ንስለ ደቃ ኣብ ፌስቡክ ዝለመነት ኣደ ብልግሲ ኵሊት ዘይትፈልጦ ሰብ ዳግም ህይወት ረኺባ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሓንቲ ብሰንኪ ኵላሊታ ኣብ ፌስቡክ ናይ ቅባጸት ልማኖ ዘቕረበት ኣደ፡ መወዳእታኡ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ኵላሊቱ ክጽግወላ ፍቓደኛ ድሕሪ ምዃኑ፡ ህይወታ ዘድሓነ መብጣሕቲ ምስጋር ኣካል ተገይሩላ።

እታ ጓል 41 ዓመት ካረን ዴቪ፡ ናብ መረባ ፌስቡካ ቀሪባ ቅድሚ ምልማና ኵሉ ዓይነት ጻዕሪታት ገይራ ተስፋ ቈሪጻ ነበረት። ንሳ ኣብቲ ዝለጠፈቶ ጽሑፍ፡ "ንቤተሰበይ ብዘይ ኣደ ክሓድጎም ኣይደልን እየ" ክትብል ስምዒታ ገሊጻ ነይራ።

ነቲ ናይዛ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ጽሑፍ ዝረኣየ ጋሪ ሳመርፊልድ፡ ኵላሊቱ ክህብ ከም ዝኽእል ምስ ኣረጋገጸ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብዝተገብረ መብጣሕቲ ሓንቲ ካብ ኵላሊቱ ለጊሱላ።

ጋሪ ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጕምቲ ክገልጽ ከሎ፡ "እዛ ሰበይቲ ካብቲ ኣነ ክልተ ኵላሊት ዘድልያኒ ንላዕሊ፡ ንሳ ሓንቲ ካብአን ዝያዳ ተድልያ እዩ ኢለ ሓሲበ" ኢሉ ነይሩ።

ቤተሰብ ካረን ንልግሲ ጋሪ ብምንም ክኽሕስዎ ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ፡ እዚ ተግባር እዚ ንሳ "ከም ብሓድሽ ኣደ ንኽትከውን ካልኣይ ዕድል" ከም ዝሃባ ገሊጾምዎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ደምን ምስጋር ኣካላትን ብሪጣንያ፡ ካብ ዝሞተ ሰብ ኵላሊት ንምርካብ ብገምጋም ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ይወስድ። እንተዀነ፡ ብህይወት ዘሎ ለጋሲ ምስ ዝርከብ፡ እቲ ግዜ ናብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክሓጽር ይኽእል እዩ።

እዚ ንካረን ህይወታ ዘድሓነ ካልኣይ ናይ ምስጋር መብጣሕቲ እዩ። ንሳ ቅድሚ 10 ዓመታት እውን፡ ጓል 31 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ፡ ወዳ ኵዕሶ እግሪ ክጻወት እናተዓዘበት እንከላ ሃንደበታዊ ወቕዒ ድኻም ልቢ ስለ ዘጋጠማ፡ ምስግጋር ልቢ ተገይሩላ ነይሩ እዩ።

ሓደ መስርሕ ምስጋር ምስ ተገብረ፡ እቶም ተሓከምቲ ዝወስድዎም መድሓኒታት ተቓላዕነትተኽእሎ ረኽሲ ይውስኽ እዩ። ብሰንኪ ዘጋጠሙ ተወሰኽቲ ጸገማት ድማ ኵላሊት ካረን ስርሐን ከቋርጻ ተገዲደን።

ካረን ብዛዕባ እዚ ክትገልጽ እንከላ፡ "ድሕሪ እቲ ምስግጋር ልቢ ዝወስዶም ዝነበርኩ ከኒናታት ንኵላሊተይ ከም ዝጐድአን እፈልጥ ነይረ እየ። ስለዚ እቲ መጠን መድሓኒት ኣዝዩ ትሑት ንክኸውን ይጽዓር ነይሩ።

"እንተዀነ ግን፡ ካብቲ ልቢ ዝተሰጋገረሉ እዋን ጀሚረ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምስግጋር ኵላሊት ከም ዘድልየኒ ንፈልጥ ነይርና ኢና፤ እዚ ድማ ብኣእምሮኣዊ ሸነኽ ክትጻወሮ ኣዝዩ ከቢድ እዩ" ትብል።

ካረን፡ ኵላሊታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ስራሕ ምቍራጽ (stage three kidney failure) ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኵላሊት ፈተውታን ቤተሰባን ምስኣ ክሰማማዕ ከም ዘይከኣለ ምስ ፈለጠት እያ ኣብ ፌስቡክ ምሕጽንታ ክተቕርብ ዝወሰነት።

ንሳ ኣብቲ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ፡ ሳሕቲ ዝርከብ ዓይነት ደም ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ እቲ ዘጋጠማ ሕማም ኵላሊት ንቡር ህይወታ ንኸይትመርሕ ዕንቅፋት ኰይንዋ ከም ዘሎ እያ ገሊጻ።

"እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስበኒ ነገር ደቀይ እዮም፤ ምስኣታቶም ክህሉ እየ ዝደሊ" ትብል ካረን።

እቲ ብዅሪ ወዳ ሕጂ 22 ዓመት ክኸውን ከሎ፡ ንሳ ድማ እኖሓጐ ወዲ ሓደ ዓመት ሕጻን ኰይና'ላ። ወሲኻ ክትገልጽ ከላ፡ "እቲ ምስግጋር ልቢ ምስጋር ክግበረለይ ከሎ ደቀይ ብዓሰርተ ዓመት ንኣሽቱ ነይሮም፤ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሕ ሕልኽላኻት ኣሕሊፎም እዮም፤ እዚ ጸገም ኵላሊት ድማ ካልእ ዝተወሳኸ ዕንቅፋት እዩ ነይሩ" ትብል።

ጋሪ ሳመርፊልድ፡ ወዲ 60 ዓመት ሰራሕተኛ ሓለዋ ጸጥታ ኰይኑ፡ ነቲ ናይ ካረን ጽሑፍ ብኣጋጣሚ ምስ ረኣዮ ሓገዝ ክገብር ከም ዘለዎ ተሰሚዑዎ።

"ነቲ ካረን ዘቕረበቶ ናይ ሓገዝ ምሕጽንታ ምስ ረኣኹዎን ብዛዕባ ደቃ ምስ ጠቐሰትን፡ 'ካረን ምስ ጓለይ ማዕረ ዕድመ እያ፤ እቲ ንእሽቶ ወዳ ድማ መሰታ ወዲ ጓለይ እዩ' ኢለ ሓሲበ፤ ንደቃ ድማ እቲ ኵነት ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝዀነ ተረዲኡኒ" ይብል ጋሪ።

ወሲኹ፡ "እዚ ዘጋጠመ ነገር ኣብ ጓለይ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ካብ ቤተሰብን ኣዕሩኽን ሓገዝ ምስ እንስእን፡ ሓደ ዘይንፈልጦ ሰብ ክሕግዘና ምደለኹ። ስለዚ፡ ሓገዝ ዘይምሃብ ስስዐ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። እዛ ሰበይቲ ካብቲ ኣነ ክልተ ኵላሊት ዘድልየኒ ንላዕሊ፡ ሓንቲ ካብአን ንሳ ዝያዳ ተድልያ እያ" ኢለ።

ጋሪ ምስ ካረን ኣቐዲሙ ዝዀነ ምፍላጥ ኣይነበሮን። እንተዀነ፡ ብኡንብኡ ምርመራ ንኽገብር ፍቓደኛ ኰይኑ ቀሪቡ።

ንሱ፡ ምስ ካረን ዘለዎ ስነ-ህይወታዊ ምስምማዕ ዘረጋግጽ ምርመራ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ገምጋም፡ ናይ ደምን ኮለስትሮልን መርመራታትን ካልእ ሰፊሕ ሕክምናዊ ምርመራታትን ተገይሩሉ።

ድሕሪ እዚ ኵሉ መስርሕ ድማ፡ ክልቲኦም ብ15 ሓምለ ኣብ ከተማ ካርዲፍ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ዌልስ፡ ንሽዱሽተ ሰዓታት ዝወሰደ መብጥሕቲ ተገይሩሎም።

ጋሪ በቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ንሓንቲ ካልኢት እኳ ተጠራጢሩ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ።

ወሲኹ፡ "ድሕሪ እቲ መስርሕ ምስጋር ንመጀመርታ ግዜ ንካረን ሎሚ ክርእያ ከለኹ፡ ኣዝያ ደሓን ኰይና ምርኣየይ ኣዝዩ ዘሐጕስ እዩ" ኢሉ።

"ንዓይ፡ ኵሊት ምልጋስ ምስ መርዓይን ደቀይ ምውላድን ማዕረ ዝስራዕ ኰይኑ፡ ኣብ ህይወተይ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣዝዮም ዓበይቲ ፍጻመታት እዩ። ንሳ ይዅን ቤተሰባ ድማ፡ ነዚ ሓገዝ እዚ ብሓቂ ዝግብኦም እዮም" ክብል ስምዒቱ ገሊጹ።

ካረን "ሚእቲ ዕጽፊ ዝሓሸ" ስምዒት ከም ዘለዋ ክትገልጽ ከላ፡ በዓል ቤታ ማቲው ድማ ንጋሪ ኵሉ ግዜ የመስግንዎ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለም እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ኵሉ ሰብ ይፈልጥ እዩ፤ ሓደሓደ ግዜ ዓለም ኣዝያ ሕማቕ ኰይና ትስምዓካ። እንተዀነ፡ ከምዚ ዝበለ ተግባር'ዚ ድማ ኣብ ዓለም ሕያዋይ ሰብ ከም ዘሎ ዘርኢን ብሓቂ ተስፋ ዝህበካን እዩ" ይብል ማቲው።

ኣተሓሒዙ፡ "ነቲ ጋሪን ቤተሰቡን ዝገበርዎ ልግሲ፡ ንካረን ድማ ካልኣይ ዕድል፡ ንደቅና ኣደ ንኽትኰኖምን ዝግብኣ ህይወት ንኽትመርሕን ንዝሃቡና ውዕለት ብምንም ክንከፍሎ ኣይንኽእልን ኢና። ንሱ ናይ ህይወት ውህበት እዩ ሂቡና" ኢሉ።

ካረን ብወገና፡ "ሓደ ሰብ ተበግሶ ወሲዱ ነቲ ብዙሕ ዝዀነ ምርመራታት ክሓልፎ ምኽኣሉ ዘገርም እዩ። ሓደ ሰብ ንዘይፈልጦ ሰብ ኢሉ ነፍሱ ንከምዚ ዝበለ ኵነት ኣሕሊፉ ክህብን ኵሊቱ ንኽውሰድ ፍቓደኛ ክኸውንን ምርኣይ፡ ብሓቂ ዘደንጹ እዩ፤ ኣዝየ ድማ እየ ዘመስግን" ኢላ።

ወዲ 17 ዓመት ወዶም ብራንደን፡ ድሕሪ እቲ መብጣሕቲ ኣደኡ ናብ ንቡር ጥዕናኣ ክትምለስ ምርኣዩ "ዘገርም" ምዃኑ ገሊጹ። "ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝነበረቶ ኵነት ሕጂ ኣዝያ ጽቡቕ ኣላ" ኢሉ።

"ናብ መብጣሕቲ ክትኣቱ ከላ ዘፍርሕ ምዃኑ ርዱእ እዩ፤ እንተዀነ ኵሉ ግዜ ተስፋ ክህልወካ ኣለዎ። ኣብዛ ዓለም ገና ሕያዎት ሰባት ምህላዎም ብሓቂ ዘደንጹ እዩ" ክብል ስምዒቱ ኣካፊሉ።