ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኵባ ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ እንታይ ዝዓለመ እዩ?

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ርክብ ኣመሪካን ኵባን ንዓሰርተታት ዓመታት ብውጥረት ዝተመልአ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ድማ ድሮ ብቕልጡፍ እናተጋደደ ይኸይድ ኣሎ።

ኣመሪካ፡ ኵባ "ሃገራዊ ጸጥታ ስግኣት" ከምዝዀነት ትኸስስ።

ብሰንኪ እዚ ዕጽዋ ነዳዲን እገዳን ኣንቢራ፤ ሕጂ ኣብ ንመራሒ እታ ሃገር ዝነበ ራውል ካስትሮ ብቕትለት ከሲሳ ኣላ።

ዋሽንግተን ምስታ ኵባ ኣብ ሰላማዊ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘይከኣል ተጠንቅቕ።

ኵባ ብወገና ኣመሪካ ወተሃደራዊ ምትእትታው ንምምኽናይ "ተግባር ምትላል" ትጥቀም ኣላ ትብል።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኵባ ጸቕጢ ንኽትገብር ዝድርኻ ዘሎ ምኽንያት እዩ? ግብረ-መልሲ ኵባ'ኸ እንታይ ይመስል?

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኵባ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክትወስድ ትኽእል ድያ?

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኵባ ጸቕጢ ንምጽናዕን ነቲ ዴሳዊ ስርዓት ንምውዳቕን ብግልጺ ክዛረብ ጸኒሑ እዩ።

ኵባ "ዝፈሸለት" ሃገር ምዃና ገሊጹ።

ኣብ መጋቢት፡ እታ ሃገር ኣብ "ዓሚቝ ጸገም" ከምዘላ ብምግላጽ "ምሕዝነታዊ ምቍጽጻር" ክፍጽም ሓሳብ ኣቕሪቡ እዩ።

ዝኾነ ወተሃደራዊ ምትእትታው ንምክያድ መደብ ከምዘሎ ዝተኣወጀ ነገር የለን፤ እንተኾነ ብፍላይ ኣብ ካሪብያን ንጥፈታት ምክትታል እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኵባ ኣብ ስግኣት እያ ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጥቓ ኵባ ዝርከባ ነፈርቱ ኣመልኪቱ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ምክትታል ነፈርቲ ብግልጺ ክፍኑ ጸኒሑ'ዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ንገለ ክፋል ናይ ሓደ በረራ ጥራይ ዝርከባሉ ቦታ ስለዘካፍላ፡ ዳታ ምክትታል በረራ ምሉእ ምስሊ ዝህብ ኣይኰነን።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣመሪካ ኣክሲዮስ፡ ምስጢራዊ ስለያ ብምጥቃስ፡ ኵባ 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘለዋን፡ ኣብ ጥቓኣ ንዝርከቡ ዕላማታት ኣመሪካ እንተላይ ጓንታናሞ ቤይ፡ ፍሎሪዳ ኪ ዌስትን መራኽብ ሓይሊ ባሕርን ንምጥቃዕ ትሓስብ ከምዘላን ጸብጺቡ።

ብተወሳኺ ንሓደ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ጠቒሱ፡ ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ኢራን ኣብ ሃቫና ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኵባ ብሩኖ ሮድሪገዝ፡ እታ ሃገር "ንኲናት ኣይተፈራርሕን ድሌት እውን የብላን" ብምባል ግብረ-መልሲ ሂቡ። እንተዀነ፡ ዋሽንግተን ወተሃደራዊ ምትእትታው ንምምኽናይ "ተግባር ምትላል" ትሃንጽ ከምዘላ ከሲሱ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ዋሽንግተን "ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ" ከም እትመርጽ እኳ እንተገለጸ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ሃገሩ ካብ ዝዀነ ይዅን ስግኣት ናይ ምክልኻል መሰልን ግዴታን ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ።

ኵባ ንኣመሪካ "ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ስግኣት" ምዃናን ናብ ሰላማዊ ስምምዕ ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ድማ ልዑል ከም ዘይኰነን እውን ኣፍሊጡ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኵባ ብሩኖ ሮድሪገዝ ብወገኑ ንሩቢዮ ብ"ሓሶት" ብምኽሳስ፡ እታ ደሴት ንኣመሪካ ሓደ እኳ ስግኣት ፈጢራ ከም ዘይትፈልጥ ገሊጹ ኣሎ።

መሓውር-ስልጣን ኵባ

ኵባ ከም ብዙሓት ሃገራት ፕረዚደንትን ቀዳማይ ምኒስተርን ኣለዋ፤ እንተዀነ ብፍሉይ መሓውር-ስልጣን እያ እትመሓደር።

እቲ መሓውር-ስልጣን ክሳብ ሕጂ ሓደ ካብቶም ካብ ዞባ ካሪብያን ዝተረኣዩ ፍሉጣት ኣስማት የጠቓልል - ካስትሮ።

መራሕቲ ኮሚኒስት ፓርቲ ኵባ ንነብሶም ከም ወረስቲን ቀጻልትን ናይቲ ኣብ 1959 ፊደል ካስትሮ ዝመርሖ ሰውራ ኵባ ገይሮም ይርእዩ።

እዚ ሰውራ እዚ ንደጋፊ ኣመሪካ ዝኾነ ፉልጀንሲዮ ባቲስታ ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱ "ጸረ ሃጸይነት" ከም መለለዪ መንግስቲ እታ ደሴት መስሪቱ።

ኣብ ኣስታት 95 ዓመት ዕድመኡ "መራሒ ሰውራ ኵባ" ዝብል ወግዓዊ መዓርግ ዝሓዘ ራውል፡ ካብ 2008 ክሳዕ 2018 ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ፕረዚደንትነት ኵባን መራሒ'ቲ ኮሚኒስት ፓርቲን ወዲ 66 ዓመት ሚግኤል ዲያዝ-ካነል እኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ደሴት ንሓቀኛ ስልጣን ዝውክልን ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ኣገልግሎታት ዝእዝዝን ስም ስድራቤት ካስትሮ'ዩ።

እዞም ሓይልታት (ስድራ ቤት ካስትሮ) ንመብዛሕትኡ ቍጠባ ብኣድማዒ መንገዲ የካይዱን ውሽጣዊ ስርዓት ይሕልዉን፣ ውሽጣዊ ተቓውሞን ዓመጽን ድማ ይዕፍኑ።

ሩቢዮ ብፍላይ ኣብዚ መሓውር ስልጣን ኣተኲሩ ብ20 ግንቦት ናብ ኵባውያን ኣብ ዝለኣኾ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ "ኵባ ብዝኾነ ሰውራ ኣይትቈጻጸርን እያ" ብምባል ብልሹዋት"ን "ብቕዓት ዘይብሎም" ገዛእቲ ኤሊት፡ ጽገናታት ይዓግቱን ምስ ኣመሪካ ዝሓሸ ዝምድና ከይህሉ ይኽልክሉን ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣመሪካ ስለምንታይ ንራውል ካስትሮ ብቕትለት ከሲሳቶ?

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ራውል ካስትሮ ዝቐረበ ክሲ፡ ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ዘጋጠመ ፍጻመ እዩ ዝጅምር።

ኣብ ለካቲት 1996 ነፈርቲ ውግእ ኵባ፡ ኣብ ሚያሚ ብዝርከቡ ኵባውያን ጕጅለ ስደተኛታት ዝውነና ክልተ ንኣሽቱ ሲቪላውያን ነፈርቲ ኣውዲቐን። ኣብተን ነፈርቲ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም፡ እቶም ሰለስተ ዜጋታት ኣመሪካ ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ራውል፡ ምኒስተር ዕጡቕ ሓይሊ ኵባን ኣብ ስርዓት ሓዉ ፊደል ካስትሮ ካብ ዝነበሩ ሓያላት ሰባትን እዩ ነይሩ።

ዋሽንግተን፡ ኵባ ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ንሲቪላውያን ነፈርቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዒላማ ገይራ ክትብል ከሲሳ፤ ካልኦት ሃገራት ድማ ነቲ ስጉምቲ ኮኒነንኦ።

ሃቫና ግን፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ክሊ ኣየርኣ ከምዘጋጠመ እያ ገሊጻ። እቲ 'ብራዘርስ ቱ ዘ ረስክዩ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጕጅለ ስደተኛታት ተደጋጋሚ ወራር ኣየር ብምፍጻም ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ከምዝፈጠረ መግለጺ ሃቫና ጠቒሱ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ራውልን ካልኦት ሓሙሽተ ሰባትን ዝተፈላለየ ክስታት ኣቕሪባ፤ ዜጋታት ኣመሪካ ንምቕታል ውዲት ምፍጻም፡ ቅትለትን ምዕናው ነፈርቲ ኣመሪካን ዝብሉ ይርከብዎም።

ራውል ገበነኛ ኰይኑ እንተ ተረኺቡ፡ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክፍረዶ ወይ ብሞት ፍርዲ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ።

ጋዜጠኛታት ንሩቢዮ፡ መንግስቱ ንካስትሮ ከመይ ገይሩ ናብ ኣመሪካ ከም ዘምጽኦ ምስ ሓተቱዎ፡ "ከመይ ገይርና ከነምጽኦ ከም እንፍትን መደባትና ንማዕከናት ዜና ኣይገልጽን እየ፡" ኢሉ መሊሱ።

ነቲ ክሲ ዘፍለጠ ዓቃቢ ሕጊ ቶድ ብላንች ግን፡ "ካስትሮ ብገዛእ ፍቓዱ ወይ ብኻልእ መንገዲ ኣብዚ ክቐርብ እዩ፡" ብምባል ገሊጹ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ራውል ካስትሮ ዝቐረበ ክሲ፡ ምስቲ ትራምፕ ኣብ ጥሪ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቬነዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ ዝወሰዶ ናይ ምሓዝ ስጕምቲ ዝመሳሰል እዩ።

ብሰንኪ ዕጽዋን እገዳን ኣመሪካ ትሳቐ ዘላ ኵባ

እቲ ቀንዲ ጸቕጢ ብመንገዲ ዕጽዋ ነዳዲን እገዳን ዝመጸ እዩ።

በዚ ምኽንያት ህዝቢ እታ ሃገር ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ንነዊሕ ሰዓታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክን ሕጽረት መግብን ክጋጥሞ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንኵባ ዝበዝሐ ነዳዲ ዘቕርባ ዝነበራ ሃገራት ቬንዙዌላን ሜክሲኮን እየን። እዘን ሃገራት ግን ኣመሪካ ንፕረዚደንት ቬንዙዌላ ካብ ዝሓዘትሉን ትራምፕ ድማ ናብ ኵባ ነዳዲ ኣብ ዝልእኻ ሃገራት ቀረጽ ከምዘክኸፍል ካብ ዘፈራርሓሉ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ግን ዝልእኽኦ ነዳዲ ደው ኣቢለን ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኵባ ብሰንኪ እቲ ኣመሪካ ዘንበረቶ ዕጽዋ ነዳዲ ከቢድ ናይ ጸዓት ቅልውላው የጋጥማ ዘሎ ኰይኑ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ድማ ውዕል ክትገብር ጸቕጢ ይገብረላ ኣሎ።

ምስ ጸቕጢ ኣመሪካ ትቃለስ ዘላ ኵባ

ኵባን ኣመሪካን ብድሕሪት መስመራት ገለ ዝመስል ዝርርብ የካይዳ ኣለዋ፤ እዚ ድማ ብኽልቲአን ሃገራት ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተረጋገጸ እዩ። መልሲ ኵባ ግን ካብ መራሕቲ ብዝወሃብ ሓያል መግለጺታት ዝተሓጽረ እዩ።

ዲያዝ-ካነል፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኵባ "ሓባራዊ መቕጻዕቲ" ከም ዘውረደት ብምኽሳስ፡ እቲ እገዳ ደው ክብል ብተደጋጋሚ ጠሊቡ። "ዘፍርሕን ትዕቢተኛን ባህሪ ናይቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዓለም" ክብል ድማ ገሊጽዎ።

ኣመሪካ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኵባ ርህራሀ ዘይብሉ ቍጠባዊ ኲናትን ኣብ መወዳእታ ድማ ወተሃደራዊ መጥቃዕትን" ንምክያድ መመኽነይታ ትሃንጽ ከምዘላ ክኢላታት ይዛረቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መሓዙት ኵባ ዝዀና ቻይናን ሩስያን፡ ኣመሪካ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጸቕጢ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ራውል ካስትሮ ዘቕረበቶ ክሲ ኮኒነናኦ ኣለዋ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኵባ "ምግዳድን" ከምኡ'ውን "ምፍርራሕን" ምጥቃም ደው ከተብል ክጽውዕ እንከሎ፣ ክረምሊን ድማ ኣብ ልዕሊ ሃቫና ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ "ምስ ዓመጽ ዝደረግ" ክትብል ገሊጻቶ።