ኡጋንዳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምውሳናን ዝተሓላለኸ ኵነታት ስደተኛታትን

ካምፓላ
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣብ ኡጋንዳ ምኒስተር ድልውነት ሓደጋን ስደተኛታትን ሳም ኤንጎላ፡ ቍጽሪ ዕቝባ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምንታይ ይውስኽ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዝቲ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ኡጋንዳ ንምሉእ ዓመት ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ምቕባል ስደተኛታት ዳግማይ ድሕሪ ምጅማራ፡ እቲ ቍጽሪ ስደተኛታት ካብ 56,299 ናብ ልዕሊ 70,000 ድሕሪ ምዕራጉ ዝሰዓበ እዩ።

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ናይል ፖስት፡ እቲ ምኒስተር ኣብ ካምፓላ ምስ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ስደተኛታት ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር (OPM) ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ "ምኒስተር ድልውነት ሓደጋን ስደተኛታትን ሳም ኤንጎላ፡ እቲ ካብ ኤርትራ ናብ ኡጋንዳ ዝውሕዝ ዘሎ ቍጽሪ ስደተኛታት ንምንታይ ይውስኽ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብ ቃል ኣትዩ ኣሎ፡" ኢሉ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኤንጎላ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምርግጋእን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ስደተኛታትን ዘይምጥዕዓሙ ስግኣቱ ክገልጽ ከሎ፡ "ቍጽሪ ስደተኛታት ኤርትራ ናብ 70,000 ደይቡ ብምህላዉን ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ዚ ምርግጋእ ዘለዋ ብምዃናን፡" ስግኣት ከም ዝሓደሮ ተዛሪቡ።

እዚ ቍጽሪ'ዚ ካብቲ ኣብ መወዳእታ 2025 ዝነበረ ምዝጉብ ብዝሒ ብልዑል ደረጃ ምውሳኹ ንኡጋንዳ ከቢድ ቍጠባዊ ጾር ፈጢሩላ ከም ዘሎ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ኡጓንዳ ካብ ለገስቲ ሃገራት ትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ምጕዳሉ ሰበስልጣን ክግልጹ ጸኒሖም እዮም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ኣብ ኤርትራ ኲናት ኣብ ዘየለወሉ፡ ክንድዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ስክፍታኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረበሉ መደብ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ።

እንተዀነ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ካብ ኲናት ወጻኢ ካልእ ብዙሕ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ዘለዎ እዩ ዝፍለጥ።

ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቤትጽሕፈት ድልውነት ሓደጋን ስደተኛታትን ካልኦት ሰበስልጣንን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ኢመይል እኳ እንተ ጸሓፈ ገና መልሲ ኣይረኸበን ዘሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኡጓንዳ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝተቐመጠ የማነ ሃይለ፡ እዚ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጌጋ ተጋኒኑ ከም ዝቐረበ ብምግላጽ፡ "ምኒስተር ሳም ኤንጎላ ኣብዚ ሓድሽ ዝተጣየሰ መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ክከታተል ዝተመዘዘ እዩ።

"ከም ሓድሽ ምኒስተር መጠን፡ ነቲ ኣሰራርሓ ናይቲ ምኒስትሪ ብሓፈሻን ምስ ሰራሕተኛታት ናይ ዝተፈላለዩ ጨንፈራት ናይቲ ምኒስትሪን ኣብ ዝካይዶ ዝነበረ ሌላ ዝሃቦ ርእይቶ እዩ፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ዝተፈልየ ሓድሽ ነገር ዘሎ ኣይመስለንን። ንቡር ናይ ሓደስቲ ሰበስልጣን ምቅይያርን እቲ ዝተመደብሉ ትካል ንምፍላጥን ኣብ ዘለዉ ኵነታት'ውን ብዝግባእ ኣጽኒዕካ ንዓኦም ዝምጥን ፖሊሲታትን ሕግታትን ንምንዳፍ ክሕግዝ ዝኽእል ዝበሎ ደኣ'ምበር ነቶም ኣብዚ ዘለዉ ነበርቲ ስደተኛታት ብቐጥታ ዝጸሉ ዝተዛረቦ ይዅን ወይ'ውን ሓድሽ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የለን፡" ክብል የብርህ።

ክልተ ዕቝባ ክሓታ ናብ ኬንያ ዝመጽኣ ስመን ክግለጽ ዘይደለያ ኤርትራውያን፡ እቲ መስርሕ ኣታዊ ወጻኢ ስለ ዝዀነን ናብ ኡጓንዳ ክኸዳ እናሓሰባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዚ ሓበሬታ ምስ ርኣያ ስግኣት ከም ዝፈጠረለን ገሊጸን።

ሓንቲ ካብአን፡ "እቲ ብምኒስተር ዝወጽአ ሓበሬታ ሓዲግ ገይሩና ኣሎ፡" ኢላ።

እንተዀነ የማነ፡ ኡጋንዳ ክሳብ ሕጂ ሓደስቲ ስደተኛታት ምቕባል ደው ከም ዘበለት ዝገልጽ ሓድሽ መግለጺ ከም ዘየለ እዩ ዝሕብር።

እቲ ኣቐዲሙ ምኒስተር ድልውነት ሓደጋን ስደተኛታትን ዝነበረ ሂራሊ ኦንክ፡ እቲ ዓመታዊ ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝረኽብዎ ዝነበሩ 240 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ናብ ትሕቲ 18 ሚልዮን ዶላር ብምንካዩ፡ እቲ ጾር ኣብ እንግድዓ ህዝቦም ከም ዝወደቐ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ምኒስተር ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2025 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስተን ስደተኛታት ዝመጽኡለን ሃገራት፡ ኲናት ደው ኣቢለን ሰላም ከንግሳን ዝተሰዱ ዜጋታተን ክመልሳን ይዘራረቡ ምህላዎም ሓቢሩ ነይሩ።

"ምስቶም መንግስታት ኣብ ዘተ ኣለና - ዋላ'ኳ እተን ሃገራት ኡጓንዳ ጣልቃ ትኣትወን ከም ዘላ ዝሓስባ እንተዀና። ንሕና ግን ገና ተስፋ ኣይቈረጽናን ኣለና፣ ምኽንያቱ፡ ናብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ኣለዎም - ተጻዋርነት ክህልዎምን ዜጋታቶም ከም ዝምለሱ ክገብሩን ይግባእ፡" ኢሉ ነይሩ።

ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ብብዝሒ ናብ ኡጋንዳ ክውሕዙ ዝገበሮም ረቛሒታት ምስቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝተሓሓዝ እዩ።

እታ ንዓመታት ከም ካልኣይቲ ሃገሮም ክጥቀሙላ ዝጸንሑ ሱዳን ኣብ 2023 ናብ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ምእታዋ፣ እታ ብኻልኣይ ደረጃ እተዕቍብ ዝነበረት ኢትዮጵያ'ውን ድሕሪ ኲናት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድና ተበቲኹ ናብ ምትፍናን ምስ ኣተወት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኤርትራውያን (ዋላ እቶም ወረቐት ዘለዎም) ኣደዳ ግፋ፡ ማእሰርቲ፡ ገንዘባዊ ምዝመዛን ግዱድ ምስጓጕ ናብ ኤርትራን ኰይኖም እዮም።

በዚ ድማ ኡጓንዳ ቀንዲ መሳገሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትከውን ክኢላ።

እቲ ምኒስተር ሳም ኤንጎላ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክገብሮ ዝሓስቦ ዘሎ ዘተ ብምንታይ ከም ዝዛዘም ንምግማት ኣጸጋሚ ይመስል።

ምኽንያቱ፡ ወኪል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ለካቲት 2016 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ንግዱድ ምስጓጕ ዜጋታቱ ዝቃወም ኰይኑ፡ "ፖሊሲና ንወለንታዊ ምምላስ ዝያዳ ዝድግፍ እዩ፤ እንተዀነ፡ ሓንቲ ተቐባሊት ሃገር ንዜጋታትና ብግዴታ ክትሰጕጐም እንተ ወሲና፡ ቅድሚኡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘተ ክንገብር የድሊ፡" ኢሉ ነይሩ።

ሓደ ዜጋ ብወለንታኡ ናብ ኤርትራ ክምለስ ምስ ዝደሊ ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብታ ሃገር ብምውጽኡ፡ "ናይ ጣዕሳ ፎርም" ክመልእን 2% ቀረጽ ክኸፍልን ይግደድ እዩ።

ነዚ ሕጋዊ ጸገም'ዚ ብምጥቃም ድማ ኤርትራ ነቶም ብግዴታ ዝስጐጉ ዜጋታት ናይ መገሻ ወረቐት ክትህብ "ፍቓደኛ ብዘይምዃና"፡ ከም ስዊዘርላንድን ጀርመንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ ስደተኛታት ክመልሳ ከም ዘይከኣላ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

ብኣንጻሩ፡ ካብ ከም ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ቱርኪን ግብጽን ዝኣመሰላ ሃገራት ብኣማኢታት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ሃገሮም ዝተመልስሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎን ገለ ካብኣቶም ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ከም ዝተዳጐኑ ኣህጉራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, EPRC

መግለጺ ስእሊ, ኡጋንዳ ካብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት'ውን ትቕበል እያ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ እቶም ካብ እስራኤል ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝበሃል ዝነበረ (ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝተመልሱ) ኣመልኪቱ ብጥሪ 2018 ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እቶም ዜጋታት ናብ እስራኤል ንምብጻሕ ንኣሰጋገርቲ ሰባት ከቢድ ዋጋ ከም ዝኸፈሉን ብዙሕ መከራ ከም ዘሕለፉን ብምግላጽ፡ እቲ እስራኤል እትህቦም ዝነበረት 3,500 ዶላር ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ነቒፉ ነይሩ።

ብኣንጻሩ፡ "ኣብ ዓዶም ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ግቡእ ዝዀነ ካሕሳ የድልዮም እዩ፡" ብምባል፡ እቲ ካሕሳ ነፍሲ-ወከፎም 50,000 ዶላር ክኸውን ከም ዝግባእ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኡጋንዳዊ ምኒስተር "ኣብ ኤርትራ ምርግጋእ ኣሎ" ንዝበሎ ሓሳብ፡ ምስቲ ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ዘቕረቦ ጸብጻብ ዝጋጮ ኰይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላትን ኵነታትን ከም ዘይተመሓየሸ እዩ ዘረድእ።

እዚ ከኣ ነቲ ስደተኛታት ኵሉ ጸበባ ሰጊሮም ውሕስነት ደልዮም ዝወስድዎ ዘለዉ ናይ ስደት ስጕምቲ ክውንነታዊ ምኽንያት ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ።

እቲ ኤርትራውያን ምስ ኡጓንዳውያን ንኽወሃሃዱ ኣብ ዝሕግዝ ንጥፈታት ዝዋሳእን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ዝዝርግሕን የማነ ሃይለ፡ "እቲ ምኒስተር ሓድሽ ከም ምዃኑ መጠን ካልኦት ዝበዝሑ ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ኮንጎ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣብ ኡጓንዳ ዕቝባ ዝሓቱ ስደተኛታት ብምኽንያት ግጭት ስለ ዝመዛበሉ ነቲ ናይ ኤርትራ ብኸምኡ ተረዲኡዎ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ይብል።

"ብሓፈሻዊ፡ እቲ ካብ ኤርትራ ዝመጽአ ስደተኛ፡ ብቝጠባዊ ምኽንያት ጥራይ ኣይኰነን፤ ፖለቲካዊ፡ ሃማኖታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡዎም ብዙሕ ምኽንያታት ስለ ዘጠቓልል ኣብኡ ጥራሕ ዝምርኰስ ኣይኰነን። ኣብቲ ከይዲ ስርሑ ምኽንያት ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክርድኦ እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።"

ብመሰረት ጸብጻባት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 679,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኰይኖም ኣብ መላእ ዓለም ተመዝጊቦም ይርከቡ።

ካብኦም እቶም ልዕሊ 50 ሚእታዊት ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ዘለዉ ኰይኖም፡ ብብዝሒ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጓንዳን ኬንያን ከም ዝርከቡ ይሕብር።

እቲ ኣብ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር (OPM) ዝተገብረ ኣኼባ፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ነቲ ሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ክግምግምን ነዊሕ እዋን ዝጠመተ ስትራተጅያዊ ምሕደራ ንምዝርጋሕን ካብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ሓደ እዩ።