እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ንዩክለር ዝዓጠቐት ሳተላይት ክትውንጭፍ ድያ? ወጥሪ ኔቶን ሩስያን ናብ ህዋ የምርሕ
ላዕለዋይ ሓላፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ማርክ ሩተ፡ ሩስያ ኑክሌር ዝዓጠቐት ሳተላይት ናብ ህዋ ክትውንጭፍ ምዃና ድሕሪ ምቅልሑ፡ እቲ ኪዳን ነዚ ስግኣት እዚ ንምክልኻል ክሰርሕ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብመሰረት ማዕከናት ዜና ጀርመን ንስለያዊ ጸብጻብት ከም ምንጪ ብምጥቃም ዘቃልሓኦ ዜና፡ ሩስያ ነታ ኑክሌር ዝዓጠቐት ሳተላይት ኣብ ዝመጽእ 60 መዓልታት ናብ ህዋ ክትውንጭፋ'ዩ መደብ ዘለዋ።
ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ ዝምልከት ንማርክ ሩተ ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ "ወትሩ ንነፍሲ ወከፍ ስድሪ ግዝኣት ሃገራት ኔቶ ከም እንከላኸል ርግጸኛታት ኢና ንኸውን፡ እዚ ከኣ ካብ ህዋ'ውን ክመጽኣና ካብ ዝኽእል ሓደጋ ዘጠቓልል'ዩ" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ነቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ከምዘይርኣዮ ብምሕባር፡ እቲ "ዘይተገልጹ ምንጭታት" ከምዝሓበርዎ ተባሂሉ ዝወጽአ ጸብጻብ ብምንጻግ ነዚ ከምዚ ዓይነት ዘረባታት ፋዕራ ከምዘይህቦ ኣብሪሁ።
ኤምባሲ ሩስያ ኣብ በርሊን ንማዕከናት ዜና ጀርመን ኣብ ዝሃቦ ቃል'ውን ፡ ነቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ብምንጻግ እቲ ጸብጻብ "መርትዖ ዘይብሉ ጸለመን ኣካል ፕሮፖጋንዳን'ዩ" ኢልዎ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ማርክ ሩተ ኣብ በርሊን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኔቶ ግብረ መልሲ ክህበሉ ዝኽእል ብዙሕ ኣማራጺታት ከምዘለዎ ብምጥቃስ "ኣብ ወተሃደራዊ ዓውዲ ክኸውን እንከሎ፡ ንዓቕሚ ምዕጋትናን ምክልኻልናን ኵሉ ግዜ ገምጋም ንገብር፣ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ምምሕያሻትን ሓድሽ ምዕባለታትን ንገብር" ኢሉ።
ስሞም ዘይተገለጹ ናይ ጀርመን ወተሃደራውን ስለያውን ምንጭታት ዝተመርኮሱ ጸብጻባት፡ መራኸቢ ብዙሃን ጀርመን ኤንኣርዲን ዳብሊውዲኣርንን ዝተበሃላ ጋዜጣታት ከም ዝገለጸኦ፡ ሳተላይት ሩስያ "ስፑትኒክ ኤስ' ተባሂሉ ከምዝጽዋዕን ኑክሌር ዝዓጠቐ ከምዝዀነን'የን ኣቃሊዐን።
እዚ ሳተላይት ንኻልኦት ኣብ ህዋ ዝርከባ ሳተላይታት ከዕንወን ወይ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከገብረን ይኽእል'ዩ። እዚ ከኣ መስመራት ርክብ ብምብልሻውን ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ መደበር ከምዘይራኸብ ክገብረን ከምእኽእል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ጎኒ ማርክ ሩተ ዶው ኢሉ ዝነበረ ቻንስለር ጀርመን ፍረደሪክ መርዝ ነቲ ብዛዕባ መደባት ሩስያ ዝወጽአ ጸብጻብ እወ ሓቂ'ዩ ወይ ኣይፋሉን እኳ እንተዘይበለ፡ እቲ ጸብጻባት ግን "ሩስያ ክሳብ ክንደይ ናብ ደረጃ ምስፍሕፋሕ ወይ ምትራር ኵነታት ክትከይድ ድልውቲ ከም ዘላ ዘርእዩ እዮም" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "ሩስያ ናብ ህዋ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከተእቱ ትሓስብ ኣላ ዝብሉ ጸብጻባት ሓደስቲ ኣይኰኑን፤ ግን እዚ ዝፈጠሮ ስንባደ ወይ ሻቕሎት ኣይነከየን" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ጀርመን፡ ነቲ ዝወጽአ ጸብጻበን ንሓቕነቱ ኣይነጸጎን ወይ'ውን ሓሶት'ዩ ኣይበሎን እንተዀነ ነቲ ጸብጻብ ብዕቱብ ይርእዮ ከምዘሎ ምግላጹ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ኤጀንሲ ጠፈር ኣውሮጳ ጆሴፍ ኣስችባቸር "ኣብ ህዋ ኑክሌር ዝዓጠቐ ሳተላይት ምግባር ዘባህርር ክስተት'ዩ" ምባሉ ጋዜጣ ጀርመን ገሊጻ።
ሩስያ ሓንቲ ካብተን ንውዕል 1967 ዝፈረማ ሃገራት'ያ።
እዚ ውዕል እዚ ሃገራት ናብ ህዋ ኣዕናዊ ኣጽዋር ከይውንጭፋ ዝኽልክል'ዩ።
ኣቐዲመን ግን ኣመሪካን ቻይናን ዝርከበአን ካልኦት ሃገራት ነቲ ውዕል ብምጥሓስ ኣጽዋር ዝጽዓና ሳተላይት ናብ ህዋ ወንጪፈን ወይ ክውንጭፋ መደብ ኣውጺአን'የን።
ኣብ 2024 ኣመሪካ፡ ሩስያ ጸረ ሳተላይታት ዝሰርሕ ኑክሌር ዝዓጠቐ ሳተላይት ናብ ህዋ ናይ ምውንጫፍ መደብ ከምዘለዋ'ኳ ከሲሳታ እንተነበረት፡ ሩስያ ግን ነቲ ክሲ ነጺጋቶ'ያ።
ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "መደብና ንጹርን ሕብእብእ ዘይብሉን'ዩ፤ ኣብ ህዋ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ሳተላይታት ክህልዋ የብለንን፡ ሕጂ'ውን መርገጺና እዚ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።