ሸውዓተ ግዜ ዝተሰጐጉን 'ኣቦ-ፍንጣጣ' ተባሂሎም ዝተጸውዑን ኣቡነ ማስያስ መን እዮም?

ኣባ ማስያስ ምስ ግርማ ዘለዎ ነዊሕ ጭሕሞም ብጸሊምን ጻዕዳን ናይ ቀደም ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, DM

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብጹእ ጉልየልሞ ማሳያ (ኣቡነ ማስያስ)፡ ኢጣልያዊ ካፑቺን መነኰስ፡ ምስዮናዊ፡ ኣቡን፡ ድሒሮም ድማ ካርዲናል ኰይኖም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 35 ዓመታት ዘገልገሉ ውሩይ ሃይማኖታዊ መራሒ ነበሩ።

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነበሩ ጸለውቲ ካቶሊካውያን ምስዮናውያን ሓደ ከም ዝዀኑ ድማ ታሪኽ ይምስክር።

ጸሓፊ ታሪኽን ምሁርን ኣባ ተወልደ በየነ፡ ኣብ 'ኢንሳይክሎፒድያ ኢትዮፒካ' ብዛዕባ እዞም ኣብ ዞባና ብ'ኣቡነ ማስያስ' ዝፍለጡ ዝነበሩ ብጹእ ጉልየልሞ ማሳያ ሰፊሕ ሓተታ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

እዚ ጸብጻብ'ዚ ድማ ነቲ ሰነድ ከም ቀንዲ መወከሲ ተጠቂሙ ዝተዳለወ እዩ።

ማሕበር ካፑቺንን ግደኦምን

ታሪኽ ኣቡነ ማስያስ ንምርዳእ፡ ቅድም ክብል ግደ ማሕበር ካፑቺን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ካፑቺን ምስዮናውያን፡ ስብከት ወንጌልን ማሕበራዊ ልምዓትን ብምጥማር ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

እዚ ማሕበር ኣብ ርሑቕን ብድኽነት ዝተጠቕዑን ከባቢታት ብምንጣፍ፡ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ምምስራት ዕዙዝ ተራ ነበሮም።

ማሕበራዊ ረድኤት ብምዕዳልን ንምእመናን ዘሳትፍ ባይታ ብምፍጣርን ክሳዕ ሕጂ ይነጥፉ ኣለዉ። ይዅን'ምበር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤርትራ ዘለዎም ንጥፈታት ብመንግስቲ ተሓሊኹ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ስርሓት ካፑቺን ካብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ምስ ምምጻእ ፈረንሳውያን ካፑቺን ኣብ ጐንደር ዝጀመረ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ተኣፋፊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ምስ ደቀባት መራሕቲ እናተመያየጡ ጻዕርታት የካይዱ ነበሩ።

ዘጋጠሙ ብድሆታትን መስጐጕትን

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ምስዮናውያን፡ ከም ሕማም፡ ጸገማት ቋንቋ፡ ንጕዕዞ ዘይምችእ መሬት፡ ተቃውሞ ደቀባት፡ ባህላዊ ፍልልያትን ሓድሕዳዊ ግርጭታትን ዝኣመሰሉ ብዙሓት መሰናኽላት የጓንፎም ነበረ።

እቶም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተዋፈሩ ምስዮናውያን፡ ብኤርትራ ኣቢሎም ናብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ንምእታው'ኳ እንተ ፈተኑ፡ ኣብ ትግራይን ምድረ-ኦሮሞን ብሰንኪ ዝነበረ ባህላዊ ዘይምስምማዕ ተልእኾኦም ክዕወት ኣይከኣለን።

ኣብቲ ዞባ ድሮ ሱር ዝሰደደ ክርስትያናዊ ትውፊት (ኦርቶዶክስ) ስለ ዝነበረ፡ እቲ ምስ ስርዓተ-ኣምልኾ ሮማ ዝነበረ ተሎግያዊ ፍልልይ ንስርሖም ኣጸጋሚ ገይርዎ ነበረ።

ብዙሓት ደቀባት ንካቶሊክነት ምስ ናይ ወጻኢ ፖለቲካዊ ጽልዋ የተሓሕዝዎ ስለ ዝነበሩ ድማ እቲ ሃይማኖታዊ ለውጢ ናዕብን ተቃውሞን የለዓዕል ነበረ።

ጕዕዞ ህይወት ኣቡነ ማስያስ

ኣቡነ ማስያስ ብ1809 ኣብ ፒየድሞንት (ኢጣልያ) ተወልዱ። ብ1826 ናብ ማሕበር ካፑቺን ተጸንቢሮም፡ ብ1832 ክህነት ተቐበሉ። ብኽእለቶምን ስርሖምን ፍሉጥ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ካህን-ንስሓ ልኡል ቪቶርዮ ኢማንወለ (ደሓር ንጉስ ኢጣልያ) ክዀኑ በቕዑ።

ብ1846 መዓርግ ኣቡን ምስ ተቐበሉ፡ ሃዋርያዊ ቍምስና ኦሮሞ ኰይኖም ናብ ኢትዮጵያ ተጓዕዙ። ይዅን እምበር፡ ብምጽዋዕ ኣቢሎም ንምድሪ-ኦሮሞ ንኽኣትዉ ዝገበርዎ ፈተነ ኣይሰለጠን። ካብ ትግራይ ድማ ተሰጐጉ።

ኣቡነ ማስያስ ኣብ ሳልሳይ ፈተነኦም - ብ1852 - ብግብጽን ሱዳንን ኣቢሎም ብኽንደይ ሽግር ናብ ምድሪ-ኦሮሞ ክኣትዉ ከኣሉ።

ኣብ ዝሰዓቡ ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ድማ ደቀባት ካህናት ብምምልማልን ኣብ ወለጋ፡ ጅማን ከፋን መደበራት ምስዮን ብምትካልን እምነት ካቶሊክ ክስፋሕፈሕ ገበሩ።

ኣበርክቶን ዓወታትን

ኣቡነ ማስያስ ኣብ ዝበጽሕዎ ቦታ ጂኦግራፍያዊ፡ ኤትኖግራፍያውን ቋንቋኣውን መጽናዕትታት የካይዱ ነበሩ። ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ዝነበሮም ኣተኵሮ ድማ ፍሉይ ነበረ።

ብሳላ እቲ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ሕክምና ድማ እቲ ህዝቢ 'ኣቦ-ፍንጣጣ' ዝብል ስም ኣውጽኣሎም።

ብተወሳኺ፡ ንገላዩ ሓራ ኣብ ምውጻእ ዕዙዝ ተራ ከም ዝተጻወቱ ይግለጽ። ብ1867 ናይ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን መዝገበ-ስዋስው ኣሕተሙ።

ካብ ኤውሮጳ ናብ ምድረ-ኦሮሞ ክምለሱ እንከለዉ፡ ብሸዋ ኣብ ዝሓልፍሉ ዝነበሩ እዋን ብንጉስ ዳግማዊ ሚነሊክ ተጸዊዖም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኰይኖም ከማኽሩዎም ተዓደሙ።

ኣብ ምምስራት ምስዮን ፍቕረ ገምብን ፍንፊነ (ኣዲስ ኣበባ)ን ድማ ተራ ነበሮም። በቲ ዝነበሮም ዲፕሎማስያዊ ርክብ ድማ መንግስቲ ኢጣልያ ንኣቡነ ማስያስ ከም ወግዓዊ ወኪሉ (ምኒስተር) ገይሩ ይርእዮም ነበረ።

ናይ መወዳእታ ዓመታትን ውርሻን

ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ንኣቡነ ማስያስ ኣይፈተውዎምን። ብሰንኪ ዝነበረ ጸቕጢ ድማ ኣብ መወዳእታ ናብ ኢጣልያ ተሰጐጉ።

ብ1884 ኣቡነ ማስያስ ብርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ 13 መዓርግ ካርዲናል ተዋህቦም።

ኣብ ዕድመ ጥሮታ ምስ በጽሑ ድማ ኣብ ፍራስካቲ (ኢጣልያ) ኰይኖም ተዘክሮታቶም ጸሓፉ። እቲ ብ1885 ዝተሓትመ ታሪኽ ህይወቶም፡ ንብዙሓት ወለዶታት ካህናት ካቶሊክ ተሰውጦኣዊ ለውጢ ዘምጽአን ንታሪኽ እቲ ዞባ ባና ዝዀነን ሰነድ እዩ።

ብ2016 ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ንካርዲናል ማስያስ ናይ ብጽእና ስም ከም ዝለብሱ ገበሩ።

እዞም ን35 ዓመታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘገልገሉ፡ ካብ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ግዜ ዝተሰጐጉን ኣብ ጐድኒ ንጉስ ዳግማዊ ሚነሊክ ኰይኖም ዝሰርሑን መራሒ፡ ብ6 ነሓሰ 1889 ኣብ ጥቃ ናፖሊ ዓረፉ።