ኢቦላ፡ ሬሳ ዝሞቱ ቤተሰቦም ዝተኸልከሉ ነበርቲ ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኢቦላ፡ ገለ ሰባት ናይ ቤተሰቦም ሬሳታት ንምውሳድ ድሕሪ ምፍታኖም፡ ምስ ፖሊስ ከምዝተጋጨዉ፡ ክልተ ጋዜጠኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ናዕቢ ምሉእ መዓልቲ ከምዝቐጸለ እቶም ሪፖርተራት ሓቢሮም።
ኣብቲ ቀጽሪ ሆስፒታል ዝርከብ ማእከል ሕክምና፡ ሓደ ናይ መወሸቢ ዳስ ብሓዊ ተቓጺሉ ኣሎ።
ሬሳ ናይ ሓደ ግዳይ ኢቦላ ኣዝዩ ተላባዒ ስለዝኾነ፡ ንህዝባዊ ስርዓተ-ቀብሪ ንቤተሰቡ ምስ ዝወሃብ፡ እቲ ቫይረስ ዝያዳ ክዝርጋሕ ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ቊጽሪ ብኢቦላ ከምዝተለኽፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት ልዕሊ 900 ሰባት ከምዝበፅሐን፡ 223 ድማ ግዳያት ሞት ከምዝኾኑን፡ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ገሊፆም።
ዳይረክተር ሕክምና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሞንግዋሉ ዶክተር ሪቻርድ ሎኩዱ ከም ዝበሎ፡ እቶም ብሰንበት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ሬሳታት ክልተ ሰባት ንስድራቤቶም ክወሃብ ድሕሪ ምሕታቶም እዩ።
ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ካቶሊካዊ ካህን፡ “ፍሉጥ መራሒ ሃይማኖት” ምዃኑ ሓደ በዓል ስልጣን’ቲ ሆስፒታል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ናይታ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኢቦላ ዝኾነት ግዝኣት ኢቱሪ፡ ንዝርግሐ ቫይረስ ኢቦላ ንምግታእ ዝግበር ቃልሲ ምስ "ኲናት" ኣመሳሲልዎ ኣሎ፤ ሰፊሕ ሕፅረት ፀጋታት ከምዝገጦሞም ድማ ሓቢሩ።
ጆኒ ሉቦያ ንካሻማ፡ ንፈረንሳዊ ፈነወ ኣርኤአይ - RFI- ኣብ ዝሃቦሓበሬታ፡ "ኣብቶም ነቲ ሕማም ዝተሳጥሑ ከባቢታት ዝርከቡ ሰባት እኹል መግቢ ኣይረኽቡን ዘለዉ፤ ብዝሒ ሕሙማት ስለዘሎ ድማ ጽቕጥቅጥ ይፍጠር ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ፡ እቲ ዞባ "ናብ ዓቢ ሓደጋ ከይኣቱ" ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ምሕያል ሓዊሱ፡ "ቅልጡፍ ምላሽ" ክወሃብ ጸዊዑ'ሎ።














