እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ ምስ ቻይና ዝነበራ ርከብ ዝቐየረትሉ ሜላ
ብተደጋጋሚ ሓያለ ዋዕላታት ድሕሪ ናይ ምእንጋድ ስራሕ፡ መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒን ነዊሕ ምድላዋት ብምግባር ናብ ሰሜን ኮርያ ኣትዩ ኣሎ።
እቲ ዓቢይ ትጽቢት ዝተገብሮ ካብ 8-9 ሰነ ዝካየድ ዋዕላ፡ ድሕሪ'ቲ ሺ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብኣካል ምርኻቡን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቻይና ዝገበሮ ምብጻሕን ርክብን'ዩ ናይ ሰሜን ኮርያ ገይሹ።
ሺ ጂንፒን ናብ ሰሜን ኮርያ ዝገብሮ ምብጻሕ፡ ኣብ 2026 ድማ ናይ መጀመርታ ናይ ወጻኢ ሃገራት መገሻኡ'ዩ ክኸውን።
እዚ ከኣ ሺ ምስታ ዘይርግእቲ ጎረቤቱ ዝገበሮ ምሕዝነት ዘጕልሕ'ዩ ክኸውን።
"ብስትራተጂያዊ ኣገባብ ኣድላዪ ግን ከኣ ካብ ምትፍናን ነጻ ዘይኮነ" ዝምድና ከምዘለዎም ኣብ ሴኡል ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ሴጆንግ ተመራማሪ ኢዩን-ጁ ቾይ ገሊጹ።
ክንዮ እቲ ብደገ ዝርአ ርክብ እዘን ክልተ ሃገራት፡ እዚ ርክብ ንኽልቲአን በይጂንን ፒዮንግያንግን ብደም ዝተፈብረኸ" ሽርክነተን ናይ ንሓድሕደን ናይ ምትሕልላፍ ዕድል ዝህብ ይመስል።።
ፍቕርን ጽልእን ዝመልኦ ርክብ
ካብ መጀመርታ ክልቲአን ማሕበርነታዊ መንግስታት ኣብ መንጎ ጽልዋን ናጽነትን ዝተሓላለኸ ሚዛናዊ ርክባት ኣካይደን እየን - እቲ ሓደ ሓደ ርኡይ ነገር ከኣ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ንሰሜን ኮርያ ዘርኣየቶ ደገፍ'ዩ ሰሜን ኮርያ ንቻይና ከም ቀንዲ ኣማኒታ ክትወስዳ ዝቐሰባ።
ኣብቲ ካብ 1953 ክሳብ 1990 ዝተኻየደ ኲናት ኮርያ፡ ቻይና ንጉዳይ ሰሜን ኮርያ ኣማኢት ኣሽሓት ወተሃደራት ኣሰዊኣ'ያ።
ኣብቲ እዋን መራሒ ቻይና ዝነበረ ማኦ ዘ-ዶንግ፡ ሰሜን ኮርያ ንሃገሩ ዘለዋ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ክገልጽ እንከሎ "ከንፈር እንተዘይብልካ ኣስናንካ'ዩ ዝቖርር" ብምባል'ዩ ገሊጽዎ።
መስራትን መራሒን ሰሜን ኮርያን ዝነበረ ኪም ሱንግ ግን ካብ ቻይና ዝዓበየ ወተሃደራዊ ውሕስነት'ዩ ዝደሊ ነይሩ።
ኣብ 1961 ድማ ምስ ሕብረት ሶቭየት ወግዓዊ ምሕዝነት ፈጢሩ።
ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ከኣ ምስ ቻይና ካልእ ወተሃደራዊ ውዕል ፈረመ።
ኣብ ትሕቲ ስነ-ሓሳብ ኪም ሱንግ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ መወዳእታ ርእሰ-ምርኮሳ ከተዕቢ ኣለዋ ዝብል'ዩ ዝነበረ።
ወተሃደራዊ ደገፍ ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት ምውሓስ ማለት ከኣ ንሰሜን ኮርያ ካብ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ክመጽኣ ዝኽእል ዝነበረ ይዕበ ይንኣስ ሓደጋታት ዘውሕድ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ሰሜን ኮርያ እትረኽቦ ዝነበረት ነዳድን ረድኤትን ኣብቲ ሕብረት ሶቭየት ትህባ'ዩ ዝምርኰስ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ቻይና ዘጋጠመ ክቱር ጥምየት ንቻይናውያን ነቲ ንኽልቲአን ሃገራት ዝፈሊ ሩባ ቱመን ሰጊሮም ናብ ሰሜን ኮርያ ክስደዱ ኣገዲድዎም።
ገሊኦም ቻይናውያን'ውን ስርዓተ ትምህርቲ ሰሜን ኮርያ ካብ ናይ ቻይና ዝበለጸ'ዩ ብምባል ናብ ሰሜን ኮርያ ከይዶም ዝምሃሩ ብዙሓት'ዮም ነይሮም።
ሕብረት ሶቭየት ኣብ 1991 ድሕሪ ምፍራሳ ግን ሰሜን ኮርያ ነቲ ካብ ሶቭየት ትረኽቦ ዝነበረት ነዳድን ረድኤት ስኢናቶ።
እዚ ከኣ ንቻይና ቀንዲ ሓጋዚትን ረዳኢትን ሰሜን ኮርያ ኮይና በሎኽ ንኽትብል ዕድል ኣጣጢሓ።
ክሳብ ሕጂ ከኣ ቻይና ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ ሰሜን ኮርያ ኮይና ትቕጽል ኣላ። እዚ ከኣ ምስታ መጻርርቲ ሰሜን ኮርያን ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካን ዝዀነት ደቡብ ኮርያ ብጐቦ ዓይነን ንኽጠማመታ ደሪኹወን ኣሎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ማእከል ምርምር ኤስያ ምሁር ሴንግ-ሂዮን ሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቻይና ንስርዓተ ምክልኻል ሰሜን ኮርያ እዅል ቍጠባዊ ደገፍ'ያ ትህብ፣ እንተኾነ ካብቲ ንሰሜን ኮርያ ምሉእ ርእሰ-ምርኮሳ ዝህብ ናይ ለውጢ ወፍሪ ብንጥፈት ኣይትነጥፍን'ያ" ኢሉ።
እዚ ምሁር፡ ከም መበድልቲ ከኣ፡ ኣብ ሕጊ እዘን ክልተ ሃገራት ብወግዒ ዘይሰፈረ "ፒዮንግያንግ ኣብ እዋን ወሳኒ ውሽጣውን ዲፕሎማስያውን ፍጻመታት ቻይና ካብ ዓበይቲ ተቓውሞታት ክትቍጠብ ዝብል ዘይተነግረ ሕጊ ኣሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እንተዀነ ሰሜን ኮርያ በዚ ዘይተጸሓፈ ሕጊ ብዙሕ ግዜ ተቐይዳ ኣይትፈልጥን'ያ።
ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ምውናን ህንጥዩነት
ከም መትከል፡ ቻይና ሰሜን ኮርያ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትዓጥቕ ድላይ ኣይነበራን።
ሰሜን ኮርያ ከኣ ድሌታት ቻይና ከተሳሲ ሸውሃት ስለዘይነበራ ንዩለሳዊ ኣጽዋር ትውንነሉ መንገዲ ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይውዓለትን።
መስራትን መራሒን ሰሜን ኮርያ ዝነበረ ኪም ሱንግ ኣብ 1964 ኣብ ዮንግብዮን ኣብ ዓለም ዝነኣሰ ኒዩለሳዊ ኣጽዋር ዘፍሪ ትካል ንምህናጽ ዘኽእል መሰረታት ኣዋዲዱ።
ኪም ሱንግ ዋላ'ኳ ኣብ 1985 ንስምምዕ ኤንፒቲ [ዓለምለኻዊ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ዘይምስፍሕፋሕ ስምምዕ] እንተፈረመ፡ ሃገሩ ፕላቲንዮም እምበር ንዩክለር ተማዕብል ከምዘየላ'ዩ ተኻቲዑ።
ወዱ ኪም ጆንግ ኣብ 1994 ስልጣን ምስ ተረከቦ ኸኣ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ መደባት ከም ዲፕሎማስያዊ መዋገዪ ክጥቀመሉ ጀሚሩ፡ ቍጠባዊ ሓገዝ ወይ ድማ ሕድገታት ንምቕያር ምስ ኣመሪካ ዝምድና ናይ ምፍጣር ተስፋ ይደሊ ነይሩ።
ኣብ 2003 ሰሜን ኮርያ ካብ NPT ወጺኣ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ናይ መጀመርታ ኒዩክለሳዊ ፈተነኣ ኣካይዳ - ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ስፍሕ ዝበለ እገዳ ብምግባር ቅልጡፍ መልሰ ግብሪ ሂብሉ።
እዚ ኵሉ ቻይና ሰናይ ፍቓዳ እንተዘይከውን እምበይምዀነን።
ነቲ ፈተና "ነውራም" ተግባር ኢላ ብምግላጽ፡ ሰሜን ኮርያ ንዩክለሳዊ ኣጽዋራ ከተውርድ ጸዊዓ፡ እንተዀነ ነታ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ቍጠባ ቻይና ትምርኮስ ዝነበረት ሰሜን ኮርያ ብቍጠባዊ ጽልዋኣ ተጠቂማ ክትደቝሳ ኣይመረጸትን።
"ምፍራስ ወይ ዘይምርግጋእ ሰሜን ኮርያ ንበይጂን ዓበይቲ ሓደጋታት ክፈጥር'ዩ፤ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኒዩክለሳዊ ዘይርጉጽነትንን ካልእን፡ ብዓቢኡ ከኣ ጽልዋ ኣመሪካ ወይ ደቡብ ኮርያ ክዛይድ'ዩ" ይብል ቾይ። ኣስዒቡ "እዚ ስክፍታታት ከኣ ካብቲ በይጂን ብፕሮግራም ኒዩክለር ፒዮንግያንግ ዘጋጠማ ብስጭት ዝዓቢ'ዩ፡"ይብል።
ጂም ጆንግ ኡን ኣብ 2011 ንኣቦኡ ተኪኡ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ካብ ቻይና ክመጽኦ ዝኽእል ጸቕጣታት ንምብጣስ ንኒዩክለሳዊ መደባት እታ ሃገር ኣቀላጢፍዎ።
ኣብ ቻይና ዝነበረ ምቅይያር መሪሕነት ከም ረብሓ ተጠቒሙ ቅዋም ሃገሩ ብምምሕያሽ ሃገሩ ሰሜን ኮርያ ወናኒት ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ምዃና ኣዊጁ።
ኣብቲ እዋን ሓያለ ፈተነታት ሚሳይል'ውን ኣካይዱ።
"ኪም ጆንግ ብዅሉ መልክዕ ክርአ እንከሎ ብሓፈሻ ንዲፕሎማስያዊ ህርመት ቻይና ኣብ ዝምልከት ምክብባር ዝነበሮ መበገሲ ስርዓተ-መሰረት ኣንጺፉ'ዩ፤ ኪም ጆንግ ኡን ግን ብኣንጻሩ ነዚ ዓነውነው'ዩ ኣቢልዎ።"
ሺ ጂንፒን ኣብ መጋቢት 2013 ፕረዚደንት ቻይና ኰይኑ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኪም ሳልሳይ ኒዩኩለራዊ ፈተነ ኣካይዱ።
ነቲ ኣብ ቻይና ልኡኽ ሰሜን ኮርያ ኮይኑ ዘገልገለ ናይ ተሃድሶ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ኣኮኡ ጃንግ ሶንግ-ታክ እውን ቀቲልዎ።
ከም ግብረ መልሲ፡ ሺ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዘንበሮ እገዳ ከትርሮ ዘቕረቦ ሓሳብ ደጊፍዎ።
ብተወሳኺ ኣብ ጐድኒ ደቡብ ኮርያዊ መዘናኡ ደው ብምባል፡ ኣቶማዊ ህርፋን ሰሜን ኮርያ "ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኵነታት" ከምዘይጽወር ቃል ኣትዩ።
ሩስያ፡ እታ ሓዳስ መላፍንቲ
ኣብ ዝተመረጸ ሓድሽ መራሒ ቻይና ጸላኢ ሰሜን ኮርያ ኰይኑ ምስ ተቐልቀለ፡ ኪም ሃገሩ ካብ ተጸባይነት በይጂን ትገላገለሉ መንገዲ'ዩ ዘናዲ ነይሩ።
ሩስያ ከኣ ቀዳመይቲ ሕርያኡ'ያ ነይራ።
ዋላ'ኳ ዝምድናታት ሰሜን ኮርያን ሩስያ ዳግማይ ንምህናጽ ግዜ እንተወሰደ፡ ሩስያ ግን ንጠለብ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣይነጸገቶን።
ኣብ ሚያዝያ 2014፡ ሩስያ 90% ናይቲ 11 ቢልዮን ዶላር (£6.7bn) ዕዳ ሰሜን ኮርያ ደምሲሳትላ፡ ክልቲኤን ሃገራት'ውን ብዙሕ ንግዳዊ ስምምዓት ተፈራሪመን።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ከኣ ዝምድና ሩስያን ሰሜን ኮርያን ቅድሚ ሕጂ በጺሕዎ ናይ ዘይፈልጥ ዓሪጉ።
ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ሕኸኸኒ ክሓከካ ኣትዮም፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ኣንጻር ዩክረይን ዘካይዶ ዝነበረ ኵናት ኣጽዋርን ሓይሊ ሰብን ይደሊ ነይሩ፡ ኪም ከኣ ሓገዝ፡ ንግዳዊ ርክባትን ወተሃደራዊ ቴክኔሎጂን ካብ ሩስያ ጠሊቡ።
ኣመሪካ፡ ኪም ሩስያ ኣብ ወራር ዩክረይን ንኽትጥቀመሉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከበድቲ ኣጽዋርን ሮኬታትን ከምዝሸጠላን'ያ ትገልጽ።
ቢቢሲ ብዝገበሮ መርመራ ከኣ ልዕሊ 2300 ሰሜን ኮርያውያን ወተሃደራት'ውን ምስ ሩስያ ተሰሊፎም ኣንጻር ዩክረይን ክዋግኡ ከምዝሞቱ የረድእ።
ኣብ ሞንጎ ሰሜን ኮርያን ቻይናን ዝነበረ ወጥሪ በብቕሩብ ብምህድኡ ኣብ ሰነ 2024 ናብ ሓድሕድ ምክልኻል ውዕል ብምፍረራም ተገዳስነት ቻይና ኣበራቢሩ።
ሰሜን ኮርያ እታ እንኮ ወግዓዊት ወተሃደራዊ መሓዛ ቻይና ኮይና ትቕጽል ኣላ።
"ሩስያን ሰሜን ኮርያን ኣብ 2024 ርክባተን ከዕሙቓ ካብ ዝጅምራ ኣትሒዛ ቤጂንግ ምስ ፒዮንግያንግ ዘለዋ ርክብ ንምድልዳል ዝተዋደደ ጻዕሪ ኣሎ" ትብል ሓባራዊት መራሒት ፕሮጀክት ምግምጋም ቻይና ኣብ ትካል ዘ ብሩኪንግስ ፓትሪሻ ኤም ኪም።
"ቻይና ሞስኮ ከም ቀንዲ ስትራተጂያዊ መሻርኽቲ ሰሜን ኮርያ ኮይና ቦታኣ ከተሕድጋ ኣይትደልይን'ያ"።
ኣብ መስከረም ሺ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝኽሪ ዓወት ሃገሩ ንኽልቲኦም ኪምን ፑቲንን ፍሉያት ኣጋይሹ ገይሩ ምዕዳሙ ከኣ ሓደ መርኣያ'ዩ።
ንምሉእ እቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ከኣ ኣብ ጎኑ ኰይኖም ተዓዚቦምዎ።
ናይ ሰለስቲኤን ሃገራት በበይኑ ኣንፈት ዘለዎ መርገጺ ኣብ ግምት ብምእታው ተንተንቲ ከምዚ ዓይነት ምትእኽካብ ሳሕቲ ዝርአ ምዃኑ ገሊጾም።
እቲ ቃልዕ ዝዀነ ንግዳውን ዲፕሎማስያውን ጽምዶ ቻይናን ሰሜን ኮርያን፡ ዳግማይ ምጅማር ናይ ህዝቢ ተመላልስ ባቡርን ቀጥታዊ በረራታት ኣየር ቻይናን ካብን ናብን ቻይና ሰሜን ኮርያ ከምኡ'ውን ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ቺያንግን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪን ናብ ፒዮንግያንግ ኣስዒቡ።።
ቻይና ኣብ ቀረባ እዋን "ንሓድሽ ሰረተ እምነት ኒዩክለሳዊ ድሌታት ኪም ስቕ ኢላ ምድጋፋ" ኣብ ኣቀራርባኣ ኣብ ልዕሊ ብጸይታ ዴሳዊት ሃገር ዝመጽአ ለውጢ ዘርኢ እዩ ክብል ሊ ገሊጹ።
"እዚ ለውጢ፡ ድሕሪ'ቲ ካብ 14-15 ግንቦት ዝተኻየደ ዋዕላ ትራምፕን ሺን ብግልጺ ርኡይ ኰይኑ፡ በይጂን ነቲ 'ምውጋድ ኒዩክለር' ዝብል ቃል ካብ ወግዓዊ ንባባታ ብግልጺ ምእላያ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትረኻ ዋሽንግተን ዝተፈልየ'ዩ" ኢሉ።
ጕዕዞ ሺ ብዛዕባ ንዩክለር ኣብ ዝምልከት ነቲ ኣብ ሞንጐ ሰሜን ኮርያን ቻይናን፡ ኣብ ሞንጐ ቻይናን ኣመሪካን ዝነበር መርግጺ መዕጸዊ ገይሩሉ ኣሎ።
ሰሜን ኮርያ'ውን ነዚ ዓወት እዚ ንምምዝጋብ እትኸፍሎ ዋጋ ነቲ ዘለዋ መርገጺ ዝቕይር ኣይዀነን።
"ብብዙሕ መዳይ ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ዝምዕብል ዘሎ ስትራተጂያዊ ስሉስ ኩርናዕ ዝዓበየ ተጠቃሚት እያ" ይብል ኪም። "ክልቲአን ሞስኮን በይጂንን ፒዮንግያንግ ምስአን ክትስለፍ ሓያል ድርኺታት ኣለወን።"
ብመሰረት መግለጺ ሊ "ቻይና'ውን እትኸስሮ ነገር የለን፡ እቲ እንኮ እትኸስሮ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ድሌታታት ንምትግባር ትጥቀመሉ ዘነበረት በይነ-ዕብለላ ጥራይ'ዩ" ይብል።