ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ዋሽንግተንን 'ሓድሽ ምዕራፍ' ከም ዝተጀመረ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ ሎሚ መዓልቲ 24 ንዝጽንበል ዘሎ መበል 35 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት "ሓድሽ ምዕራፍ" ከም ዝተጀመረ ብምግላጽ ድማ ኣብ ሓባራዊ ርግኣትን ቍጠባዊ ብልጽግናን ብሓባር ንምስራሕ ዘለዋ ድሌት ገሊጻ።
ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ብስም መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንመበል 35 ዓመት ጽምብል ናጽነትኩም እንቋዕ ሓጐሰኩም፡" ኢሉ።
ኣስዒቡ እውን፡ "ኣብዚ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ዳግማይ ዝተጀመረሉ ሓድሽ ምዕራፍ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም መንግስታትና ዘሎ ምትእስሳር ንምዕማቝን ኣብ ሓባራዊ ብልጽግናን ርግኣትን ብሓባር ንምስራሕን ብሃንቀውታ እጽበ፡" ክብል ገሊጹ።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ብዙሓት ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝተረኽቡ ኰይኖም፡ ካብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ዴስክ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽአ ልኡኽ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣቕሪቡ።
ህዝቢ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘብዕሎ ዘሎ መዓልቲ ናጽነት ምስ ትራምፕ ሓቢሩ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ነቲ ዘይሕለል መንፈስን ተጻዋርነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ንልዕላውነት ሃገረ ኤርትራ ዘለኩም ተወፋይነት አድንቕን አኽብርን፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝጸሓፍኩልካ ደብዳበ ካብ ዝተገልጸ ስምዒት ብምብጋስ፡ ከምኡ'ውን እቲ ዝሓለፈ ናይ ወጥሪ ምዕራፍ ሕጂ ንድሕሪት ተሪፉ ስለ ዘሎ፡ ናብ ድሕሪት ከይተመለስና ንቕድሚት ክንሰጕም፡ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ድማ ንሓባራዊ ሰላምን ብልጽግናን ብሓባር ክንሰርሕ ሓቀኛ ግዜኡ ሕጂ እዩ ኢለ እኣምን፡" ኢሉ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዋሽንግተን ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺታት፡ ኣብ ታሪኽ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ዓቢ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከም ዝመጽአ ዘርኢ እዩ።
ኣብ መንጎ ኣስመራን ዋሽንግተንን ዝነበረ ዝምድና ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ኵነታት ዝሻሕከረ እዩ ነይሩ።
ብፍላይ ኣብ መወዳእታ 1990ታት ብሰንኪ ዝተወልዐ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንዝምድና ክልተአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ወጥሪ ኣበሪኹዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈላለዩ እገዳታት ክንበር ሓያል ጽልዋ ከም ዘሕደረትን "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ንምዝራግ፡ ንኢትዮጵያ ከም መጋበርያ ትጥቀመላ፡" ምንባራን ኣስመራ ብተደጋጋሚ ክትወቅስ ትስማዕ ነይራ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኵነታት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቕልጡፍ ብምልውዋጡ፡ ከምኡ'ውን ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሓ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ንምሕላው ብዝሃበቶ ሓድሽ ትዅረት፡ እቲ ዝጸንሐ ናይ ወጥሪ ምዕራፍ ንድሕሪት ተገዲፉ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተዳለወ ጽምብል፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ፍሉይ ጋሻ ኰይኑ ብምርካብ፡ ምስ ሓለፍቲ ናይቲ ኤምባሲ ኰይኑ ቶርታ ክቘርስ ተራእዩ እዩ።
እዘን ሃገራት ካብ ዝጸንሐኦ ዘይቍርዑይ ዝምድና ወጺአን ናብ ርክብ ገጽ-ንገጽ ምስግጋረን ሓደ ርኡይ ምዕባለ እዩ።
እዚ ፕረዚደንት ትራምፕን ምኒስተር ማርኮ ሩቢዮን ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፡ ዝምድናአን ብግብሪ ይስጕም ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ይመስል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ እስላማዊት ሪፖብሊክ ኢራን መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብቲ ኣብ ኤክስ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ኣብ ኵሉ ዓውድታት ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድናታት ምሕያል፡ ናይ ክልተአን ሃገራት ሓባራዊ ኣጀንዳ እዩ፡" ኢሉ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


