ስእሊ ያማል ቅድሚ 19 ዓመት፡ ካብ ኢድ ሜሲ ናብ ኣሰር ሜሲ

ሜሲ ዕሸል እናሓጸበ

ምንጪ ስእሊ, Joan Monfort

መግለጺ ስእሊ, ርክብ ሊዮነል ሜሲን ላሚን ያማል ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሰግርን'ዩ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ወዲ 39 ዓመት ሊዮነል ሜሲን ወዲ 19 ዓመት ላሚን ያማልን፡ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ናይ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ክራኸቡ እዮም።

ርክብ ክልቲኦም ከዋኽብቲ ኩዕሶ እግሪ ንመጀመርታ ግዜ ዝተራኸብሉ እዋን ግን ካብ ሜዳ ወጻኢን ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሰግርን እዩ።

እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ 2007 እዩ ኣጋጢሙ፤ ሽዑ ወዲ 20 ዓመት ሜሲ ቀዋሚ ተጻዋታይ ባርሴሎና ኰይኑ፡ ላሚን ያማል ድማ ገና ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ጥራይ እዩ ነይሩ። እቲ ርክቦም ብጆኣን ሞንፎርት ብስእሊ ተሰኒዱ ነይሩ።

ላሚን ያማል፡ ስጳኛ ኣብ ዩሮ 2024 ክትዕወት ኣብ ዝሓገዘሉ እዋን፡ ኣቦኡ "መጀመርታ ክልተ ከዋኽብቲ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ስእሊ ኣብ ኢንተርነት ምስ ኣካፈለ፡ እቶም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተላዕሉ ኣሳእል ዳግማይ ተቐልቂሎም ኣለዉ።

ኣብተን ኣሳእል፡ ብፍሽኽታ ዝተመልአ ሜሲ ንሓደ ዕሸል ሓቚፉ ክሓጽቦ ይርአ። እዚ ዕሸል እዚ፡ ብዘገርም መንገዲ ኣሰር ሊዮነል ሜሲ ዝተኸተለ ላሚን ያማል እዩ።

"ብሓቂ ተኣምራዊ ዕጫ እዩ" ትብል ሰኣሊት ሞንፎርት ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃበቶ ቃል።

"ካብቲ ዝሓሰብካዮ ኣዝዩ ዝዓበየ ተወሳኺ ፍሉይ ነገር ክትረክብ ከለኻ ግድን እዩ። እዚ ኣብ ፊልም እንተ ትጽሕፎ፡ ዘይእመን ነገር እዩ ዝመስል።"

'ሜሲ ነቲ ዕሸል ከመይ ከም ዝሕዞ ሓሳብ ኣይነበሮን'

እቲ ስነ-ስርዓት ስእሊ ኣብ ስታድዩም ካምፕ ኑ ባርሴሎና ኣብ ዝርከብ መቐየሪ ክዳን እዩ ተኻይዱ። ስድራቤት ላሚን ያማል ኣብኡ ንምስታፍ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብዕጫ ተዓዊቶም እዮም።

ተወላዲ ሞሮኮ ዝዀነ ኣቦኡ ሙኒር ናስራዊን ካብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዝዀነት ኣዲኡ ሺላ ኢባናን፡ ብንእስነቶም ምስ ስድራቤቶም ናብ ካታሎንያ ድሕሪ ምግዓዞም እዮም ተራኺቦም።

ላሚን ያማል በዅሪ ውላዶም እዩ። ድሕሪ ምውላዱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካታሎናዊት ጋዜጣ ስፖርት ምስ መወልቲ ማልያ ባርሴሎናን ዓለምለኻዊ ትካል ግብረ-ሰናይ ህጻናት ዩኒሴፍን ብምትሕብባር ኣብ ዝካየደቶ ዕጫ ስድራቤቱ ተዓዊቶም።

እቶም ብዘይ መደብ ዝተመርጹ ተዓወትቲ፡ ፕሮፌሽናል ስእሊ ዕሸሎም ምስ ሓደ ተጻዋታይ ክለብ ባርሴሎና ክሰኣሉ ዕድል ይወሃቦም ነይሩ። ላሚን ያማል ካብቶም ተዓወትቲ ኰይኑ፡ ኣብታ መዓልቲ ድማ ብኣጋጣሚ ምስ ሜሲ ተራኺቡ።

ሜሲን ኣደ ያማልን ዕሸል እናሓጸቡ

ምንጪ ስእሊ, Joan Monfort

መግለጺ ስእሊ, ኣደ ላሚን ያማል ሺላ ኢባና እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ስእሊ ተሳቲፋ

"ኣብ 2024 ሓደ ካብ ኣዕሩኽተይ ደዊሉ ኣቦኡ ኣብ ኢንስታግራም ከም ዝለጠፎ ክሳብ ዝነገረኒ፡ ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ላሚን ምዃኑ ፈጺመ ኣይፈለጥኩን፡" ክትብል ሞንፎርት ትገልጽ።

"ሜሲ ናይ ብሓቂ ስቕታ ዝመርጽ ሰብ እዩ፣ ሓፋር እዩ። ናብ መቐየሪ ክዳን መጺኡ፤ ሃንደበት ምስቲ ዕሸል ነዘን ኣሳእል ተሳኢሉ፤ ነቲ ዕሸል ከመይ ከም ዝሕዞ ሓሳብ ኣይነበሮን!"

"ንመንእሰይ ከቢድ እዩ፡ ላሚን ግን ኣዝዩ ሕጉስን ፍሽኽታ ዝመልኦን ዕሸል እዩ ነይሩ። ኣዲኡ ሺላ ሓጊዛትና፤ ንእሽቶ ጓል እያ ነይራ፤ ኣዝዮም ድኻታት ስድራቤት እዮም ነይሮም፡ ምስኦም ክትሰርሕ ግን ኣዝዩ ደስ ዝብል ነይሩ። ሜሲ ኵሉ ግዜ ኣብ ከምዚ ዓይነት ነገራት ፕሮፌሽናል እዩ ነይሩ፡ ምስቲ ኵነታት ድማ ኣዝዩ ቀልጢፉ ይላመድ ነይሩ፡" ትብል።

ሜሲ ንዕሸል ያማል ሓቚፉ

ምንጪ ስእሊ, Joan Monfort

መግለጺ ስእሊ, ሜሲ ገና ኣብ 2007 ንባርሴሎና ቁጽሪ 19 ማልያ እዩ ዝኽደን ነይሩ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሮናልዲንሆ ካብታ ክለብ ምስ ወጸ ጥራይ እዩ ቁጽሪ 10 ማልያ ወሪሱ

'ንወለደይ ክኸፍሎም ፈጺመ ኣይክእልን'

ኣብ መበል 19 ዓመት ልደቱ፡ ሜሲ ኣብ ሞያኡ 11 ሸቶታት ብምምዝጋብ ላሊጋን ሻምፕዮንስ ሊግን ሓደ ግዜ ተዓዊቱ ነይሩ።

ትማሊ ሰኑይ መበል 19 ዓመት ልደቱ ዘብዓለ ላሚን ያማል ድማ ድሮ 56 ሸቶታት ብምምዝጋብ ሰለስተ ግዜ ላሊጋ፡ ሓደ ግዜ ኮፓ ደልሬይ ከምኡ'ውን ዩሮ 2024 ተዓዊቱ ኣሎ።

ምሉእ ስሙ ላሚን ያማል ናስራዊ ኢባና ኰይኑ፡ ነተን ቀዳሞት ክልተ ኣስማት ኣብ ድሕሪት ማልያኡ ዝለብሰን፡ ኣብ እዋን ልደቱ ንስድራቤቱ ዝሓገዙ ክልተ ሰባት ንምኽባር እዩ።

ኣቦ ላሚን ያማል፡ እታ ስድራቤት ገንዘብ ኣብ ዝሓጸሮም እዋን ሕሳቦም ክኸፍሉ ዝሓገዙ ሰባት ብኣስማቶም ክጽውዖ ቃል ከም ዝኣተወ ኣብ ማዕከናት ዜና ስጳኛ ብሰፊሑ ይግለጽ።

ላሚን ብዓረብኛ ልሙድ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ስም ኰይኑ "እሙን" ዝብል ትርጕም ይህብ፤ ያማል ድማ "ጽባቐ" ማለት እዩ።

ካብ ባርሴሎና ንሰሜን 20 ማይልስ ርሒቑ ኣብ ማታሮ ኣብ ዝርከብ ሮካፎንዳ ዝበሃል ሰራሕተኛታት ዝነብሩሉ ከባቢ እዩ ዓብዩ። እቲ ከባቢ ኣብ 1960ታት ካብ ካልኦት ዞባታት ስጳኛ ንዝመጹ ስደተኛታት ንምዕቛብ ዝተሃንጸ እዩ።

ላሚን ያማል ሸቶ ከመዝግብ እንከሎ ብኣጻብዕቱ "3-0-4" ብምምልካት ዝጽንብል፡ ንፖስት ኮድ ሮካፎንዳ ንምውካስ እዩ።

"ኣደይ ዝገበረቶን ኣቦይ ዝገበሮን ንውላደይ ዘይኰነ ሰብ ከምኡ ክገብረሉ ኣይምኸኣልኩን፡" ክብል ያማል ንኤልፓይስ ተዛሪቡ።

"ገንዘብ እንተ ዘይብልካ ንውላድካ ኩዕሶ እግሪ ክጻወት ክትሕግዞ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ወለደይ ድማ እዚ ኵሉ ንክኸውን ገይሮም። ፈጺመ ክኸፍሎም ዘይክእል ነገር እዩ።"

ስእሊ ሜሲን ያማልን ብዕሸልነቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዛ ፍልጥቲ ስእሊ ብደገፍቲ ስጳኛ ኣብ ዩሮ 2024ን ዋንጫ ዓለምን ናብ ባነር ተቐይራ

'ልበይ ኣብ ክልተ ተኸፊላ'

ነታ ንባርሴሎና እትድግፍ ካታሎናዊት ሞንፎርት፡ ኣብ ሜዳ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ከዋኽብቲ ዝካየድ ርክብ፡ ናይቲ ዳርጋ ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጀመረ ዛንታ ፍጹም መዛዘሚ እዩ።

"ዑደት ታሪኾም ንዓጽዎ ዘለና ይመስለኒ" ትብል ሕጂ 58 ዓመት ዝመልኣት ሞንፎርት።

"እዚ ድማ ሕጉስ መወዳእታ እዩ። ኣነ ደጋፊት ባርሴሎና እየ፤ ሜሲ ድማ ንኻልኣይ ግዜ ዋንጫ ዓለም ብምዕዋት ታሪኹ ክዛዝሞ እንተ ክኢሉ ፍጹም ዝኸውን እዩ ዝመስለኒ። ይግብኦ እዩ።"

"ንላሚን ድማ ኣብ ከም ዋንጫ ዓለም ዝኣመሰሉ ውድድራት ንምዕዋት ገና ብዙሕ ግዜ ኣለዎ። ስጳኛን ላሚንን ግን ናብ ጽቡቕ ህሞት ይቐርቡ ኣለዉ፤ ሕጂ እንተ ዝዕወት ድማ ካብ ካልኦት ዋንጫታቱ ንላዕሊ ዓቢ ዋጋ ምሃለዎ፡" ትብል ሰኣሊት ጆኣን ሞንፎርት ወሲኻ።

"ኣዝዩ ከቢድ እዩ ንዓይ፤ ልበይ ኣብ ክልተ ተኸፊላ ኣላ።"

ሜሲን ያማልን ቁጽሩ 10 ማልያ ለቢሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሜሲ፡ ኣብቲ እዋን ወዲ 15 ዓመት ዝነበረ ያማል ፈላማይ ጸዋታኡ ቅድሚ ምክያዱ ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ ኣብ 2021 ካብ ባርሴሎና ወጺኡ ናብ ፒኤስጂ ኣቕኒዑ፡ ኣብ 2025 ያማል ነታ ቁጽሪ 10 ማልያ ወሪስዋ