እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሳብ 160,000 ብር ንምትካል ጸጕሪ፡ ንጽባቐ ጥራይ ድዩ ወይስ ንስነ-ኣእምሮኣዊ ዕረፍቲ?
ቃለኣብ ጫኔ ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ብልሙጽን ምዕሩግን ጸጕሩ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኣኸለ ግን፡ እቲ ዝሕበነሉ ዝነበረ ጸጕሩ በብቕሩብ ክረግፍን ንድሕሪት ገጹ ክስቕሰቕን ጀመረ።
ካብቲ እዋን'ቲ ኣትሒዙ፡ ነቲ እናተራእየ ዝመጸ ብርሒ ብጸጕሩ ንቕድሚት ብምስሓብ ክሽፍኖ ደጋጊሙ ፈተነ። ዓመታት እናሓለፉ ምስ ከዱ ግን፡ ምርጋፍ ጸጕሩ እናገደደ፡ ጭንቀቱ ድማ ብዕጽፊ እናወሰኸ ከደ።
ኣብ መወዳእታ፡ ካብዚ መዓልታዊ ምስቕሳቕ ንምዕራፍ፡ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ተላጽዩ በራሕ ምዃኑ ኣሚኑ ክቕበል ወሰነ። እንተዀነ፡ ተላጽዩ ኣብ ቅድሚ መስትያት ደው ምስ በለ፡ እቲ ዝረኣዮ ትርኢት ካብቲ ዝገመቶ ንላዕሊ ኣሰንበዶ። ነቲ ዝረኣዮ ገጹ ናቱ ምዃኑ ንምእማን እኳ ተጸገመ።
ነቲ እዋን ክዝክሮ ከሎ፡ "... ካልእ ዘይፈልጦ ሰብ፡ ዝኣረገ ዓቢ ሰብኣይ እየ መሲለ፡" ይብል።
እዚ ንቃለኣብ ለውጢ መልክዕ ጥራይ ኣይነበረን። ጸጕሪ ምህዳሙ፡ ኣብ መፋርቕ 20ታት ንዝርከብ ዕድመኡ ኣመና ኣሪጉ ከም ዝርአ ብምግባሩ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕረፍቲ ከሊእዎ ነይሩ።
"ኣብ ልዕሊ ዕድመይ ተወሳኺ ዓመታት ይውስኸለይ፣ ኣብ ዘይዕድመይ ዓቢ ሰብ እዩ ዘምስለኒ ነይሩ፡" ይብል ቃለኣብ።
ነዚ ኵነታት ንምቕያር፡ ካብ ምልካይ ሽጕርትን ዝተፈላለዩ ባህርያውያን ኣትክልትን ጀሚሩ፡ ኣብ ዕዳጋ ዝርከቡ ዘመናውያን ቅብኣት ምጥቃም እውን ኣይሓደገን።
ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወሃቦ ዝነበረ ዳእላ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐሊሉ ከይርእዮ ገይሩዎ እዩ።
"ጸጕርኻ ድዩ ሃዲሙ ወይስ ግንባርካ እዩ ወጺኡ?"፡ "ፊደል ኤም (M) መሲልካ ኣለኻ፡" ዝብሉ ርእይቶታት ብብዝሒ ይበጽሖ ነይሩ። ነዚ ርእይቶታት'ዚ ኣብቲ እዋን ስሒቑ የሕልፎ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ውሽጡ ዝሓደጎ በሰላ ግን ቀሊል ኣይነበረን።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ጸጕሩ ከይበላሾ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ምትዕርራይ፡ ከም ልቡ ክሕምብስ ዘይምኽኣልን፡ ምስ ኣዕሩኽቱ ከሎ ጸጕሩ ከይትንክፉዎ ዝገብሮ ዝነበረ ጥንቃቐን ዕለታዊ ጾሩ ኰይኑ ጸንሐ።
"ምስ ኣዕሩኽትኻ ክትጻወት ከለኻ፡ ጸጕርኻ ከይትንክፉዎ እትገብሮ ጥንቃቐ ክነግረካ ኣይክእልን እየ፡" ይብል።
ነዚ ኵሉ ተጻዊሩ ጸጕሩ ምልጻይ ክቕበሎ ዝገበሮ ፈተነ ምስ ፈሸለ ድማ፡ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ክወስድ፡ ማለት ናብቲ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ዝዀነ ምትካል ጸጕሪ ከም ፍታሕ ከምርሕ ተገደደ።
"በራሕ ምዃንካ ተቐቢልካ ምንባር ንቡር እዩ"
ቃለኣብ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ተመኵሮታት ምትካል ጸጕሪ ምስ ተዓዘበ፡ እዚ ፍታሕ ክዀኖ ከም ዝኽእል ኣመነ። እቲ ውሳነ ግን ቀሊል ኣይነበረን፤ ካብ ድሕሪት ርእሱ ጸጕሪ ተመንቍሱ ናብ ቅድሚት ክትከል ምሕሳቡ ጥራይ ዘስግእ ነይሩ።
ኣበይ ከም ዝስራሕ መርሚሩ ምስ ሓኪም ምስ ተዘራረበ ግን ውሳነኡ ኣጽንዐ። ጸጕሩ ካብ ዘትክል ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዝረኣዮ ለውጢ ካብ ትጽቢቱ ንላዕሊ ኰነ፤ ምሉእ ውጽኢቱ ግን ድሕሪ ሓደ ዓመት ከም ዝረአ ይሕብር።
ምትካል ጸጕሪ ንትርኢቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንገዛእ-ርእሱ ዝርእየሉ መንገዲ እውን ቀዪሩዎ እዩ፤ "ቅድሚ ሕጂ ጸጕረይ ንምትዕርራይ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ግዜ ሕጂ የሎን። ተሓጺበ ጥራይ እየ ዝወጽእ፡ ኣዝየ ሕጕስ እየ፡ ኣብ ትርኢተይ እውን ዓቢ ፍልልይ ኣምጺኡ እዩ፡" ይብል።
ድሕሪ ምትካል ጸጕሪ ዝመጸ ለውጢ ኣብ ካልኦት እውን ተስፋ ፈጢሩ እዩ።
"ሰባት ኣብ ጐደና ክረኽቡኒ ከለዉን ኣብ ቲክቶክን 'ጸጕርኻ ኣዝዩ ጸቢቑልካ' እናበሉ ጽቡቕ ርእይቶ ይህቡኒ፤ ብዙሓት እውን ነዚ ስጕምቲ ክወስዱ ተተባቢዖም እዮም፡" ይብል።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ጕዕዞ'ዚ ንቃለኣብ ካልእ ዓቢ ሓቂ እዩ ኣምሂሩዎ፤ "ድሕሪ'ዚ ኵሉ እተረድኣኒ ነገር፡ ሰብ ባዕሉ ብርእሱ ዘለዎ ምትእምማን እዩ ዝውስን እምበር፡ ጸጕሪ ኣብ ልዕሊ ገጽ ዝህልዎ ጽልዋ ክንድቲ ንሕና እንጭነቐሉ ኣይኰነን፡" ይብል።
"ሕጂ ዋላ ሓንቲ ኣይመስለኒን እዩ። ጸጕሪ ሃለወ ኣይሃለወ ኣብ ርእሰ-ምትእምማነይ ዝፈጥሮ ጽልዋ የሎን። 'በራሕ እየ' ኢልካ ርእስኻ ምቕባል ንቡር እዩ፤ ኣብ ካልእ ህይወትካ ምትኳር ይከኣል እዩ፡" ክብል ይዛረብ።
ናስር ኣሕመድ ብወገኑ፡ ጸጕሩ ስለ ዝረገፈ ዘይኰነስ፡ መስመር ግንባሩ ብተፈጥሮ ንደሓር ስለ ዘበለ ጥራይ እዩ ጸጕሩ ተኺሉ። ንሱ ባዕሉ ነዚ ኣገልግሎት ካብ ምውሳዱ ብተወሳኺ፡ ኣብ ቱርኪ ምትካል ጸጕሪ ንምግባር ንዝመጹ ሰባት ትካላት ሕክምናን ካልእ ኣገልግሎታትን ናይ ምስላጥ ስራሕ ይሰርሕ እዩ።
ብዙሕ ከይተጨነቐ ምትካል ጸጕሪ ከም ዘካየደ ዝዛረብ ናስር፡ ኣብ ትርኢቱ ዝመጸ ለውጢ ግን ክንድ'ቲ ዝገመቶ ዓቢ ከም ዘይኰነ ይሕብር። መስመር ግንባሩ እኳ እንተ ተስተኻኸለ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ትርኢት ገጹ ዝፈጠሮ ለውጢ ውሱን ምዃኑ የረድእ።
እንተዀነ፡ እቲ ውጽኢት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዝፈላለ ብምጥቃስ፡ መብዛሕትኦም ብስራሕ ዘጋጥሙዎ ሰባት ድሕሪ ምትካል ጸጕሪ ኣብ ርእሶም ዘለዎም ምትእምማን ኣመና ከም ዝወሰኸሎም ይገልጽ።
ካብ ጽባቐ ሓሊፉ ዘለዎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ
ጸጕሪ ንትርኢት ሰብ ካብ ምጽባቕ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዝፈጥሩዎ ምስልን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ርእሰ-ምትእምማንን ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ይገልጹ።
ሓፈሻዊት ሓኪምን ኣማኻሪት ስነ-ኣእምሮን ዝዀነት ዶክተር ቤዛዊት ንጉሰ ከም እተረድኦ፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ርእሱ ዘለዎ ስእልን ኣብ መስትያት ዝርእዮ ጭቡጥ ትርኢትን ክጋጮ ከሎ ዓሚቝ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ክፍጠር ይኽእል እዩ። ጸጕሪ ኣብ ሕብረተሰብ ምስ ንእስነት፡ ጕልበትን ጽባቐን ተተሓሒዙ ዝርአ ምዃኑ እውን ተረድእ።
ብፍላይ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ፡ ምሉእ ጸጕሪ ዘለዎ ሰብ ዝያዳ መንእሰይ፡ ድልዱልን ንጡፍን ተገይሩ ናይ ምውሳድ ዝንባለ ኣሎ። በዚ ምኽንያት፡ ጸጕሪ ክረግፍ ወይ ብርሒ ክጅምር ከሎ፡ ገለ ሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶም ዝነበሮም እምነት ይስእኑ። እዚ ድማ ኣብ ናይ ፍቕሪ ዝምድናታት፡ ኣብ ስራሕን ኣብ ማሕበራዊ ርክባትን ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል።
ከም መግለጺ ዶክተር ቤዛዊት፡ ገለ ሰባት ጸጕሮም ዘትክልሉ ምኽንያት፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ተቐባልነት ንምሕላው ወይ ነቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ውሽጣዊ ምስሊ ምስቲ ብገጾም ዝርእዩዎ ንምትዕራቕ እዩ።
ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ኣብዚ ተራ ይጻወት ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ምትካል ጸጕሪ ብግህዶ ምዝራብ ሕፍረት ተገይሩ ይውሰድ እኳ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግን ውሩያት ሰባት ብዛዕባ ዘካይዱዎ ምትካል ጸጕሪ ብወግዒ ምዝራቦም፡ ነዚ መስርሕ ከም ንቡር ኣማራጺ ጽባቐ ኰይኑ ከም ዝቕበል ይገብሮ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ምትካል ጸጕሪ ንዅሉ ሰብ ዘዕግብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍታሕ ከየምጽእ ከም ዝኽእል ዶክተር ቤዛዊት ተጠንቅቕ። እቲ መስርሕ ትጽቢት እተገብረሉ ውጽኢት እንተ ዘየምጺኡ፡ ተወሳኺ ጓህን ጸቕጥን የስዕብ።
ብተወሳኺ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሰብ ካብ ካልኦት ተቐባልነት ንምርካብ ጥራይ እንተዀይኑ፡ ምትካል ጸጕሪ ጥራይ ነቲ ውሽጣዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሃጓፍ ከም ዘይመልኦ ተረድእ።
ስለዚ፡ ሰባት ነዚ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዶም፡ ካብቲ መስርሕ ዝጽበዩዎ ውጽኢት ብንጹር ክፈልጡ፡ እቲ ውጽኢት ግዜ ከም ዝወስድ ክርድኡን፡ ውሳነኦም ኣብ ድሌት ካልኦት ከይተመርኰሰ ንገዛእ ርእሶም ብምሕሳብ ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎን ትመክር።
ክሳብ 160,000 ብር ዝኽፈለሉ ምትካል ጸጕሪ
ብርሒ ብፍላይ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ዝረአ ኰይኑ፡ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ምትካል ጸጕሪ ዝመርጹ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ፡ ክኢላ ሕማማት ቈርበትን ጾታዊ ሕማማትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላ ምትካል ጸጕሪ ዝዀነ ዶክተር ደባስ ታደሰ ይዛረብ።
ዶክተር ደባስ ብዛዕባ'ቲ መስርሕ ከብርህ ከሎ፡ ጸጕሪ ካብቲ ብቐሊሉ ዘይረግፍ ድሕሪት ክፋል ርእሲ ተወሲዱ ናብቲ ዝረገፈሉ ግንባር ከም ዝትከል ይገልጽ።
እዚ መስርሕ'ዚ ከም መጠን ጸጕሪ ናይቲ ሰብን ከምቲ ዝድለ ውጽኢትን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ሰዓታት ዝወስድ ኰይኑ፡ እቲ ዝተተኽለ ጸጕሪ ምሉእ ብምሉእ ናብ ንቡር ትርኢቱ ንምምላስ ድማ ካብ ትሽዓተ ክሳብ ዓሰርተው ክልተ ኣዋርሕ ይወስደሉ።
ደቂ ኣንስትዮ እውን ነዚ ኣገልግሎት ይጥቀማሉ እየን። እንተዀነ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ምርጋፍ ጸጕሪ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ግንባር ዝጅምር ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ ማእከል ርእሲ ምስሓው ከም ዝረአ የረድእ።
ሰባት ጸጕሮም ዘትክልሉ ምኽንያት ጉዳይ ጽባቐ ጥራይ ከም ዘይኰነ እውን ዶክተር ደባስ ይሕብር። ምቕያር ትርኢት ገጽ፡ ብዘይ ዕድመኻ ምእራግ ዝፈጥሮ ስምዒትን ማሕበራዊ ጸቕጥን ንሰባት ናብዚ ሕክምና ዘምጽኡ ምኽንያታት እዮም። ምርጋፍ ጸጕሪ ንርእሰ-ምትእምማን ከጕድሎ ከም ዝኽእልን ምትካል ምስ ተገብረ ግን እቲ ምትእምማን ከም ዝምለስን እቲ ሓኪም የረድእ።
ይዅን'ምበር፡ ምትካል ጸጕሪ ንዅሉ ሰብ ክፍቀድ ኣይክእልን።
ምትካል ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሕሙማት ዝተፈላለየ ናይ ጥዕና መርመራታት የካይዱ። እዚ ድማ መርመራ ደም፡ ሽኰርያ፡ ጸቕጢ ደም፡ ከምኡ'ውን ኵነታት ልቢ፡ ጸላም ከብድን ኵላሊትን ዘጠቓልል እዩ። ውጽኢት እቶም መርመራታት ጥዑይ ምዃኑ ምስ ዝረጋገጽ ጥራይ እዩ እቲ መስርሕ ዝቕጽል።
እቲ ሕክምና ነዊሕ ሰዓታት ስለ ዝወስድን መደንዘዚ ስለ ዘድልዮን፡ ገለ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም ሰባት ነዚ ስጕምቲ ከይወስዱ ይምከሩ።
ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ምትካል ዝመጽእ ውጽኢት ብብቕዓት ናይቲ ክኢላ፡ ብእኹልነት ናይቲ ጸጕሪ ዝውሰደሉ ቦታን ድሕሪኡ ብዝኽሰት ረኽሲ ክጕዳእ ከም ዝኽእል እቲ ሓኪም የጠንቅቕ።
ቢቢሲ ብዘካየዶ ዳህሳስ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ምትካል ጸጕሪ ዝኽፈል ቍጠባዊ ወጻኢ ካብ 95,000 ብር ጀሚሩ ክሳብ 160,000 ብር ይበጽሕ።
ዋጋ ጥራይ ንጽሬት ኣገልግሎት ከም ዘይውስኖ ዘረድአ ዶክተር ደባስ፡ እቲ ወሳኒ ረቛሒ ብቕዓት እቲ ክኢላን ኣሰራርሓ እቲ መስርሕን ምዃኑ የመልክት።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት እናሰፍሐ ኣብ ዝመጸ እዚ ዓውዲ፡ ብፍላይ ካብ ቱርክን ህንድን ዝመጹ ናይ ወጻኢ ክኢላታት ይሳተፉን ኣብዚ እዋን ግን ኢትዮጵያውያን ሰብ-ሙያ እውን እናበዝሑ ይመጹን ከም ዘለዉ ይሕብር።