እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ትራምፕን ዘየሳነያ ሰለስተ ጕዳያት

  2. ጽባሕ ዓውደ ዓመት ዘጨንቐና ክብደት ሰብነት ንምንካይ ዝሕግዙ ቀለልቲ ኣገባባት

  3. ንኢራን ጸለውቲ ቪድዮታት ኤኣይ ዝሰርሓላ ዘሎ ክኢላ እንታይ ይብል?

  4. 'ንትራምፕ ኣይፈርሖን እየ' - ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14

    ኣብ መንጐ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለምን ፕረዚደንት ኣመሪካን ዝተጀመረ ዳርባ ቃላት ይቕጽል ኣሎ።

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ደርበይቲ ቦምባታት" ደቂ-መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን ዝብል ነቐፌታ ወርዊሮም ነይሮም።

    እቲ ርእይቶ ንዶናልድ ትራምፕ ዘቖጥዐ ኮይኑ ተረኺቡ'ሎ። እቲ ፕረዚደንት በቲ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ኣብ ክንዲ ፖለቲከኛ፡ ዓቢይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንምዃን የተኩሩ" ብምባል ክምዕዶም ፈቲኑ።

    እቶም መንፈሳዊ መራሒ ኣብ ጉዳይ "ገበን ድኹም" እዮም ዝበለ ትራምፕ፡ "ጸግዒ ሕሉፋት ጸጋማውያን" ኣለዎም ክብል ወቒሱ።

    "ኣነ ኣብ ዋይት ሃውስ [ከም ፕረዚደንት] እንተዘይህሉ፡ ሊዮ ኣብ ቫቲካን ኣይምሃለወን"።

    ኣቡነ ሊዮ መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገሽሉ ዝነበሩ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ'ውን ንግብረመልሲ ትራምፕ ምላሽ ሂቦምሉ ኣለዉ።

    "ብዛዕባ መልእኽቲ ወንጌል ዓው ኢለ ንምዝራብ ወይ ንምምሕዳር ትራምፕ ኣይፈርሕን እየ" ክብሉ ንሰላም ዘለዎም መርገጺ ደጊሞም ኣነጺሮም።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን "ብህይወት ድኹማት፡ ቆልዑን ስድራቤታትን ዝርከብ ረብሓ ዋጋ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ" ብምባል'ዮም ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ዘነጻጸረ ነቐፌታ ገሊጾም ነይሮም።

    "ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ቦታ ናጽነት ወይ እዋን ሰላም ኣይክፈጥርን እዩ" ክብሉ'ውን ኣጠንቂቖም።

  5. ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዑደት ሎሚ ፈሊሙ

  6. ኣመሪካ ዝኣወጀቶ ምኽርዳን መጻብቦ ሆርሙዝ ጀሚሩ

    ኣመሪካ ዝኣወጀቶ ምኽርዳን መጻብቦ ሆርሙዝ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ጀሚሩ'ሎ።

    ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ዘሎ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዝኾነት ካብን ናብን ወደባት ኢራን እትጓዓዝ መርከብ ንግዲ ክማርኽ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ኣብ ፓኪስታን ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ብዘይፍረ ድሕሪ ምውድኡ'ያ ኣመሪካ ነቲ ስጉምቲ ወሲዳ ዘላ።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ጸኒዑ'ኳ እንተሎ፡ ቴህራን ንጠለባት ዋሽንግተን ብምንጻጋ፡ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣቐዲሙ ዘጠንቀቐሉ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል'ዩ።

    ብኻልእ ወገን፡ ተስፋ ዘተ ሰላም ጠቕሊሉ ከምዘይቀሃመ ኢስላማባድ ኣፍሊጣ'ላ።

    ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዝሓበሮ፡ ቀደማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ጻዕርታቱ ይቕጽል ከምዘሎ ተዛሪቡ።

    "ምቁራጽ ተዂሲ ጸኒዑ'ሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ፡ ንዝተረፉ ዘይተወድኡ ጉዳያት ንምፍታሕ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ" ክብል ሸህባዝ ሻሪፍ ተስፋ ሂቡ።

    መራኽብ ኲናት ኢራን ነቲ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ ከተዓናቕፋ እንተ ፈቲነን "ክድምሰሳ" ምዃነን ትራምፕ ኣጠንቂቑ'ሎ።

    158 መራኽብ ኲናት ከምዘዕነዉ ዝጠቐሰ ትራምፕ፡ እተን ተሪፈን ዘለዋ ዓቢ ስግኣት ዘይኮና ናኣሽቱ "ፈጣናት መራኽብ" እውን ኣሰር እተን ኣብ ከርሲ ባሕሪ ዘለዋ ከምዝስዕባ'ዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ተሓንዩ።

    "መጠንቀቕታ፡ ዝኾነት ካብዘን መራኽብ እዚአን ናብ ምኽርዳንና እንተመጺአን፡ ብዘየላቡ ክድምሰሳ እየን፡ ልክዕ ከምቲ ንጃላቡ ኣሰጋገርቲ ዕጸ-ፋርሳት ዝገበርናዮ ናይ ቅትለት ስርዓት" ይብል ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል።

    ድሮ፡ ዩ-ኤስ-ኤስ ኣብራሃም ሊንከን ዝተባህለት ዓርሞሸሽ፡ እትርከበን መራኽብ ኲናት ኣመሪካ ኣንፈተን ናብቲ መጻብቦ ኣቢለን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ክጓዓዛ ተራእየን ኣለዋ።

  7. መጻብቦ ሆርሙዝ ብኸመይ ሓያል 'ኣጽዋር' ኢራን ኰይኑ?

    ድሕሪ'ቲ ን40 መዓልታት ዝተኻየደ ግጭት ኢራንን ኣመሪካ-እስራኤልን፡ ሓደ ዘገርም መደምደምታ እዩ ተቐልቂሉ ወጺኡ፤ ኢራን ዝያዳ ብመንገዲ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ዘይኮነስ፡ ነቲ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ምቍጽጻር ዘለዋ ዓቕሚ ብዘግሃደ መልክዕ።

    ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ንቐንዲ ቦታታትን መራሕትን ኢራን ዒላማ ዝገበረ ከቢድ ደብዳባት ብምግባር ለውጢ ስርዓት ንምስግዳድ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ብሰፊሑ ክትረኽ ጸኒሑ እዩ።

    ኢራን ግን ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ወሽመጥ፡ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣዕሊባ፤

    እቲ ተጻብኦታት እናገደደ ድሕሪ ምኻዱ ድማ፡ ኣተኵሮኣ ናብቲ ንወሽመጥ ፋርስ ምስ ዓለማዊ ዕዳጋታት ዘራኽብ ጸቢብ መስመር ማይ ብምዛር፡ ምንቅስቓስ መራኽብ ክትዘርግን ክትዓግትን ክኢላ።

    እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን እተን ብመንገዲ እቲ መጻብቦ ብዝሓልፍ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ነዳድን ጋዝን ዝምርኮሳ መሻርኽታን ብቕጽበት ዓቢ ጸቕጢ ፈጢሩ።

    ሰበስልጣን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ነዚ መስመር'ዚ ምቍጽጻር ካብቲ ንቡር ወተሃደራዊ ምዕባለ ብዝዓበየ መልክዕ ስትራተጂያዊ ረብሓ ከምጽእ ከም ዝኽእል ብግቡእ ተገንዚቦምዎ እዮም።

  8. ሃንጋሪ፡ ንሕብረት ኣውሮጳ ዘቕሰነን ንሩስያ ዘቚረረን ፖለቲካዊ ዓወት

    ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ሃንጋሪ ዝተኻየደ ምርጫ ኣቓልቦ መላእ ኣውሮጳን ዓለምን ረኺቡ ቀንዩ ነይሩ።

    ኣብቲ ዝተኻየደ ፓርላመንታዊ መረጻ ብወዲ 45 ዓመት ፒተር ማጊያር ዝምራሕ ሰልፊ በገፊሕ ብምስዓር ዓብላሊ መናብር ተዓዊቱ'ሎ።

    ነዊሕ ዘመነ ስልጣን ናይቲ ን16 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሓ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ቪክተር ኦርባን ድማ ትማሊ ምሸት ከምዘብቅዐ ተረጋጊጹ። ብወግዒ ስዕረቱ ድሕሪ ምእማኑ ኣብ ርእሰከተማ ቡዳፐስት ፈንጠዝያ'ዩ ሓዲሩ።

    እቲ መሓዛን መሻርኽትን ፕረዚደንት ሩስያ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምዃኑ ዝንገረሉ ኦርባን ንመራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ እሾዂ ኮይኑዎም'ዩ ጸኒሑ።

    ንየማናይ ክንፊ ፖለቲካዊ መርገጺ እታ ሃገር ዝውክል ኦርባን፡ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ብጉዳይ ዩክረይን ብዝተሓሓዝ ምስ ሞስኮ ዘለወን ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጅኡ ወሪድሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ጥቡቕ ዝምድና ምምስራቱ ዓቢ ብድሆ ኮይንወን'ዩ ጸኒሑ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ሕብረት ንዩክረይን 105 ቢልዮን ዶላር ለቓሕ ክህባ ኣብ ስምምዕ'ኳ እንተበጽሐ ብሰንኪ ኦርባን ፈሺሉ'ዩ - ነፍሲወከፍ ሃገር ወሳኒ ድምጺ ስለዘለዋ።

    "ሩስያውያን ዓድኹም ኪዱ" ክብሉ ደገፍቲ ማጊያር ድሕሪ'ቲ ዓወት ክጭድሩ ተሰሚዖም ነይሮም።

    ምስ ትራምፕ ዘለዎ ዝምድና'ውን ካብ ናይ ካልኦት መራሕቲ እታ ኣህጉር ሓለፋ ዝጸንሖ እዩ። እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ብምግላጽ፡ ምክትሉ ጀይዲ ቫንስ ኣብ ጐስጓስ ምርጫ ንክሕግዞ ናብ ርእሰከተማ ቡዳፐስት ክሳብ ምስዳድ በጺሑ ነይሩ'ዩ።

    እንተኾነ፡ እቲ ብማጊያር ዝምራሕ ሰልፊ ክብረትን ናጽነትን (ቲስዛ) 135 ብምርካብ ንፈተውትን ጸላእትን ዘገረመ ዓወት ተጓናጺፉ ኣሎ። ብኦርባን ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ድማ 55 መናብር ተዓዊቱ'ሎ። ሕሉፋት የማናውያን ብወገኖም 6 መናብር ከምዝተዓወቱ ይግለጽ ኣሎ።

    እቲ ዘገርም፡ እዚ ጸግዒ ሕብረት ኣውሮጳ ወሲዱ ዘሎ ፒተር ማጊያር ኣባል ናይቲ ብኦርባን ዝምራሕ ሰልፊ 'ፊደስዝ' ብምዃን'ዩ ናብ ፖለቲካ ዓለም ተጸንቢሩ።

    ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጐስጓሳት፡ ሃንጋሪ ካብ ሩስያ ክትርሕቕን ምስ ምዕራብ ኣውሮጳ ክትጠብቕን ከምዝደሊ ብንጹር መርገጺኡ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ክረክብ ክኢሉ'ዩ።

    እቲ ናይ 'ምርጫ ምልኪ' ሃኒጹ ተባሂሉ ክንቀፍ ዝጸንሐ ኦርባን፡ ተረርቲ ሕግታት ብምውጻ እንናጽነታት ሚድያን ሓርነታት ህዝቢን ምግዳቡ ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ ነይሩ።

    እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን በትረ-ስልጣን ክርከብ ዝዳሎ ዘሎ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ነቲ ሕግታት ብምቕያር ናይ ስርዓት ለውጢ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ።

  9. እቶም 7 ኤርትራውያን ኣብ ኢስዋቲኒ ዕቝባ ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ

  10. ደቀንስትዮ ብሕቑአን ደቂሰን ዝወልዳሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ? ካልኦት ኣማራጺታት ኣለዉ

  11. ትራምፕ ዘቕርቦ ዘሎ መፈራርሒ ዕጽዋ ሆርሙዝ ንፍታሕዶ ንዝያዳ ሓደጋ?

  12. ብሪጣንያ፡ ወደባት ኢራን ኣብ ምዕጻው ከም ዘይትጽንበር ኣፍሊጣ

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ትራምፕ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከቡ ወደባት ኢራን ዕጽዋ ክግበር ንዝሓዞ ውጥን ከም ዘይትድግፍ ኣፍሊጣ።

    መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብቲ ትራምፕ ኣብ ወደባት ኢራን ወተሃደራዊ ዕጽዋ ኣመሪካ ክግበር ንዝሓዞ መደብ ኣብ ምትግባር ከም ዘይትሳተፍ ቢቢሲ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።

    መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያን ወተሃደራትን፡ ወደባት ኢራን ንምዕጻው ኣይውዕሉን፤ እንተዀነ፡ ኣብ ባሕሪ ዝተጻወደ ነታጕ ዝኣርያ ጀላቡን ጸረ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ኣብቲ ዞባ ስርሐን ክቕጽላ እየን።

    ወሃቢ ቃል መንግስቲ ብሪጣንያ፡ "ናጽነት ምጉዓዝን ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝን ምድጋፍ ክንቅጽ ልኢና። እዚ ድማ ንዓለማዊ ቁጠባን ዋጋ መነባብሮን ሃገርና ንምድጋፍ ብህጹጽ የድሊ፡" ኢሉ።

  13. ምፍሻል ዘተ፡ ንዓለማዊ ቍጠባ ስግኣት ፈጢሩ

    ምፍሻል ዘተ ሰላምን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽአ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን፡ ንዓለማዊ ቍጠባ ተወሳኺ ማህሰይቲ ኰይኑዎ ኣሎ።

    እቲ ቀንዲ ስግኣት ኣብ ቀረብ እዩ።

    ተንተንቲ ከም ዝገልጹዎ፡ ምንቅስቓስ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ምቍራጽ እንተ ቀጺሉ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ክልተ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ይኽእል እዩ።

    ጸብጻባት ከም ዘርእዩዎ፡ ምንቅስቓስ መራኽብ ነዳዲ ድሮ ኣዝዩ ተገቲኡ ይርከብ። ብዛዕባ እቲ ኣመሪካ ዝወጠነቶ ዕጽዋ ባሕሪ ድማ ስግኣታት እናዓረገ ይኸይድ ኣሎ።

    እዚ ኵነታት’ዚ ዋጋታት ንኽንህሩን ኣብ ዕዳጋታት ጸዓት ዘይምርግጋእ ንኽፍጠርን ደሪኹ ኣሎ።

    ኣብቲ ዝሰፍሐ ቍጠባ ዘለዎ ጽልዋ፡ ቀጥታዊ እዩ።

    ምኽባር ዋጋ ነዳዲ ኣብ መጓዓዝያ፡ መግብን ካልኦት ኣቑሑን ምውሳኽ ዋጋታት ስለ ዝፈጥር፡ ዝቕባበ ዋጋታት የስዕብ፣ ዓቕሚ ምዕዳግ ስድራቤታት ድማ የዳኽም።

    ሓያሎ ዓበይቲ ማእከላት ባንክ፡ ካብቲ ዝለዓለ ናይ ወለድ መጠን ክወጽኣ ዝጀመራ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጥራይ እዩ።

    ዋጋ ነዳዲ ብዝለዓለ መጠን እንተ ቀጺሉ ግን፡ ነቲ ክገብሩዎ ዝሓሰቡ ምንካይ መጠን ወለድ ከናውሑዎ ይግደዱ ይዀኑ።

    ካብ ወጻኢ ኣብ ዝመጽእ ጸዓት ዝምርኰሳ ሃገራት ኤውሮጳን መብዛሕትኡ ክፋል እስያን፡ ኣብ ቍጠባዊ ዕብየትን ወጻኢታትን ዝያዳ ጸቕጢ ክስምዐን ይኽእል እዩ።

    ነዳዲ ናብ ወጻኢ ዝሰዳ ሃገራት ድማ ምንካይ ጠለብ ዝፈጠሮ ስግኣት ኣለወን።

    ዕዳጋታት በቲ ዝተራእየ ምውራድ ኣክስዮናትን ወሰኽ ዋጋ ነዳድን ኣቢሎም ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

    እዚ ምስቲ ዘሎ ዝለዓለ ዝቕባበ ዋጋታት ተወሃሂዱ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ክዝሕል ከም ዝኽእል ዘጠንቅቕ እዩ።

  14. ትራምፕ ብሰንኪ ጉዳይ ኢራን ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ይወቅስ

    ዶናልድ ትራምፕ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ኣመሪካዊ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝዀኑ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘስምዖ ምፍርራሕ ድሕሪ ምዅናኖም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓያል ነቐፌታ የመሓላልፍ ኣሎ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ነዊሕ ጽሑፍ፡ እቶም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ “ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣዝዮም ሃሳዪ፡” ምዃኖም ገሊጹ።

    ትራምፕ ኣስዒቡ፡ "ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክህሉዋ ንቡር እዩ ኢሉ ዝሓስብ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣይደልን እየ፡"ኢሉ።

    ትራምፕ ብዛዕባ እቶም ጳጳስ ዘለዎ ዝተፈላለዩ ቅሬታታት ብምዝርዛር፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ፡ "ኣንጻር ገበን ድኹም እዩ፣ ኣብ ጉዳይ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር’ውን ድኹም እዩ፡"ክብል ጽሒፉ።

    ዝሓለፈ ሰሙን፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ፡ ኢራን እቲ ውግእ ንኸብቅዕ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሓ፡ "ሎሚ ምሸት ሓደ ምሉእ ስልጣነ ክጠፍእ እዩ፡" ንዝብል ምፍርራሕ ትራምፕ ነቒፎም ነይሮም።

    ነቲ ኵነታት፡ "ብሓቂ ተቐባልነት ዘይብሉ፡" ክብሉ ዝገለጹ እቶም ጳጳስ፡ "ብርግጽ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ ሕቶታት ኣለዉ፤ እንተዀነ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ስነ-ምግባር ሕቶ እዩ፡" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።

  15. ኣመሪካ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚራ ንወደባት ኢራን ክትዓጹ ምዃና ገሊጻ

    ሰራዊት ኣመሪካ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዕጽዋ ክትግበር ምዃኑ ገሊጹ።

    እንተዀነ እቲ ስጕምቲ፡ በቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢለን ናብ ካልኦት ሃገራት ዝጓዓዛ ወይ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኣ መራኽብ "ከም ዘየተዓናቕፍ" ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ኣብዚ ጕዳይ እዞም ዝስዕቡ ምዕባለታት ኣለዉ፤

    • ማእከላይ እዚ ኣመሪካ እቲ ናብ ወደባት ኢራን ዝኣቱን ዝወጽእን ናይ ምዕጻው ስጕምቲ፡ ሰኑይ ሰዓት 14:00 GMT ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።
    • ፕረዚደንትዶናልድ ትራምፕ እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት "ኰነ ኢላ ክፈሽል ብምግባራ፡” ዝሰዓበ ግብረ-መልሲ ምዃኑ ገሊጹ። ወሲኹ’ውን፡ ሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ንዝዀነ መጥቃዕቲ ዝፍኑ ኢራናዊ “ናብ ገሃነም ከም ዝፋንውዎ፡”ኣጠንቂቑ። ነቲ መስመር ንምሕላፍ ንኢራን ክኸፍላ ዝተረኽባ መራኽብ ድማ ስጕምቲ ከም ዝውሰደለን ኣፍሊጡ።
    • ዋጋነዳዲ ድሕሪ እዚ ምስሕሓብ’ዚ፡ ዋጋ ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር በጺሑ ኣሎ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ኣብ ፓኪስታን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ስለ ዝፈሸለ እዩ።
    • ትራምፕ ብዛዕባ ዘተ እስላማባድ፡ ምስ ኢራን ኣብ እስላማባድ ዝተገብረ ቀጥታዊ ዘተ ዝፈሸለሉ ምኽንያት፡ "ኢራን ካብቲ ናይ ኒዩክሌር ድሌታታ ክትወጽእ ፍቃደኛ ስለ ዘይኰነት እዩ፡" ኢሉ።
    • ምላሽ ኢራን፤ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ቴህራን ኣብቲ ዘተ ሰላም ምስ ኣመሪካ "ብቕንዕና" ከም ዝተሳተፈት ገሊጹ። ነቲ ዘተ ዝመርሐ ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባገር ቓሊባፍ ብወገኑ፡ ኢራን "ብምፍርራሕ ኢዳ ከም ዘይትህብ፡" ኣፍሊጡ።
    • ሓለዋ ሰውራ ኢራንናብቲ መስመር ባሕሪ ዝቐርባ ወተሃደራውያን መራኽብ፡ ከም ጥሕሰት ናይቲ ተበጺሑ ዘሎ ምቍራጽ ተዅሲ ገይርካ ከም ዝውሰዳ ገሊጹ።
  16. ትራምፕ፡ መራኽብ ብሆርሙዝ ከይሓልፋ ከም ዝዓግት ገሊጹ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኣትዋ ይዅና ካብኡ ዝወጽኣ፡ "ኵለን መራኽብንምዕጋት" ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ገሊጹ።

    ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ነዊሕ ጽሑፍ፡ "እቲ ዘተ ጽቡቕ ነይሩ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ነጥብታት እውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ እዩ። እንተዀነ እቲ እንኮ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጥቢ ጉዳይ ኒዩክለር ግን ስምምዕ ኣይተገብረሉን፡" ክብል ሓቢሩ።

    ትራምፕ ወሲኹ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ንናጻ ምንቅስቓስ መራኽብ ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝብጻሕ እኳ እንተገለጸ፡ ኢራን ግን "ኣብ ገለ ቦታታት ማንም ዘይፈልጦ፡ ንሳቶም ጥራይ ዝፈልጡዎ ነታጒ ክህሉ ይኽእል እዩ" ብምባል ጥራይ እቲ ስምምዕ ከይፍጸም ከም ዝገበረት ገሊጹ።

    ትራምፕ ኣብቲ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ንኢራን ግብሪ ዝኸፈለት ዝዀነት ትዅን መርከብ ንምድላይን ንምዕጋትንትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።

    ብተወሳኺ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኢራናውያን ኣብቲ መጻብቦ ዘጻወዱዎ ነተጕቲ "ምብርዓን" ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

  17. 'ኣበሳ ኲናት' - ሰነድ መጽሓፍ እሱር ገጣሚ ኣማኑኤል ኣስራት

  18. ድሕሪ ምቍራጽ ዘተ ኢራን-ኣመሪካ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ፡ 'ዝስዕብ እንታይ እዩ?'

  19. ኣመሪካ፡ 'እምነት ልኡኽ ኢራን ክትረክብ ኣይከኣለትን'

    ኣመሪካ 'እምነት ልኡኽ ኢራን ክትረክብ' ከም ዘይከኣለት ሓላፊ ጉጅለ ልኡኽ ልዝብ ኢራን ገሊጹ።

    ጉጅለ ልኡኽ ኢራን መሪሑ ኣብቲ ኣብ ኢዝላማባድ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ዝተሳተፈ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣመሪካ "እምነት ኢራን ክትረክብ ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን እትውስነሉ፡" ግዜ ሕጂ'ዩ ኢሉ።

    ንሱ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ቅድሚ እቲ ልዝብ፡ ኢራን "ጽቡቕ እምነትን ድሌትን" ከም ዝነበራ ኣስሚሩሉ።

    እንተዀነ፡ ብሰንኪ ኣብ ሕሉፍ ክልተ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ውግኣት ዝነበራ ተሞክሮ፡ "ኣብ ተጻባኢ ወገን እምነት ከም ዝስኣነት፡" ሓቢሩ።

    ንሱ፡ ልኡኽ ኢራን "ንቕድሚት ዝጥምት ተበግሶታት ኣልዒሉ፡ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ተጻባኢ ወገን እቲ ዝርርብ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እምነት ልኡኽ ኢራን ክረክብ ኣይከኣለን፡" ይብል።

    ኣስዒቡ ድማ፡ "ንዓወታት ናይ ኣርብዓ መዓልታት ሃገራዊ ምክልኻል ኢራን ንምድልዳል ዝገበርናዮ ጻዕሪ ንሓንቲ ደቒቕ እውን ደዉ ኣይነብልን፡" ኢሉ።

    እቲ ዝርርብ "ጽዑቕ" ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ፓኪስታን ነዚ ኣብ ምድላው ንዝነበራ ጻዕሪ ኣመስጊኑ።

  20. 'መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ኢድ ኢራን ስለ ዘሎ፡ ዝኽፈል ክኽፈል'ዩ' - ምክትል ኣፈኛ ባይቶ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ኣብ ፓኪስታን ምስ ኢራን ንሰዓታት ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣይጠቐሰን።

    እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣስታት 20% ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ መስመር ማይ፡ ኣብቲ ዝርርብ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ ነይሩ።

    ቁልፊ ክፋል ናይቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ቅድመ ኩነት ዘለዎ ተኹሲ ደው ምባል፡ መራኽብ በቲ መጻብቦ ብውሑስ መንገዲ ክሓልፋ ኣለወን ይብል።

    ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢራን ሓጂ ባቤይ፡ እቲ መጻብቦ ንቴህራን ቀይሕ መስመር ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ሚሀርስ ጸብጺቡ።

    እቲ መጻብቦ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ኢራን ከም ዘሎን "ወጻኢታት ብርያል -መተዓዳደጊ ባጤራ ኢራን - ክኽፈል ኣለዎ፡" ኢሉ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ መጻብቦ "ኣብ ቀረባ እዋን ክፉት ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።

    ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ብተወሳኺ ክልተ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ "መጻብቦ ሆርሙዝ ከም ዝሰጋገራ" ገሊጹ።

    ኢራን ግን እዘን ክልተ መራኽብ በቲ ከባቢ ኣቢለን እየን ሓሊፈን ዝብል ነጺጋቶ።

    ሓለዋ ሰውራ ኢራን "ወተሃደራዊ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ፈተነ ኸቢድ ግብረ መልሲ ክወሃቦ'ዩ፡" ክብል ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንመንግስታዊ ፈነወ IRIB ብምጥቃስ ጸብጺቡ።