እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ኣብ መበል 35 ዓመት ናጽነት፡ ታሪኽ ምስሳን ህዝብን ፈተና ስደትን
ኤርትራ ንመበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነታ (24 ግንቦት) ንምብዓል ኣብ ምድላው ትርከብ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ እታ ሃገር ንተኸታተልቲ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝተጻዕነላ ተጻብኦ ናይ ግዳም ሓይልታትን እገዳታትን ብምምካት፡ ኣብ መትከል "ርእሰ-ምርኰሳ" ዝተመሰረተ ቍጠባውን ማሕበራውን ልምዓት ንምርግጋጽ ትሰርሕ ከም ዘላ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ።
እዚ መግለጺታት ምስቲ ዓለምለኻውያን ትካላት ከም ባንኪ ዓለም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምኡ'ውን ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዘውጽኡዎ ታሪኻውን ስታቲስቲካውን ጸብጻባት ክነጻጸር ከሎ፡ ፍሉይ መልክዕን ድርብ ገጽን ዘለዎ ቍጠባውን ማሕበራውን ስእሊ የመልክት።
እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ካብ 1950 ጀሚሩ ክሳዕ 2026 ዘሎ ምስሳን ህዝቢ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብምውድዳር፡ ነቲ ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርናን ማሕበራዊ ጸገማትን ዝሰዓበ ማዕበል ስደትን መዋቕራዊ ብድሆታትን ክድህስስ እዩ።
ምስሳን ህዝቢ፡ ካብ 1950 ክሳዕ 2026
ኣብቲ ካብ 1950 ጀሚሩ ክሳዕ ናጽነት እታ ሃገር (1991) ዝነበረ መዋእል፡ ምስሳን ህዝቢ ኤርትራ ተዛማዲ ስሩዕነት ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ መስመር ዕብየት ይኽተል ነይሩ።
ኣብ 1950ታት ህዝቢ ኤርትራ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ይግመት ከም ዝነበረ ዝጠቕሱ ናይ ሕቡራት ሃገራት ስነህዝባዊ መረዳእታታት፡ እዚ ቍጽሪ እዚ ኣብ 1970ታት 2 ሚልዮን ሰጊሩ፤ ኣብ እዋን ናጽነት 1991 ድማ ናብ ኣስታት 3.1 ሚልዮን ገጹ ዓብዩ።
ዋላ'ኳ እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ዓቢ ናይ ህይወት ዋጋ ዘኽፈለ፡ ማሕበራዊ ምፍንቓል ዘስዓበን ኣሽሓት ዜጋታት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ዘገደደን እንተ ነበረ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበረ ማሕበረ-ቍጠባዊ መዋቕርን ውህደት ስድራቤታትን ግን ነቲ ተፈጥሮኣዊ ምስሳን ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ከሰናኽሎ ከም ዘይከኣለ እዮም እቶም ጸብጻባት ዘመልክቱ።
ድሕሪ ናጽነት ካብ 1991 ጀሚሩ ክሳዕ 2016 ዝነበረ ናይ ርብዒ ዘመን መዋእል ግን፡ ምስሳን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ክነጻጸር እንከሎ ፍጹም ዝተፈልየን ዝወሓደን ምዃኑ እቶም መረዳእታታት የረጋግጹ።
ኣብ ተመሳሳሊ 25 ዓመታት፡ ከም ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ብሳላ ዝለዓለ መጠን ፍርያምነትን ምርግጋእን ህዝበን ብዕጽፊ ክውስኽ ከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብቲ ኣብ 1991 ዝነበሮ 3.1 ሚልዮን፡ ኣብ 2016 ናብ ከባቢ 3.4 ሚልዮን ጥራይ ብምስጋር ዳርጋ ደውታ ኣርእዩ።
እዚ ብንጽጽር ጐረባብቲ ሃገራት ክርአ ከሎ ዝተራእየ ዓቢ ጋግ፡ እታ ሃገር ድሕሪ ናጽነት ተፈጥሮኣዊ ዓቕማ ተጠቒማ ክትስስን ከም ዘይከኣለት ዘነጽር እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ርእይቶኡ ዝሃበ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ራስኪን ዩኒቨርስቲ ተመራማሪ ትምህርትን ማሕበራዊ ፍትሒን ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ፡ "ኤርትራ ኣብ ጽላት ጥዕናን ትምህርትን ተዛማዲ ለውጢ እኳ እንተ ምጽአት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ መንእሰያት ግን ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ጸገማትን ስደትን ኣብ ግዜኦም ሓዳር ክገብሩን ብብዝሒ ከወልዱን ኣይከኣሉን፡" ይብል።
ብመሰረት ትንተና ዶ/ር ሳምሶን፡ እዚ ምጕዳል ቍጽሪ ህዝቢ ብዝያዳ ካብ ዋሕዲ ፍርያምነት ዝነቅል ኰይኑ፡ ብተወሳኺ ሓያሎ መንእሰያት'ውን ኣደዳ ኲናትን ስደት ዘስዓቦ ሞትን ምዃኖም ኣረዲኡ።
መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፡ መኸተን ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒን
መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዓለምለኻዊ ትካላት ዘቕርቡዎ ናይ ኣሃዝ ትንተናታትን ነቐፌታታትን ብትሪ እዩ ዝነጽጎ።
ኤርትራ ምስ ኵሉ ናይ ግዳም ተጻብኦታትን እገዳታትን፡ ብውሽጣዊ ዓቕማን ናጻ ሕርያኣን ኣብ ጽላት ጥዕናን ትምህርትን ዓበይቲ ዓወታት ተመዝግብ ከም ዘላ ይገልጽ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ እታ ሃገር ድሕሪ ናጽነት ዝገጠማ ቍጠባውን ፖለቲካውን ዕንቅፋታት ብሰንኪ ዶባዊ ውግእ ዝተነብረላ ዘይፍትሓዊ እገዳታትን ኢድ-ኣታውነት ናይ ግዳም ሓይልታትን ምዃኑ ይከራኸር።
ብመሰረት ወግዓዊ መግለጺታት፡ ኤርትራ ካብ ዝዀነ ናይ ወጻኢ ዕዳን ጸግዕተኛነትን ናጻ ዝዀነ ፖሊሲ ብምኽታል፡ ኣብ መላእ ሃገር (ካብ ከተማታት ክሳብ ርሑቕ ገጠራት) ብናጻ ዝወሃብ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ክትዝርግሕ ክኢላ እያ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወረቂ ኣብ 2017 ብዛዕባ ስደት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ውሽጢ'ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ንምስናፍናንን ምምብርካኽናን ዘይተገብረ ነገር የሎን። እቲ ቀንድን እዉጅን ኲናት ግን ዓቕሚ ሰብና ንምዝቋቚን ፋሕፋሕ ንምባልን'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።
"ናይ መህደሚ መሳለጥያ - ንመስገሪ ዶብን ካልእን ዝኸውን ንኽዋደድ፣ ካብ ዶብ ምስ ሰገርካ'ውን ክሳብ ኣብ ቀላይ ጥሒልካ ትመውት ዝኸይድ ነገር፡ ሃንደበት ወይ ፍኑው ነገር ኣይኮነን - ውዱብ'ዩ። ዓበይቲ ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ትካላት ስለያ ዘለዋኦን ዝውድባኦን ገዚፍ ማል ሰሊዐናሉ ዝሰርሓሉ ዘለዋ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ማሕበረ-ቍጠባዊ መሰላት ከም መሰረታዊ መሰል ደቂ-ሰብ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ዝገልጽ እቲ መንግስቲ፡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጸቕጢ ኰይና እኳ ካብ ጐረባብታ ሃገራት ዝሓሸ ማእከላይ ዕምሪ ህይወት ከተመዝግብ ምብቃዓ ከም ዓቢይ ናይ ርእሰ-ምርኰሳ ዓወት ይቘጽሮ።
ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ጋግ ወለዶታትን
እቲ ዓለምለኻዊ ጸብጻባት ከም ዘነጽሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኸምቲ ክውስኾ ዝጸንሐ ዘይምስሳኑ ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ብሰንኪ ዝተፈጥረ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸገማት ምዃኑ የመልክት።
ብፍላይ ካብ 1998 ጀሚሩ ብሰንኪ ዝተወልዐ ዶባዊ ውግእን ምስኡ ዝሰዓበ ናይ "ኣይኲናት ኣይሰላም" ኵነታትን፡ መንግስቲ ነቲ 18 ኣዋርሕ ዝነበረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይርድየት ሰባት ከናውሖ ጀሚሩ።
እዚ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና (ዕንቅፋት ፈጠራን ዕዮን ዘስዓበ)፡ ነቲ ንጡፍ ዓቕሚ-ሰብ ካብ ተፈጥሮኣዊ ምምስራት ስድራቤትን ቍጠባዊ ንጥፈታትን ከም ዝገትኦ ይትንተን እዩ።
እዚ ኵነታት'ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዓቢይ "ናይ ወለዶታት ጋግ" ፈጢሩ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ማእከላይ ዕድመ ህዝቢ ኤርትራ 19.5 ዓመት ምዃኑ የመልክት፤ እዚ ማለት ሕጂ ዘሎ ልዕሊ 70% ህዝቢ (ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት) ነቲ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ብኣካል ኣይረኣዮን።
እዚ ሓድሽ ወለዶ'ዚ ቍጠባውን ድጅታውን ናጽነት ዝጠልብ እኳ እንተዀነ፡ መንግስቲ ግን ንምክልኻል ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ ናይ "መኸተ" ፖሊሲታት ክጽንበሩ የገድዶም ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ምስቲ ዘሎ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ሕጽረት መሰረታዊ ናጽነታትን ተደማሚሩ ዓቢ ናይ ወለዶታት ስደት (Mass Migration) ከም ዝፈጠረ ድማ ይግለጽ።
ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ ንፖሊሲ መንግስቲ ክገልጽ ከሎ፡ "መንግስቲ ኤርትራ ብሓርነታዊ ቃልሲ ዝመጽአ ስርዓት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዝዓበየሉ ወታደራዊ ስርዓት እዩ ዝመስል። ነዚ ሓድሽ ወለዶ'ውን ንዓኡ ክመስል እዩ ዝቐርጾ ዘሎ፡" ይብል።
ቀጺሉ፡ እዚ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ውጽኢት ዶባዊ ረጽሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣካል ስልቲ ወተሃደራውን ስነሓሳባውን ምልመላ መንእሰያት (ብመልክዕ ህዝባዊ ግንባር) ምዃኑን ዕላማኡ ድማ 'ወተሃደር ይእዘዝ እምበር ኣይቃወምን እዩ' ብዝብል መትከል ነቲ ስርዓት ዘገልግል ዲሲፕሊን ዘለዎ መንእሰይ ምህናጽ ምዃኑ ይገልጽ።
ብመሰረት ጸብጻባት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 679,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኰይኖም ኣብ መላእ ዓለም ተመዝጊቦም ይርከቡ።
ካብ ቍጠባ ናብ ፖለቲካ፡ ድሕሪ ምጕዳል መጠን ስደት ዘሎ ምስጢር
እቲ ካብ ዓለምለኻውያን መረዳእታታት ዝተረኸበ ሓድሽ ኣሃዝ ከም ዘርእዮ፡ መጠነ ስደት (Net Migration) ካብ -52,000 (ኣብ 2015) ናብ ከባቢ -6,698 ክሳዕ -7,520 (ንዓመተ 2025/2026) ወሪዱ ኣሎ።
"ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ፍሉይ ፖለቲካዊ ይዅን ቍጠባዊ ለውጢ የሎን፡" ዝበለ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ሓያሎ መጽናዕትታት ዘካየደ ዶ/ር ሳምሶን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋሕዚ ስደተኛታት ምጕዳሉ፡ " ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኵነታት፡ ምዕጻው ዶባት፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንገዲ ሊብያን ምዕራብን (ጽልኣትን ኣንጻር ስደተኛታት ዘተኰረ ሕግን) ዝመጽአ ለዉጢ ዘገድዶ ኵነታት እዩ፡" ይብል።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ሓደስቲ ናይ ማዕድን ፕሮጀክትታት (ከም ፕሮጀክት ፖታሽ ኮሉሊ) ክጅምር ከም ዝጸንሐ ቍጠባዊ ጸብጻባት እኳ እንተ ሓበሩ፡ እቲ ኣብ ትካላት ዘሎ ዓሚቝ መዋቕራዊ ጸገም (CPIA = 1.7) ግን ነቲ ልዕሊ 200% ዝበጽሐ ናይ ዕዳ ጸቕጢ ንምፍታሕን ሓደስቲ ናይ ወጻኢ ወፍሪ (FDI) ንምስሓብን ዓቢይ ዕንቅፋት ኰይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ ይሕበር።
ዶ/ር ሳምሶን፡ "መንግስቲ ኤርትራ ንርእሰ-ምርኰሳ ከም ስነሓሳብ እምበር ኣብ ግብሪ ከምቲ ዝዝረበሉ ዘተግብሮ ዘሎ ኣይመስለንን፣ ምኽንያቱ፡ ዕዳና ብዙሕ፡ ዘምጻእናዮ ለውጢ ድማ ውሑድ እዩ፡" ይብል። ከምኡ'ውን ቀንዲ ዓንዲ ሕቖ ርእሰ-ምርኰሳ ክዀኑ ዝግበኦም ሰብ-ጸጋ (ሃብታማት) ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ከውፍሩ ዕድል ስለ ዘይረኸቡ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከውፍሩ ይግደዱ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ኣህጉራውያን ጸብጻባት ብዛዕባ ኤርትራ ዘቕርቡዎ ጸብጻብ፤
ደረጃ ናጽነት ፕረስ (RSF 2026): 180 ካብ 180 (ካብ ዓለም መወዳእታ)
ትካላዊ ዓቕሚ (CPIA 2024): 1.7 ካብ 6 (ካብ 2022 ጀሚሩ ለውጢ የብሉን)።
ማእከላይ ዕድመ ህዝቢ: 19.5 ዓመት (ሓደ ካብቶም ዝነኣሱ ኣብ ዓለም፣ ብድሕሪኡ ዘለዉ ካብ ሃገር ይወጽኡ)።
ህዝባዊ ዕዳ: ልዕሊ 200% ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ሃገር (GDP)።
ዕጽዋ መራኸቢ ብዙሓንን ድጂታዊ ተነጽሎን
ኣብ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ዓለም ኣብ ዝወጽአ ሓድሽ ጸብጻብ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ኤርትራ ድሕሪ ኵለን ሃገራት መበል 180 ተሰሪዓ።
እቲ ኣብ 2026 ዝወጽአ መለክዒ፡ ኤርትራ ንጋዜጠኛታት ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ "ሓደገኛን ዕጹውትን" ሃገር ኰይና ከም ዘላ የነጽር።
ካብ መስከረም 2001 ጀሚሩ ኵለን ጋዜጣታትን መጽሔታትን ብሕቲ ተዓጽየን፡ ጋዜጠኛታት ብዘይፍርዲ ን25 ዓመታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተሓይሮም፡ ምስ ስድራቤቶም ከይተራኸቡ ኣበይ ከም ዘለዉን ሃለዋቶምን ኣይፍለጥን እዩ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ስራሕ ጋዜጠኝነት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ስለያን ምክትታልን ዝካየድ ኰይኑ፡ ሰባት ኣብ ኢንተርነት ካፈ ክጥቀሙ ከለዉ መንነቶም ከመዝግቡ ከም ዝሕተቱ ይፍለጥ።
እዚ ድማ ኣብዚ ዓለም ብናይ ኪነታዊ-ብልሒ (AI) ተክኖሎጅን ሳተላይት ኢንተርነትን ብቕልጡፍ ትምዕብለሉ ዘላ እዋን፡ ኤርትራ 14% ጥራይ ተጠቓምነት ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምምዝጋብ መወዳእታ ደረጃ ምሓዛ፡ ነቲ 19.5 ዓመት ዕድመ ዘለዎ መንእሰያዊ ዓቕሚ-ሰባ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ስራሕ "ናይ ፍልጠት ተነጽሎ" ከም ዝፈጥረሉ ዘርኢ እዩ።
ዶ/ር ሳምሶን ነዚ ድጅታላዊ ሕጽረታት ክገልጽ ከሎ፡ "እዚ ሓድሽ ወለዶ ካብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ስራሕን ናይ ፍልጠት ምዕባለን ተነጺሉ እዩ ዘሎ፤ እዚ ድሕረት'ዚ ዋላ ነቲ ካብ ሃገር ዝወጽአ ሰብ ብሰንኪ ሕጽረት ተመኵሮ ከም ኣብ ባሕሪ ዝተደርበየን ዝገብሮ ዝጠፈኦን ገይሩዎ ኣሎ፡" ይብል።
ንሱ ወሲኹ፡ ብዙሓት መንእሰያት ንኢንተርነት ኣብ ክንዲ ንጽቡቕ፡ ንመጻረፍን መብኣስን ይጥቀምሉ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ "ህዝቢ ነዚ ዘመንና ዘምጽኦ ጸጋ ተጠቃሚ ክኸውን ክፍቀደሉ ኣለዎ፤ ድጅታላዊ ቴክኖሎጂ (ICT) ድማ ኣብ ካሪክለም ኣትዩ ኣካል ስርዓተ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ፡" ክብል ሓሳቡ ይህብ።
ቴክኖሎጂ እቲ ዝሓየለ ርእሰማል ዝውንን ጽላት ቍጠባ ምዃኑን ዓለምና ብሃብታማት ቴክኖሎጂ ትምራሕ ከም ዘላን'ውን ኣዘኻኺሩ።
ሰብኣዊ መሰላት
ብመሰረት እቲ ብለካቲት 2026 ዝወጽአ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ ገና ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዝተዓጸወን ጽኑዕ ምቍጽጻር ዝካየደለንን ሃገራት ኰይና ትቕጽል ኣላ።
ካብ 1998 ጀሚሩ ብሰንኪ ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን (ክተት)፡ መንግስቲ ነቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዓመታት ብዘይፍቓድ ሰባት ስለ ዘናውሖ፡ እዚ ድማ ብጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት "ግዱድ ጉልበት" ተባሂሉ ተሰኒዱ ኣሎ።
ተምሃሮ'ውን ትምህርቶም ከይወድኡ ናብ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ሳዋ ክኸዱ ከም ዝግደዱ ይገልጽ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብታ ሃገር ዝዀነ መስርሕ ሕጊ ኣይተተግበረን።
ካብ መስከረም 2001 ጀሚሮም ዝተኣሰሩ 11 ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ (G-15) ከምኡ'ውን 10 ጋዜጠኛታት ብሕቲ ክሳዕ ሕጂ (2026) ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን። ብጠቕላላ ኣስታት 10,000 እሱራት ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ይግመት።
ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሻራ ዘይብሎም ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ናብታ ሃገር ከይዶም ክዕዘቡ ከልኪላ ኣላ።
ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣኼባ ኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ዚ ጽኑዕን ስርሑ ዝዓምምን ሃገራዊ ናይ ሕጊ መዋቕር ንምህናጽ፡ ኵለመዳያዊ ስርሓት ምምሕያሽ ሕጊ ተካይድ፡" ከም ዘላ ገሊጹ።
ኣስዒቡ፡ ስቪላውን ገበናውን ሕግታት ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ሕግታት ምርምርን ምእራምን ይግበረሎም ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኤርትራ ነቲ ኣብ እዋን ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝነበረ ሕጊታት ብምምሕያሽ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ኰይና፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ሓድሽ ሕግታት እኳ እንተ ተነድፈ ኣብ ግብሪ ግን ከም ዘይወዓለ እዩ ዝፍለጥ።
መዳይ ጥዕና፡ ዩኔስኮን ዞባዊ ምንጽጻር ቀርኒ ኣፍሪቃን
ሓደ ካብቲ መንግስቲ ኤርትራ ብብዝሒ ዝንኣደሉን ዓለምለኻውያን ትካላት'ውን ዝሰማምዓሉን ዓወት፡ ኣብ መዳይ ምክልኻል ሕማማት ዝተመዝገበ ውጽኢት ኰይኑ፡ ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ዚ ማእከላይ ዕምሪ ህይወት 69.4 ዓመት (ደቂ-ኣንስትዮ 71.5፡ ደቂ-ተባዕትዮ 67.2) ኣመዝጊባ ኣላ።
ይዅን'ምበር፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ 48% (ኣስታት ፍርቂ) ካብቶም ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ኤርትራ ብሰንኪ ዋሕዲ መኣዛታትን ሕጽረት መግቢን ምድንጓይ ዕብየት (Stunting) የርእዩ ከም ዘለዉ ይሕብር።
ምድንጓይ ዕብየት፡ ሓደ ህጻን ኣብ ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ናይ ህይወቱ ብሰንኪ ዘጓነፎ ሕጽረት መግብን መኣዛታትን ዘስዕበሉ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስውር ሓደጋ ኰይኑ፡ ንናይ ምምሃር ብቕዓቱ የዳኽም፣ ምስ ዓበየ ድማ ንኣፍራይነቱን ኣታዊታቱን ብኸቢድ ይጸልዎ።
ብተወሳኺ፡ ንኸም ሕማም ሽኰርን ልብን ዘኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ዘቃልዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ድማ ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎም ህጻናት ክወልዳ ክገብር ዝኽእል ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።
ዩኔስኮ'ውን ኣብቲ 'World Trends Report' ዘርእስቱ ጸብጻብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናጽነት ፕረስ ብኸቢድ ደረጃ ይጐድል ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ከምዚ ኤርትራ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝተሰርዓትሉ ጸገም ንደረጃ ዕብየት ኵለን ሃገራትን ሓይሊ ሰብን ከም ዝጸለዎ የመልክት።
ድርብ ገጽታታት ኤርትራ
ነዞም ኵሎም ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብሓደ ብምጥማር ናይ ኤርትራ ድርብ ገጽታታት ምስ ዝግምገም፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝተመዝገቡ ዓወታትን ዘለዉ መዋቕራዊ ብድሆታትን ዓቢይ ጋግ ይርአ።
ኣብ ዓቕሚ-ሰብ፡ እታ ሃገር ማእከላይ ዕድመ 19.5 ዓመት፡ ኣብ መዳይ ምህናጽ ደቂ-ሰብ 3.5 ነጥቢ እኳ እንተ ኣመዝገበት፡ እቲ ሃዋሁ ንግዲ ግን ብሰንኪ ነዊሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት 1.0 ኰይኑ ይርከብ። እቲ ኣብ 19.5 ዓመት ዝርከብ ዝበዝሕ ዓቕሚ-ሰባ ከኣ ኣብ ግላዊ ዕዮን ፈጠራዊ-ዕዮን ክሳተፍ ከም ዘይክእል የመልክት።
ኣብ ጽላት ቍጠባዊ፡ ሓፈሻዊ ፍርያት ሃገር 2.9 ቢልዮን በጺሑ ተዛማዲ ወሰኽ ዘርኣየ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ህዝባዊ ዕዳ ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ሃገር ልዕሊ 200% ምብላጹን እታ ሃገር ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ከም ዝዀነት እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ ነዚ ኣብ መንጎ ዓለምለኻዊ ጸብጻባትን መግለጺታት መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ክድምድም እንከሎ፡ "ዋላ እኳ ሃጓፋት እንተለዎ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ዘውጽኡዎ ጸብጻብ ነተን ሃገራት ዘንጸባርቕ ክውንነት ስለ ዝዀነ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና፡" ይብል።
መንግስቲ ነቲ ብናጻ ዝወሃብ ትምህርትን ሕክምናን ከም ዓወት ይሕሰቦ'ምበር ፡ "እዞም ተገይሮም ዝበሃሉ ለውጥታት ግን ብዋጋ እቲ ብናጻ ዘገልግል ዘሎን መሰሉ ክሓትት ዘይፈቀደሉን ህዝቢ (ብፍላይ መንእሰያት) ይካየዱ ከም ዘለዉ ምግንዛብ የድሊ፡" ብምባል ይነቅፍ።
"መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካውን ቍጠባውን ለውጢ ክገብር፤ ግዝኣተ ሕጊ (ቅዋም) ከተግብር፤ ህዝቢ ድማ ኣብ ቍጠባውን ፖለቲካውን ሃገሩ ብናጻ ክሳተፍ ዕድል ክፈጥር ኣለዎ፡" ብምባል መፍትሒ የቐምጥ።