ትግራይ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ግፍዒ ዝፈጸሙ ኣብ ዝኣተዉዎ ኣትዮም ተሓተቲ ክዀኑ እዮም’

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television
ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽን ግፍዕን ዝፈጸሙ ኣካላት፡ ኣብ ዝኣተዉዎ ኣትዮም ተሓተቲ ከም ዝዀኑን ካብ ሕጊ ከም ዘየምልጡን፡ ኣብ ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ጉዳያት ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ ከም ዘፍለጠ፡ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ።
ኣቶ ኣሰፋ ነዚ መርገጺ ዘስመረሉ፡ "ፍትሒ ንግዳያት፤ ድሕነት ኣደታትን መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮን ብምሕላው ባህሊ ዘይተሓታትነት ነብቅዕ" ብዝብል ቴማ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ንመበል 21 ግዜ ኣብ ዝተኸብረ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምውጋድ ጾታዊ መጥቃዕቲ (መዓልቲ ጻዕዳ ሪቫን) ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ።
ንሱ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ በዓል፡ ኣወዳት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዘብጽሕዎ በደላት ንምውጋድን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብን ቃል ዝእተወሉ መድረኽ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ትግራይ ብተራ ዜጋታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስልጣንን ብዓቕምን ዝምክሑ ኣካላት`ውን ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ከቢድ ግህሰታት ከም ዝፈጸሙ ኣቃሊዑ።
ኣስዒቡ ንግዳያት ብቐጥታ ብምምልካት፡ "ተደፊርክን፡ ተጐዲእክን፡ ኣብ ዘይሕማምክን ሕማም ዝተሸከምክን፡ ብዘይ ድሌትክን ተዓሚጽክን ዝወለድክንን ኣብ በበይኑ ከባቢታት ትግራይ ብስቓይ እትነብራ ዘለኽን ደቂ-ኣንስትዮ፡ እቶም ገበነኛታት ኣብ ዝኣተዉዎ ኣትዮም ተሓተቲ ክዀኑ እዮም፡" ክብል ቃል ኣትዩ።
ትግራይ መትከል ሕግን ስርዓትን እተኽብር ምዃና ዝሓበረ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ፡ እቲ ገበን ቀደም ይዅን ሕጂ ዝተፈጸመ፡ ፍትሕን ርትዕን ዝሰፍነሉ ግብራዊ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ኣስሚርሉ።
ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ሰናይት ኣይናለም፡ እቲ ናይ ጻዕዳ ሪቫን ወፈራ ካብ 25 ሕዳር ክሳዕ 10 ታሕሳስ 2026 (ካብ 16 ሕዳር ክሳብ 1 ታሕሳስ 2019 ግእዝ) ን16 መዓልታት ብዝተፈላለዩ ህዝባዊ ንጥፈታት ከም ዝቕጽል ኣፍሊጣ።
ሰናይት ወሲኻ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ድሕሪ እቲ ኣብ 2020 (2013) ዝተወልዐ ኲናት ጀሚረን ክሳዕ ሕጂ ናይ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ግዳይ እናዀና ከም ዝመጻ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ብትሪ ነቒፋ።
ኵሉ ሕብረተሰብ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባራት ሓቢሩ ክዅንኖን ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ገበን ተሓታትነት ክረጋገጽን ድማ ጸዊዓ።
ተወሳኺ፤





