"ዘሊልካን ፈኪርካን ዝኸውን ነገር የለን" - ጀነራል ታደሰ

ታደሰ ወረደ

ምንጪ ስእሊ, DW/fb

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ሹመት ፕረዚደንትንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቀዳማይ ምኒሰተር ኢትዮጵያ ምስ ተናወሐለሉ፡ ንፈለማ እዋን እዩ መግለፂ ሂቡ።

ንሱ ኣብቲ ትማሊ ዝሃቡ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ መራሕቲ ህወሓት፡ "ስልጣን ከይትቕበል" ኢሎምዎ ከምዝነበሩን ከምዘይተቐበሎን ተዛሪቡ ኣሎ።

እቲ ዝተናወሐ ስልጣን ፕረዚደንትነት ብገለ ምኽንያት ከካትዕ ዝቐነየ ዀይኑ፡ ህወሓት ኣብቲ መስርሕ ከምዘይተሳተፈን [ከምዝተገለለ] ከምኡ'ውን መንግስቲ ፌዴራል ንብሕቱ ከምዝወሰነን ብምንቃፍ ነቲ ውሳነ ከምዘይቅበሉ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ከምኡ ድማ፡ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ዝተናወሐሉ ኣገባብ፡ ግልፅነት ዝጐደሉ ዀይኑ፡ እቲ ዝተጠቕሰ ደንቢ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ [ቅድሚ ምፈራም ውዕል ፕሪቶርያ ዝወፅአ] እዩ ነይሩ።

እዚ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ዝሃበ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምኒሰተር፡ እቲ ዝተጠቕሰ ደንቢ ከምዝእረም ንቢቢሲ ምግላፁ ዝዝከር ኰይኑ ዛጊድ ግን፡ ዝተኣረመ ነገር የለን።

ፀብፃብ ብዝምልከት

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብቲ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ንሚድያታት ትግራይ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ኣብ ገለ እቶም ወሰንቲ ጉዳያት መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ሓደ ዘልዐሎ፡ እቲ ብማዕኸናት ዜና መንግስቲ ፌዴራል ዝተመሓላለፈ ፀብፃብ ዝምልከት ኰይኑ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከብ እዋናዊ ኩነታት ዘይጠቅስ ናይ ይበተዅ እዩ ተባሂሉ ክንቀፍ ዝቐነየ እዩ።

ንሱ፡ "እቲ ዝተሰርሐ ሓቂ ክዕበጥ ከም ዘይኽእልን እቶም ኣብቲ ፀብፃብ ዝቐረቡ ምስልታት እውን ናይ ቀረባ ግዘ ምስልታት ምዃኖም" ብምግላፅ ነቶም ዘለዉ ፀገማት ክፅብፀቡ ብዘይምኽኣሎም ግን ናቶም ሚድያታት ክፍተት ምዃኑ ጠቚሱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዝተገብረ ክልከላ በጀት፣ መድሓኒት፣ ነዳዲ ይኹን ካልኦት መሰረታዊ ነገራት፡ "ትግራይ ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ኮፍ ከም ዘይበለት" ዘመላኸተ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፡ እንተዀነ እቲ ክልል ካብ ስራሕ ከምዘይቦኸረ ኣመልኪቱ።

እዚ አገላልፃ፡ ምስቲ ቅድም ኢሉ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምርሑ፡ ባዕሉን ብምክትሉ ኣቶ ኣመኑኤል ኣሰፋን ዝወሃቡ ዝነበሩ መግለፂታት ዘይሳነ ዃይኑ፡ ብሰንኪ ጉድለት ባጀት ስሩዕ ንጥፈታት መንግስቲ እቲ ክልል ዳርጋ ጠጠው ኢሉ ከምዘሎን፡ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ሕክምናን ይዕፀዋ ከምዘለዋ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።

ካልእ ተሪፉ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክኸፍል ከመዘይከኣለን፡ ብሕፅረት ገንዘብ፣ ስእነት ነዳድን መ፥ድሓኒትን ነበርቲ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከቡ ፀብፃባት የመልክቱ።

ኣብቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ሓዊሱ ንካቢኔ ፌዴራል ኣቕሪቡዎ ዝተብሃለ ዓመታዊ ሪፖርት መሰረት ገይሩ ዝቐረበ ፀብፃባት ሚድያ፡ ኣብቲ ክልል ሰፋሕቲ ንጥፈታት መንግስቲ፡ ዳግመ-ህንፀትን ሕውየትን ከምዝተሰርሑን፡ ዕዉት ዓወት ከምዝነበረን ኰይኑ እዩ ቀሪቡ።

ታደሰ፡ ኣብ መግለፂኡ፡ "ነቲ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ዘይምጥቃሰን፡ ናይተን ሚድያታት ክፍተት እዩ" እንተበለ'ኳ፡ እቲ ኣብ ፀብፃቡ መሰረት ገይሩ ዝቐረበ ሪፖርታዥ ግን ብሕሶት ኣይከሰሰን ወይ ድማ ኣይነፀገን።

እቲ ንብዙሓት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዘቘጠዐ ፀብፃብ፡ እርማት ክግበረሉ ከምዝሓተተ ዝገልፅ ነገር የለን፡ ወይ ድማ ሙሉእ'ቲ ዘቕረቦ ሪፖርት [ዝተፈለየ እንተዀይኑ]፡ ብክልላዊ መንግስታዊ ሚድያ ክተሓላላፍ ኣይተገበረን።

ታደሰ፡ እዚ ብዝምለከት፡ "እዚ ይሕለፍ እዚ ይትረፍ ዝብል፡ ናይተን ሚዲያታት ስራሕ" ጥራይ ገሊፁ።

ከም ሓደ መንግስታዊ ኣካል እታ ሃገር፡ እቲ ዝተፈጥረ ዝበሎ ጌጋ እርማት ክግበረሉ ብዛዐዕባ ምሕታቱን ዘይምሕታቱን ዝተገልፀ ነገር'ውን የለን።

ህወሓት፡ ምስ ምምፃእ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ተኣሳሲሩ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምድፍኡ፡ ኣብ ትግራይ ኣዝዮም ብዝተጋነኑ ወይ ድማ ናይ ሕሶት ፀብፃባት ብምቕራብ ዝንቀፍ ኰይኑ፡ ባዕሉ እቲ ውድብ ኣብ መበል 12 ጉባኤኡ ካብ ዝግምገሞም ጉዳያት ሓደ ምንባሩ ይዝከር።

" 'ስልጣን ከይትቕበል' ኢሎምኒ ነይሮም'

ካልእ ዘዘራርብ ዘሎ፡ ኣብ ምንዋሕ ስልጣን'ቲ ፕረዚደንት ዝምልከት ኰይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ንመራሕቲ ህወሓት ምድላዋት ክግበር ክሓትት ከምዝፀንሐን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሸ ግና ንስልጣን ከይኮነስ 'ኣብ ኣፋን ዕርበታን' ፀብፃብ ንምቕራብ ተፀዊዑ ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ምኒሰተር ኣብዪ፡ ሽዑ ንሽዑ 'ቲ ፀብፃብ ኣብ ዝቐረበሉ መዓልታት፡ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ከምዘናወሐ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን፡ ሓበራዊ ግዝያዊ ምምሕዳር ከቘሙ ዝጠልብ ኰይኑ፡ ስልጣን እቲ ዝተሾመ ፕረዚደንት፡ ንምንዋሕ ናይ ክልቲኦም ኣካላት ተሳትፎ ከምዘድሊ ዝገልፅ ነገር የለን።

እቲ ፕረዚደንት፡ ብህወሓት ዝቐረበ ሰብ ይኹን ካልእ ኣማራፂ ሓሳብ ዘየለ ምዃኑን፡ "ንስኻ ስልጣን ከይትቕበል" ዝብል ሓውሲ ትእዛዝ ምንባሩን ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፡ "ስልጣን ኣይቅበልን ምባል መሰል'ዩ፤ ንስኻ'ውን ከይትቕበሎ" ዝብል ግን ኣገባብ ከምዘይኰነን ከምዘይቅበሎን፡ ምስዚ ብዘተኣሳሰር ንዝመፅእ ድፍኢት ኣብ ትግራይ ኰይኑ ከምዝቃለሶን ገሊፁ።

ህወሓት ኣብ መግለፂኡ፡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምንውሑ፡ "ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ዝርርብ ዘይተገበረሉን ካብ ኣፍልጦን ተሳትፎን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወጻኢ ዝተመሓለፈን በይናዊ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ንመላእ ህዝብና፡ ኣደራደርቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ማሕበረሰብ ዓለምን ከነፍልጥ ንፈቱ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ "ዘሊልካን ፈኪርካን ዝኸውን ነገር የለን" ዝበለ ዀይኑ፡ ኣብ ምምላስ ተመዛበልትናን ምውሓስ ግዝኣት ትግራይን ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ ኣሎ።

"ምምላስ ተመዛበልትና ይኹን ምውሓስ ግዝኣት ትግራይ ካብ ጭርሖ ዝዘለለ ክኸውን ኣለዎ" ይብል መግለፂ እቲ ፕረዚደንት።

ጉዳይ ተመዛበልትን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ምፍታሕ ዕጡቓት ትግራይ ካብቶም ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘካትዑን ንኣፈፃፅማ ውዕል ፕሪቶርያ ዘሕክሉን ጉዳያት ኰይኖም ቀፂሎም ኣለዉ።

እንተዀነ፡ እቲ ብዕጡቓት ተደፊኡ ካብ ስልጣን ዝተኣለየ ፕረዚድንት-ነበር ጌታቸው ረዳ ዀነ፡ እቲ ሕዚ ስልጣኑ ተናዊሕሉ ዘሎ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ መዓልታዊ መግለፂ ዝህብሉ ጉዳይ፡ ብግብሪ ግን ተመዛበልቲ ኲናት ትግራይ ኣደዳ ቍርን ፀሓይን ኰይኖም መረበቶም ዛጊድ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ይርከብ።

ሕዚ'ውን ብሰላማዊ መገዲ ነዞም ሕቶታት ንምምላስ ከምዝሰርሕ ዝገለፀ እቲ ፕረዚደንት፡ ብዝኰነ ይዅን መገዲ ናብ ውግእ ከየምርሕ ከምዝፅዕርተዛሪቡ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ: ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ፌደራል ንዳግመ ህንፀት፣ ንስራሕቲ መንገዲ፣ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓትን ውሱን በጀት ከምዝለኣኸ ኣረጋጊፁ።

እንተዀነ ጀነራል ታደሰ፡ ኣብ መግለፂኡ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ'ቲ ክልል ብዝምልከት፡ ብቐጻሊ ዝርርብ ከምዘድልዮን ኣብ ሓፂር እዋን ፍታሕ ክረክብ ቃል ከምዝተኣተወን ጠቒሱ።

ከምኡ'ውን፡ ሕፅረት ነዳዲ ብዝምልከት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ፡ ኢትዮጵያ'ውን ተፀልያ ከምዘላ፡ ብቐፃሊ ግን ትግራይ ከም ክልል ዝግባኣ ብፅሒት ክትረክብ ምዃና ከምዝተሓበረሉ ኣፍሊጡ።