ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ቤንጋዚ ሊብያ ኣልሒቓ ዝነበረት ወተሃደራዊት መርከብ ሩስያ፡ ሰንበት ወጋሕታ ብድሮን ክኸውን ብዝጥርጠር መጥቃዕቲ ከም ዝተሃርመት ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝመደበሮም ሰበ-ስልጣን ሓቢሮም።
እቲ ወጋሕታ ዘጋጠመ ነትጕ፡ እታ
መርከብ ናብ ሩስያ ቅድሚ ምምላሳ ነዳድን ቀረባትን እናመልአት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ።
ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምብራቕ ሊብያ፡
ኣብ መንጐ ኣባላት እታ መርከብ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘይተመዝገበን፡ መን ሓላፍነት ከም ዝወስድ ንምጽራይ ምስ ሰበ-ስልጣን ሩስያ
ብምትሕብባር መርመራ ይካየድ ከም ዘሎን ገሊጾም።
ልኡኽ ደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ (UNSMIL) ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ስክፍታኡ
ብምግላጽ፡ ህጹጽ፡ ናጻን ግሉጽን መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።
እቲ ልኡኽ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሊብያ ኣብ ናይ ወጻኢ ግጭታት ከይትኣቱ
ብምጥንቃቕ፡ እታ ሃገር ንናይ ደገ ተዋሳእቲ ዓውደ-ውግእ ኰይና ከተገልግል ከም ዘይብላ ኣስሚሩሉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑን ብናጻ ተንተንቲ ዝተረጋገጹን ምስልታት፡ ኣብ ወደብ
ቤንጋዚ ሓንቲ መርከብ ብሃልሃልታ ሓዊ ተዋሒጣ ኣርእዮም።
ምስልታት ሳተላይት እውን እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምሕባሩ ነዊሕ ከይጸንሐ
ኣብቲ ወደብ እትነድድ መርከብ ከም ዝነበረት ኣመልኪቶም።
ብኣመሪካዊ ትካል ስለያ 'ቫንቶር' ዝተመርመሩ ልዑል ንጽረት ዘለዎም ምስልታት፡
እታ ዝተጐድአት መርከብ ኣብ ምድብ 'ስተረጉሽቺ' እትምደብ 'መርኩሪ' ዝተባህለት ኰርቬት (ተዋጋኢት መርከብ) ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ
ከም ዝዀነት ኣሚቶም።
እቶም ምስልታት፡ እታ መርከብ ክሳዕ ሰንበት ብኸፊል ተገምጢላን መብዛሕትኡ ክፋላ ኣብ ማይ ጥሒሉን ከም ዝነበረ
ዘርእዩ ይመስሉ።
ጸኒሑ በታ መዓልቲ፡ ምኒስትሪ ጥዕና ሊብያ፡ ንግዳዊት መርከብ ምዃና ዝተገልጸት ካልእ መርከብ
ኣብ ገምገም ባሕሪ ቤንጋዚ ዒላማ ምስ ተገብረት፡ ሓያሎ ሰባት ቀሊል መቍሰልቲ ከም ዝወረዶም ሓቢሩ። ኵሎም እቶም ዝቘሰሉ ኣብ ርጉእ
ኵነታት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።
ኣብ ምብራቕ ዝመደበሩ 'መንግስቲ ሃገራዊ ርግኣት'፡ ሊብያ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣካል ከም ዘይኰነት ብምጕላሕ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ጥሕሰት ሉዓላውነትን
ጸጥታ ባሕርን ሊብያ ክብል ኰኒንዎ።
ዝዀነ ጕጅለ ሓላፍነት’ኳ እንተ ዘይወሰደ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብድሮን ከም ዝተፈጸመ እንተ ተረጋጊጹ ዩክረይን እታ ዝዓበየት ተጠርጣሪት ምዃና ተንተንቲ ይገልጹ።
እዚ ፍጻመ ምስ ሞስኮ ጥራይ ዘይኰነስ፡
ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ምስ ሩስያ ዘለዎም ጥቡቕ ዝምድና እናዓሞቘ ምስ ዝመጸ ሰበ-ስልጣን ምብራቕ ሊብያ እውን ወጥሪ ከልዕል ትጽቢት
ይግበር።