ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሞያሌ ብዝተወልዐ ግጭት ህይወት ሰባት ጠፊኡ፡ ብዙሓት ናብ ኬንያ ሃዲሞም

ኣብ ከተማ ሞያሌ ካብ ብሰንበት ጀሚሩ ብዝተወልዐ ግጭት መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ተቓጺሎም፡ ህይወት ነበርቲ'ውን ሓሊፉ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ሞያሌ ካብ ብሰንበት ጀሚሩ ብዝተወልዐ ግጭት መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ተቓጺሎም፡ ህይወት ነበርቲ'ውን ሓሊፉ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ሞያሌ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወብሉ ከባቢ ካብ ብሰንበት ጀሚሩ ብዝተወልዐ ግጭት፡ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝጠፍአ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።

እቶም ነበርቲ "ኣብ ዘይግቡእ ቦታ ዝተተኸለ ባንዴራ" ጠንቂ እቲ ግጭት ከም ዝዀነን፡ ካብ ወዲ 10 ዓመት ሰገን ጀሚሩ ብዙሓት ነበርቲ ካብ ክልቲኡ ወገን ከም ዝተቐትሉን ተዛሪቦም።

ካብ ወገን ክልል ኦሮምያ ከንቲባ ከተማ ሞያሌ ኣቶ ገልማ ኮርቻ፡ እቲ ግጭት 08 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ከም ዝተወልዐ ብረቡዕ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ተዛሪቡ።

እቲ ከንቲባ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወባሉ ከባቢ፡ ሶማሌ "ዶቦም ሓሊፎም፣ ናብ ክልል ኦሮምያ ብምእታው ናይ ባዕሎም ምምሕዳር ባንዴራ ተኺሎም" ኢሉ።

"ዝምልከቶ ኣካል ውሳነ ክሳብ ዝህብ ነቲ ባንዴራ ኣልዕልዎ" ከም ዝበሉ ዝተዛረበ እቲ ከንቲባ፡ ኣብ መንጎ እዚ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ሓንቲ ጓል 13 ዓመት ሰገን "ብጥይት ተወቒዓ" ኢሉ።

እታ ሰገን ናብ ሆስፒታል ምስ ኣተወት ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ከም ዝሞተት ብምግላፅ፡ ሬሳ ንስድራ ከም ዘይተውሃበ ኣረዲኡ።

"ነታ ቈልዓ ናብ ሆስፒታል ወሲዶም ንኣርባዕተ መዓልቲ ምስ ኣፅንሕዋ፡ ውላድና እያ ብምባል ኣቦን ኣደን ሰይሞምቀቢሮማ፤ ሬሳ ሃቡና እንተበልና ናትና እያ ቀቢርናያ ኢና ኢሎምና" ኢሉ።

ቢቢሲ ሶማሊ ዘዘራረቦን ኣብ ትካል ሓገዝ ዝሰርሕን ዓብዱራሕማን ካራማ ብወገኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ምምሕዳር ቈይሙ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ቈይሙ ሓድሽ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ተኻርዩ ከም ዝነበረ ብምግላፅ፡ "እንተዀነ ብወገን ኦሮምያ ናትና ገዛ እዩ ተኻርዩ ብምባል ተቓዊሞም። ብሸነኽ ሶማል ካልእ ገዛ ንኽደልዩ ተነጊርዎም፡ እቲ ፀገም ብስምምዕ ተፈቲሑ ነይሩ" ይብል።

እዚ ኵነታት ኣብ ከምዚ እንከሎ ብወገን ኦሮምያ "ምንቅስቓስ ምልሻ ተጀሚሩ" ዝበለ ኣቶ ዓብዱራሕማን፡ "ካብኡ ሎሚ ንግሆ (ሓሙስ) ተዅሲ ተወሊዑ፤ ከቢድ ጉድኣት'ዩ ወሪዱ። ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ተቓፂሎም፣ ነበርቲ ነታ ከተማ ለቒቖም ወፂኦም፣ ሓይልታት ፀጥታ ንምርግጋእ ድሒሮም'ዮም ኣትዮም" ብምባል ኣረዲኡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦን ስሙ ከይግለፅ ዝሓተተን ብወገን ኦሮምያ ዝነብር ነባሪ ብወገኑ፡ ክልል ሶማል ኣብ ምምሕዳር ሞያሌ ባንዲራ ሰቒሉ ዝተበሃለሉ ገዛ ናይ ውልቀሰብ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

እቲ ነባሪ ወሲኹ፡ "ፈለማ ኣብዚ ኣይነበረን፡ ሕጂ ንምንታይ ኣብዚ ተተኺሉ ዝብል ሕቶ ተፈጢሩ" ብምባል የረድእ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ንኽለዓል ሓቲቶም፡ "ዋላ ሓደ ተዅሲ ከይተፈጠረ መንግስቲ ኣብ መንጎ ይእቶ እሞ ይለዓል ተባሂሉ" ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኵነታት ይዛረብ።

ድሕሪ'ዚ፡ ኣብ ካልእ ቦታ'ውን ኣብ መንበሪ ገዛ ውልቀሰብ እቲ ባንዴራ ከም ዝተተኸለ ገሊፁ።

"ፈለማ ንሳቶም ዝዀነ ነገር ሓሲቦም'ዮም ባንዴራ ዝተኽሉ" ዝብል እቲ ነባሪ፡ "ግጭት ንኽውላዕ ይደልዩ'ዮም" ብምባል ይኸስስ።

ባንዴራ ዝተተኸለሉ ምኽንያት ከም ዘይፈልጥ ብምዝራብ፡ "እዚ ዶብ ኦሮምያ እዩ ንምንታይ ይትከል?" ብምባል ኣረዲኡ።

ኣቦ ክልተ ቈልዑ ከም ዝዀነን ደቁ ጥይት ከይረኽቦም ኣብ ትሕቲ ኵርባ ሓቢኡ ከም ዝርከብ ዝተዛረበ ካልእ ውልቀሰብ ድማ፡ "ክልል ሶማል ኣብ ዘይግባእ ቦታ ባንዴራ ተኺሎም ኣልዕሉ እንተ ተብሃሉ ኣብዮም" ብምባል፡ መበገሲ እቲ ኵነታት ይዛረብ።

ብሓሙስ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ንድሕነቱ ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ካልእ ነባሪ ድማ፡ ፈለማ እቲ ባንዴራ ኣብ ዝተሰቐለሉ ከባቢ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብምዝርራብ ከም ዘልዓሉ ይዛረብ።

እንተዀነ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ "ቦታ ቀይሮም ሓደ ኪሎ ሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ባንዴራ ሰቒሎም" ብምባል ጠንቂ እቲ ግጭት ኣብሪሁ።

ኣብ ከተማ ሞያሌ ቀበሌ 02 ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ካብ ብሰሉስ ጀሚሩ ግጭታት ከም ዝቐፀሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።

ካብ ብረቡዕ ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከም ዘየለ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ፡ ካብ ሞያሌ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ'ውን ከም ዝተዓፀወ ይዛረቡ።

መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተቓፀሉን፡ ምሉእ መዓልቲ ተዅሲ ይስማዕ ከም ዘሎን ተዛሪቦም። ቢቢሲ ንነበርቲ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን ድምፂ ተዅሲ ይስማዕ ነይሩ።

ብሰንበት ካብ ኣካላት ፀጥታ ብዝተተኰሰ ጥይት ጓል 13 ዓመት ሰገን ከም ዝተቐተለት ዝገለፀ ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ነባሪ እታ ከተማ፡ ብሓሙስ'ውን፡ "ኣብ ህንፃታት ስናይፐርን ዲሽቃን ዘጻወዱ ኣባላት ፀጥታ ስለ ዘለዉ" ኣብ መንገዲ ዋላ ሓደ ዝንቀሳቐስ የለን ብምባል እቲ ዘሎ ኵነታት ኣረዲኡ።

ብሓሙስ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም ዝበለ እቲ ነባሪ፡ ብዙሓት ኣባይቲ ከም ዝተቓፀሉን ኣካላት ፀጥታ ዝዀነ ዓይነት ስጉምቲ ከም ዘይወሰዱን ተዛሪቡ።

ኣብ ከተማ ሞያሌ ዝርከብን ቢቢሲ ዘዘራረቦን ዓብዱራሕማን ብወገኑ፡ "ብወገን ሶማል ብዙሓት ኣባይቲ ዓንዮም'ዮም። ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም፣ 11 ሰባት ቆሲሎም። እቶም ዝተጐድኡ ናብ ሕክምና ተወሲዶም። ዝሞቱ ድማ ስርዓተ ቀብሮም ተፈፂሙ" ኢሉ።

ቢቢሲ፡ ብዝሒ ናይቶም በቲ ግጭት ዝሞቱ ነበርቲ፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣየረጋገፀን። ካብ ሰብመዚ ክልል ሶማል ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ'ውን ኣይሰመረን።

ቢቢሲ ብሓሙስ ምሸት ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ሞያሌ፡ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ይትኮስ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

"ሎሚ ለይቲ'ዩ ተጀሚሩ። ክሳብ ሕጂ ይትኮስ ኣሎ። ሓደ ወዲ 10 ዓመት ሓላፍ መንገዲ ሰገን ቀቲሎም። ክሳብ ሕጂ ይታኾሱ ኣለዉ።"

ትካላት ንግዲ እታ ከተማ ከም ዝተዓፀዉ ብምሕባር፡ "ህዝቢ ገዛኡ ዓፅዩ ሃዲሙ'ዩ" ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ ትዳወበላ ማእከል ንግዲ ኣብ ዝኾነት ከተማ ሞያሌ ዝተወልዐ ግጭት ስዒቡ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ነበርቲ ከም ዝተመዛበሉ ሮይተርስ ኣቃሊሑ።

ቀይሕ መስቀልን ሰብመዚን እታ ሃገር ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ኬንያ ከም ዝኣተዉ ምዝራቦም ተሓቢሩ።

ኣብታ ከተማ ብረቡዕ ግጭት ከም ዝተወልዐ ዝሓበረ ሮይተርስ፡ ብዶብ ኢትዮጵያ ተኹሲ ከም ዝስማዕ ነበርቲ ምዝራቦም ገሊፁ።

ኮሚሽነር ቀይሕ መስቀል ኬንያ ስታሌይ ካማንዴ፡ "ብኣማኢት ዝቑፀሩ ካብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ሰባት ተቐቢልና፣ ዝበዝሑ ህፃናትን ደቂኣንስትዮን'ዮም" ምባሉ፡ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኮምሽነር ወሲኹ፡ "መብዛሕትኦም ብሸነኽ ኬንያ ኣብ ዘሎ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሞያሌ ኣብ ዝርከቡ ኣዝማዶም ከም ዘዕቈቡ" ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ግጭት ብሓሙስ'ውን ቀፂሉ ከም ዝወዓለን፡ ነበርቲ ገዛኦም ዓፅዮም ናብ ዱርን ናብ ኬንያን ከም ዝሃደሙን ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከተማ ሞያሌ ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ግጭጥ የጋጥም ከም ዝነበረ ዝተዛረበ ሓደ ነባሪ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግና ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ገሊፁ።

"ሕጂ ግና ዲሽቃ፡ ሞርታርን ገለን…. ህዝቢ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ይሃድም ኣሎ። ዱርን ዶብን ሓሊፎም ናብ ኬንያ ይኣትዉ ኣለዉ። ምግቢ የለን፣ ህፃናትን እቲ ህዝብን ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ። ኣዝዮም ይፅገሙ ኣለዉ" ኢሉ።

ምንቅስቓስ ሰባት ከም ዘየለ፡ ትካላት ንግዲ ከም ዝተዓፀዉን ነበርቲ ድማ ብሸነኽ ኬንያ ናብ ዘሎ ሞያሌ ከም ዝሃደሙን ተዛሪቡ።

ኣረጋውያን፡ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ናብ ኬንያ ሃዲሞም፡ "ንሕና'ውን እንሃድመሉ ስኢንና ተሓቢእና ኣለና" ኢሉ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ ብወገኑ፡ ግዳያት እቲ ግጭት ዝኾኑ ሰባት ክንደይ'ዮም ዝብልን እንታይ የድልዮም ዝብልን ንምፍላጥ የፅንዕ ከም ዘሎ ገሊፁ።

ኢብራኤ ጆን ዝተበሃለ በዓል ስልጣን ቀይሕ መስቀል፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ይኣትዉ ዘለዉ "ተመዛበልቲ ንምቕባል መዕቈቢ መዓስከር ኣይተዳለወን። እንተዀነ ኣብዚ ጉዳይ ብትግሃት ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።