ኢትዮጵያ ብዙሓት ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ ካብ ሩስያ ከምዝዓደገት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed
ኢትዮጵያ ካብ ሩስያ ዝኣዘዘተን ሱ-35 ዝተባህላ ነፈርቲ ኲናት ከምዝተረከበት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።
እተን 12 ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ኣቐዲሙ ምስ ሩስያ ብዘስተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ከምዝተረከብውን'ዩ ኣቢይ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ ዘሎ።
"ምስ መንግስቲ ሩስያ ብዝገበርናዮ ስምምዕ መሰረት ሎሚ 12 ሱ-35 ናይ 4++ ትውልዲ ነፈርቲ ውግእ ተረኪብና ኣለና።
"ነቲ መሓዛይ ዝኾነ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነተን ነፈርቲ ኲናት ካብቲ ዝተሰማማዕናሉ ናይ ግዜ መቓን ብሓደ ዓመት ኣቐዲሙ ክንርከበን ንዘርኣዮ ተወፋይነት ዘለኒ ምስጋና ክገልጸሉ እፈቱ" ይብል ኣቢይ ኣብቲ ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ ሓበሬታ።
ነተን ነፈርቲ ዝዓቐጠቐት ኢትዮጵያ ኣብ "ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ መሪሕ ቦታ ሒዛ" ከምዘላ'ውን እቲ ናብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ተሓንዩ።
"እዚ ዝህነጽ ዘሎ ኩነተ ድልውነት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ንወራር ኣቐዲማ ክትከላኸል ዕድል ዝህባ'ዩ" ድማ ኢሉ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኤስ-400 ዝተባህለ ኣርባዕተ ምዕቡል ጸረ-ኣየር ሚሳይላት ካብ ሞስኮ ክትቅበል ምዃና'ውን ጠቒሱ'ሎ።
ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ኣብ ወጥሪ ዳግማይ ኩነተ-ኲናት ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን'ያ ነዘን ነፈርቲ ትርከበን ዘላ።
እቲ ምስ ሩስያ ዝሓሸ ርክብ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኤርትራ'ውን ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ትማሊ ሞስኮ ከምዝኣተወ ይዝከር።
ሞስኮ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ምትፍናን ንምቅርራብ መንጐኛ ክትከውን ድልውቲ ምህላዋ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ንኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት፡ ከም ዝተረዳእኩዎ ንዛረበሉ ዘለና ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ እዩ። ክልተአን ሃገራት ነዚ ሕጂ ኣቋሪጸንኦ ዘለዋ ርክብ ከሐድሳ ድሌት ኣለና" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልኡኽ ሩስያ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ከምዝተሰማምዐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ፈረንሳ'ውን እውን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ኣብ ምቛም እቲ ንኤርትራን ጐረባብቲ ሃገራትን ከምዝግኣት ዝርአ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝኣክል ምድግጋፍ ከም እትገብር ቃል ኣትያ ምንባራ ይዝከር።
ኣብ ሚያዝያ 2024 ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ቭልድሚር ኮሳንቶቭ ዝመርሖ ዘሎ ልኡኽ ሩስያ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተራኺቡ ነይሩ።
ቅድሚኡ ኣብ ጥሪ 2023 ኣስመራ በጺሑ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ'ውን ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኤርትራ ንምሕያል ቅሩባት ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።
"ናይ ምክልኻል ዓቕማ ኣብ ምሕያል ናይ ኤርትራ ድሌታት ከነማልእ ድሉዋት ኢና።"
እንተኾነ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ኣስመራን ሞስኮን ክሳብ ሎሚ ብወግዒ ዝፍለጥ የለን።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
