ ህንጸት ገንዘብን፡ ንቴህራንን ዋሽንግተንን ብዘተ ካብ ግጭት ኣብ ዝወጽእሉ ሓባራዊ ጥቕሚ ኣብ ክንዲ ምትኳር፡ ድሕሪ ውግእ ንዘሎ ምስለን ንምቕያር ኣብ ሓያል ውድድር ኣእትይወን ኣሎ።